ምድሪ ባሕሪ፡ ሕቶ ልኡላውነት (950 – 1889)፡ መዘክር ኣባሓጎይ

  

ምድሪ ባሕሪ፡ ሕቶ ልኡላውነት (950 – 1889)፡ መዘክር ኣባሓጎይ

ደጊም ጥራዝ ምርምራት ኤርትራ፣ ሕታም ቁ 3፣ 26 ነሓሰ 2018

Degim Journal of Eritrean Studies, Volume No 3, 26 August 2018

መእተዊ

ምድሪ ባሕሪ ርእሳ ዝኸኣለት፡ ናይ ባዕላ ቆጽሊ ዝተነብረሎም ባሕረ ነገስቲ ዝነበርዋ ዴሳዊት ልኡላዊት ግዝኣት መጸውዒ ስም ከምዝነበረ ከም ታሪኽን ዛንታን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ምድሪ ባሕሪ ልኡላዊት ሃገረ መንግስቲ ኤርትራ ተባሂላ ትፍለጥ። ታሪኽ ምድሪ ባሕሪ እንተተኻኢሉ ክስተር እንተዘይኮይኑ ተሓማቲሉ ክዝንተው ከምዝድለይን ብግሁድ ከምዝስርሓሉን ዘይፍለጥ ኣይኮነን። ስለምንታይ ክስተር ወይ ተጠማዚዙ ክንገር ይድለ ዝብል ሕቶ ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ብምትኳር፡ ኣመጻጽኣን ኣመሰራርታን ልኡላዊ ሕብረተሰብ ምድሪ ባሕሪ ብዓይኒ ታሪኽን ፍልስፍና ማሕበረሰባዊ ኣቃውማን እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ምድህሳስ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምክንያቱ ዝቐርቡ ስነ መጎተታትን ትንተናታትን ኣብ ውዱዕ መደምደምታ ንምብጻሕ ስለዝሕግዙ። ቅድሚ ምጅማር ዘመናዊ ህንጸት ልኡላውያን ሃገረ ምንግስታት፡ ልኡላውነት ኣህዛብ ብዝውንንዎ ክሊ መሬትን ግዝኣትን ይግለጽ ስለዝነበረ ብኸምኡ ምርድኡ የድሊ። ምድሪ ባሕሪ ካብ ምድሪ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓጸረ መጸውዒ ልኡላዊ ክሊ መሬት ከምዝኾነ ብብዙሕት ይእመን።

መድግም

ንግስነት ኣክሱም ሓደ ካብ ናይ ዓለምና ደርማሳት ስልጣነታት ክንሱ ከም’ቲ ዝግባእ ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን ክዝንተወሉ ኣይስማዕን። ነዚኸኣ ብዙሕ ምኽንያታት ክድርደር ጸኒሑን ኣሎን። ምኽንያት ምድርዳር ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ዋናታቱ ስለዝተጓነዩን ንዘይምህላዎም ብክፋእ ክስራሓሉ ስለዝጸንሐን እዩ። ታሪኽ ክንገርን ክዝንተውን ከሎ ኣበይን ብመንን ዝብል ሕቶ ስለዘልዕል ዘይምግውሑ ተመራጺ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ክንድዚ ዝኣክል ታሪኽ ሰቲርካ ስለዘይስተር ካብ 1950ታት ጀሚሩ ብዙሓት፡ መብዛሕትኦም ውጻእተኛታት፡ ናይ ታሪኽን ስነ ቅርስን ክኢላታት ኣብ ባይታ ምርምርን መጽናዕትን ክገብሩ ጀሚሮም። ውጽኢት መጽናዕቶም ስፍሓትን ደረጃ ምዕባለን ንግስነት ኣኽሱም ብተዛማዲ ከጉልሖ ክኢሉ እዩ። ንግስነት ኣኽሱም ካብ ሕርሻ ሓሊፉ ብንግድን ዓለም ለኻዊ ዝምድናታትን ጥርዚ በጺሑ ከምዝነበረ ንምርዳእ ኣኽኢሉ’ዩ። ኣብ እዋኑ ምስ’ቶም ልዕለ ሓያላን ዝብሃሉ ግዝኣታት ሮማን ፋርስን ዝስራዕ ንግስነት ከምዝነበረ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ።

ታሪኽ ንግስነት ኣክሱም ካብ 250 ዓመተ ዓለም ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 950 ዓመተ ምህረት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ይምጠጥ። ስልጣነን ርቀትን ንግስነት ኣኽሱም ኣዝዩ ጥርዚ በጺሑ ከምዝነበረ ዘርእዩ ብመጽናዕቲ ዝተደገፉ ብዙሓት ጭብጥታትን መረዳእታታትን ተረኺቦም እዮም። ኣበርክቶ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ ዓውዳታት ህንጻን ስርሓት ካይላን ገዚፍ ምንባሩ ብፍሉይ ይጥቀስ። ፊደል ግእዝ ዝተሰመየ ጥበብ መጽሓፊ ኣማዕቢሎም ስለዝነበሩ ዝገደፍዎም ብዙሓት ኣሰራት ጽሕፈት ንኣተሓሳስባን ኣካይዳን እቲ ንግስነት ንምርዳእ ሓጊዙ’ዩ። እቲ እንኮ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ወርቂ፡ ብሩርን ንሃስን ዝተሰርሑ ቀጠቅጥ ኣብ 270 ዓመተ ምህረት ዘተኣታተወ ስልጣነ ምንባሩ ተመሳኺሩ ተሰኒዱ ይርከብ። እዚኸኣ መርኣያ ሰጓሚ ቁጠባውን ማሕበረሰባውን ኣተሓሳስባታት ንግስነት ኣኽሱም ምንባሩ ምዝካር የድሊ። ቀጠቅጥ ንግስነት ኣኽሱም ኣስማት ንጉሳትን ግእዛዊ ምልክታትን ስለዝነእሮ፡ ኣስማት በብእዋኑ ዝነበሩ ንጉሳት ንግስነት ኣክሱም ብቕድምን ድሕርን ንክፍለጡ ሓጊዙ’ዩ። ስተዋርት ማንሮ ሀይ ዝበሃል ተመራማሪ ኣብ ዝገበሮ ስነቅርሳዊ ምርምር፡ ንግስነት ኣኽሱም ዝነበሮ ንግዳውን ፖለቲካውን ጸብለልታ ካብ 9ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ እንዳጎደለ ከምዝኸደ ይገልጽ። ኩነታት ኣየር፣ ምስፍሕፋሕ እስልምናን ወራር ኣገውን ዝሰዓበ ውሽጣዊ ቁርቅስን ከም ቀንዲ ምኽንያታት ንግስነት ኣኽሱም ንኸንቈልቁል ዝደረኹ ምንባሮም ይጠቅስ።

መስርሕ ምንቁልቋል ንግስነት ኣኽሱም ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ፡ ዝተሓላለኸን ነቲ ንግስነት ዝገምዐን ክንሱ ኣብ መረብ ምላሽ ናይ ሎሚ ትግራይ ጥራይ ተደኲኑ ከምዝነበረ ተጌሩ ክስነድን ክትረኽን ንምጽንሑ ምኽንያት ክትደልየሉ ግድን እዩ። ዝገዘፈ ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ምድሪ ባሕሪ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዕሽሽ እንዳበልካ፡ ታሪኽ ንግስነት ኣክሱም ክትድህስስን ክትስንድን ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝነበረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ንግስነት ኣኽሱም መበግስን መዕልብን ስለዝነበሮ። መበገስን መዕለብን ውሽጣዊ ቁርቁስ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ ክለተ ከፊልካ ክትንተንን ጭብጢ ክቐርበሉን ይከኣል። እቲ ቀዳማይ ምስ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ምንቁልቋል ንግስነት ኣኽሱም ዝተሓሓዝ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምስ ፍልልያት ፍላስፍና ምሕበረሰባዊ ኣቃውማ ዝተኣሳሰር እዩ። ብሰንኪ ምንቁልቋል ዝነበሮ ትሕዝቶን ግዝኣትን፡ ንግስነት ኣኽሱም ንመግማዕቲ ከምዝተዳረገን ክልተ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ስርዓተ ክብርታት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክፈጥር ከምዝተገደደን ዘረድእ ትንታነን ስነመጎትን ምቕራብ ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽሑፍ ስለዝኾነ ቅጺሉ ይስዕብ።

 

 

ምንቁልቋል ንግስነት ኣኽሱም

ቅድሚ 950 ዓመተ ምህረት ምድሪ ባሕሪ ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ከምዝነበረ ቅርስታት ታሪክ የረጋግጾ። ንግስነት ኣኽሱም ብናይ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ዝተደኮነ ዓርሞሸሽ ስልጣነ ከምዝነበረ ገና ብዑምቀት ዘይተዳህሰሱ ኣሰራት ኣዱሊስ፣ ደብረሲና፣ ሰምበል፣ መጠራ፣ ኣክሱምን ካልኦት ዘይተጠቐሱ ቦታታትን እኹል መወከሲ ክኾኑ ይኽእሉ። እንተኾነ ኤርትራን ትግራይን በብወገነን ከከምዝጥዕመን ንሓለፋታት ታሪኽ ንግስነት ኣኽሱም ካብ ምምልኻዕ ዓዲ ኣይወዓላን። ብፍላይ ትግራይ ምስቲ ከተማ ኣኽሱም፡ መቓምጦ ንግስነት ኣኽሱም ነበር፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ስለእትርከብ፡ ታሪኽ ንግስነት ኣኽሱም ብምዝንባዕ ዝያዳ ናብ ትግራይ እንዳ’ዛዘኻ ናይ ምስናድ ከይዲ ከምዝጸንሐ ምስጢር ኣይኮነን። ቀንዲ ምክንያት መበገሲ ናይ’ዚ ምዝንባዕ ታሪኽ፡ ድሕሪ ምድኻም ንግስነት ኣኽሱም፡ ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ዝነበረ ናይ ሎሚ ትግራይ ብጽልዋን፡ ጎነጽ ዝተሓወሶ ኣደራዕን፡ ንደቡብ፡ ማለት ኣቢሲኒያ ገጾም ስለዝጠመቱ ከምዝኾነ ይንገር። ዝያዳ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ምዝካር ግን የድሊ። ንሕጂ ሓጺር ታሪኻዊ ፍጻሜታት ብዛዕባ ምድኻምን ምፍራስን ንግስነት ኣኽሱም ጠቂሰ ክሓልፍ።

ከምዝፍለጥ ንግስነት ኣኽሱም ምስ ምስፍሕፋሕ እስልምና ካብ 9ይ ክፍለ ዘመን እንዳተዳኸመ ስለዝመጸ፡ ካብ 950 ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ብሰንኪ ዘጋጥሞ ዝተፈላለዩ ወራራትን ዝሰዓበ ስዕረትን፡ ካብ ባሕሪ ርሒቑ ብድኽነት ኣብ ከበሳታት ምድረ ባሕርን መረብ ምላሽ ናይ ሎሚ ትግራይን ተደሪቱ ክነብር’ዪ ተገዲዱ። ቤጃን ግብጻውያን በብወገኖም ብሸነኽ ሳሕልን ብገማግም ባሕርን ክወሩዎ ከለዉ ሃጸያት ኣገው ብሸነኽ ደቡብ ወሪሮም፡ ንንግስነት ኣኽሱም ቀርቂሮም ብጎረርኡ ሒዞም ከምዘሳቐይዎ፡ ልክዕ ከም ዘመነ ኣካሒዳ፡ ዘይርሳዕ ታሪኽ ኮይኑ ብዙሓት ጸሓፍቲ በብወገኖም ከከምኣተራጉምኦም ገሊጾሞን ተሪኾሞን እዮም። ጽሑፋት ስትዎርት መርኖ ሀይን ካርል ባዘርን ከምኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ኣብዚ ትረኻ ኣባሓጎታትና ምትንካፉ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣባሓጎታትና ከምዝብልዎ ብደቡብን ብኣፍደገ ባሕርን ዝውሕዝ ዝነበረ ወራርት ትንፋስ ከይሃቦም ንኣስታት 200 ዓመታት፡ ክሳብ መፋርቕ 11 ክፍለ ዘመን፡ ማለት ክሳብ 1050ታት ስለዝቐጸለ፡ ንግስነት ኣኽሱም ብድኽነትን ውሽጣዊ ቁርቑስን ተሓሰየ። ከም ሳዕቤን ንግስነት ኣኽሱም ኣይጸንሐን ናብ ክልተ ተገምዐ። እዚ ምግማዕ ብልክዕ መዓስ ዓመተ ምህረት ከምዝነበረ ዝተመሳኸረ ስኑድ ታሪኽ ዛጊት ክርከብ ኣይተኻእልን። ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ መፋርቕ 11 ክፍለ ዘመን ማለት ኣብ ከባቢ 1050ታት፡ ምስ ምምስራት ኣቢሲንያ ብሃጸያት ኣገው፡ ከምዝጀመረ ኣብ ብዙሓት መጻሓፍቲ ታሪኽ ኣቢሲንያ ብዝረቐቐ መንገዲ ተጠቒሱ ንረኽቦ። ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ተመላኺዑን ተጸባቢቑን ስለዝቐርብ፡ ከም ታሪኻዊ ክውንነት ተጎስዩ ክሕለፍ እዩ ዝፍተን። ገለ ካብቲ ፈተነታት ንምጥቃስ፡ ሓንሳብ ብሰንኪ ወራርን ድኽነትን ንግስነት ኣክሱም ምስተዳኸመ ከምዘለዎ ብሃጸያት ኣገው ተዋሒጡ ኣካል ኣቢሲንያ ኮይኑ ቀጺሉ ተባሂሉ ክግለጽ ይፍተን። ካልእ ግዜ’ውን ብስቱር ንመስፍናዊት ኣቢሲንያ ከም መቐጸልታ ንግስነት ኣኽሱም ጌርካ ናይ ምዝንታው ኣጋውል ዘይፍተን ኣይኮነን።

ድሕሪ ምግማዕ፡ ሓደ ግማዕ ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ዝነበረ መረብ ምላሽ ዝብል ስም ተጠሚቑ፡ ካብ ድኽነት ንምውጻእን፡ ዘየቋርጽ ረጽሚ ስለዘሰልከዮን ብጽልዋ ሃጸያት ኣገው ተሳሒቡን፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 11 ክፍለ ዘመን ብፍታው ምስ ሃጸያት ኣገው ተጸንበሩ፡ ሓድሽ ላሊበላ ዝብሃል ንኡስ ስልጣነ ደኲኑ። ትግራይ ቅድሚ ትግራይ ዝብል ስም ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን ምጥማቑ፡ መረብ ምላሽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ከምዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ መረብ ምላሽ ከም መጸውዒ ስም ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝነበረ ተጌሩ ክግለጽ ስለዝፍተን። ናይ ሎሚ ኤርትራ ምድሪ ባሕሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ ከምዝነበረ ድሒሩ ብሰፊሕ ክቐርብ እዩ። እዚ ምትሕውዋስ ኣስማትን ጽልግልግን ናቱ ክፋእ ስለዘለዎን ካልእ ኣርእስቲ ዝለዝኾነን ኣብ ዝርዝር ምእታው ንዕላማ እዚ ጽሑፍ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝነበረ መግማዕትን ሳዕቤናቱን ምስ እንምለስ ዶብ ግዝኣት ኣገው ድሓር ኣቢሲንያ ዝተሰመየ፡ መረብ ምላሽ ዝኾነሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። ህዝቢ መረብ ምላሽ ሎሚ ብተጋሩ ዝፍለጡ ምስ ሃጸይነት ኣገው ኣብ ዝተጸንበሩሉ እዋን፡ ኣብ ንግስነት ኣክሱም ከለዉ ዝወነንዎ ስልጡን ባህሊ ሒዞም ስለዝኸዱ፡ ኣብ ምድዃን ላሊበላ ዝዓዘዘ ግደ ከምዝነበሮም ዘርኢ ብዙሕ ቅርስታት ምህላው ምምስኻር ዘየድልዮ ህያው ታሪኻዊ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። ንኣብነት ኣብ ከውሒ ዝተወቕረ ቤተ መቕደስ ላሊበላ ሓደ ካብ ትንግርቲታት ዘመናዊት ኢትዮጵያ ክጥቐስ ይከኣል። ካልእ ዝዓበየ ባህሊ ተጋሩ ንኣቢሲናውያን ዘውረስዎም፡ ሎሚ ኣምሓሩ ከምናቶም ምህዞ ዝንየቱሉ፡ ፊደላት ግእዝ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ብሰንኪ’ዚ ግርንቢጥ ምጽንባር ትጋሩን ሃጸያት ኣገውን፡ ብዋንነት ፊደላት ግእዝ ምውጣጥ ከምዘይተርፍ ብዙሓት ይሰማምዑ። እዚ ታሪኻዊ በሰላ ብቐሊሉ ዝሓውይ ከምዘይኮነን፡ ናይ ወለዶታት ሕቶ ኮይኑ ከምዝጸንሕን ካብ በብእዋኑ ዝስማዕ ሕኒን ተዛረብቲ ትግርኛ ምርዳእ ይከኣል።

ዝተረፈን ዝገዘፈን ኣካል ንግስነት ኣኽሱም ተገሚዑ ካብ መንቀራቅሮ ከይወጸ ምድሪ ባሕሪ ዝብል ስም ተጠሚቁ ልኡላውነቱን ግዝኣቱን ሓልዩ ንዘመናት ከምዝተሳለየ ስኑድ ታሪኽ ሕጊ እንዳባን፡ ተረፍ ራስያ ብራናታት ገዳማትን ምውካስ እኹል እመስለኒ። ብሰንኪ ኣብያ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ምጽንባር ምስ ሃጸያት ኣገው፡ ግዳይ ራስያን ወራርን ሃጸያት ኣገውን ዝሰዓቡ ሃጸያትን መሳፍንትን ኣቢሲንያ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ብዙሕ ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል። ንኣብነት ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ብዙሕ ግዜ ብሸፋቱ ኣቢሲንያ ቀጻሊ ይውረርን ይዝመትን ከምዝነበረ በብኸባቢኡ ብዙሕ ታሪኽ ይዝንተው’ዩ። ሒደት ዘይብሃሉ ጸሓፍቲ ብወግዕን ብዝተጸንዐ መንገድን ካብ’ቶም ዝዝንትው ዛንታታት ድሮ ሓያለይ ሰኒዶም ኣለዉ። ዛጊት ብመልክዕ ተንቀሳቓሲ ምርኢት ዝተዳለዉ ዛንታታት’ውን ሒደት ኣይኮኑን። ካልእ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ደገ ሓይልታትን ገዛእቲን ብምትሕብባር ኣንጻር ኣቢሲናውያን ዘሚቱ መረበቱን መነንቱን ኣውሒሱን ዓቂቡን እዩ። ኩሎም ገዛእቲ ካብ ግብጺ ጀሚርካ ክሳብ ጣልያን ብውዕል ንህዝቢ ምድሪ ባሕሪ መነቱን መረበቱን ኣኽቢሮም ኣብ ውሱን ቦታት ተደሪቶም ንኽነብሩ ይግበር ኔሩ’ዩ። ገዛእቲ ሓይልታት ውዕል ክጥሕሱ ክፍትኑ ከለዉ ምስኦም’ውን ረጽሚ ይፍጠር ከምዝነበረ ብዙሕ ዛንታታት ትብዓትን መስዋእትን ይዝንተው እዩ።  ሕዝቢ ምድሪ ባሕሪ ንናይ ስግር ባሕሪ ገዛእቲ ሓይልታት ነበርቲ ኣይኮኑን ኢሉ ይኣምን ስለስዝነበረ፡ ከም ገዛእቲ ዘይኮነ ከም ኣጋይሽ ይጥምቶም ምንባሩ ናይ ትማሊ ዛንታ ኣባሓጎታትና እዩ።

ወራርን ራስያን ኣቢሲናውያንን ተጋሩን ግን ንህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ናይ መንነትን መረበትን ሕቶ ስለዝነበረ ኣብ ከቢድ ደማዊ ረጽሚ እዩ ዘእትዎም ኔሩ። ኣብ’ዚ ብዙሓት ታሪኻዊ ፍጻሜታት መልክዖም ተቐይሮም ዝቐርቡ ዝነበሩ ምርኣይ ይከኣል። ንኣብነት ብሓገዝ ግብጻውያን ኣንጻር ኣቢሲናውያንን ተጋሩን ዝተኻየዱ ውግኣት ጉንደትን  ጉራዕን: ከም ዓበይቲ ዓወታት ኣቢሲናውያንን ተጋሩን ብኹርዓት ዝጥቀሱ ክኾኑ ከለው፡ ዓወት ወልደሚካኤል ሰለሙን ኣብ ልዕሊ ኣቢሲናውያንን ተጋሩን ኣብ ውግእ ኣስመራ ግን ዘካሪ ኣይጸንሖን። ውግእ ጉንደት ኣብ ሕዳር 1875 ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ውግእ ጉራዕ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ መጋቢት 1876 እዩ ተኻይዱ። ውግእ ኣስመራ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ 1878 ምክያዱ ይፍለጥ፡፡ እንተኾነ ኣቢሲናውያንን ተጋሩን ወልደሚካኤል ሰለሙን ከይተዋግአ ከምዝሰለመ እምበር ውግእ ኣስመራ ዝበሃል ምንባሩ ፈጺሞም ተቕቢሎም ኣይፈልጡን። ካልእ ኣቢሲናውያን ድሕሪ ስዕረቶም ንወልደሚካኤል ሰለሙን ቃሎም ዓጺፎም ኣገሪሆም ኣብ 1879 ምስሓየርዎን፡ ብኣስገዳድ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ራእሲ ኣሉላ እንግዳ ዝበሃል ኣመሓዳሪ፡ ንህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ከገብሩ ምስጀመሩን፡ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ብሓገዝ ጣልያን መጀመርያ ኣብ 1886 ውግእ ሰሓጢትን 1887 ውግእ ዶጎሊን፡ ጸኒሑ ኣብ 1896 ውግእ ዓድዋ ዘካየዶ ደማዊ ረጽሚ ኣንጻር ኣቢሲንያን ተጋሩን፡ ብባዕዳውያን መሬቱ ከጉብጥን መንነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱን ስለዝበሃገ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ’ዩ ዝቑጸር። ከምኡ ከምዘይነበረ ነጋሪ ዘድልዮ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ መኪቱ መንነቱን መረበቱን ዓቂቡ ስለዝቐጸለን ይቕጽል ስለዘሎን። ብፍላይ ኣብ ውግእ ዓድዋ ልዕሊ ፍርቂ  ሰራዊት ጣልያን ሓርበኛታት ምድሪ ባሕሪ ምንባሮም ምዝካር የድሊ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ደማዊ ውግእ ናይ ጣልያን ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ምንባሩ’ዩ ዘርኢ። ኣብ’ዚ ከይተዘከረ ዘይሓልፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ ውግእ ዓድዋ ዝተማረኹ  ሓርበኛታት ኣባሓጎታት ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ዝወረደ ኣካልዊ ጉድኣት ጸሊም በሰላ ታሪኽ ምንባሩ’ዩ። ነዚ ጸሊም ናይ ታሪኽ በሰላ ወግዓዊ ኣፍልጦን መዕለቢ ክሳብ ዘይተገብረሉ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ሕኒን ካብ ምባል ዘቋርጽ ኣይኮነን። ምናልባት ነዚ ታሪኻዊ ኣበሳ ሊቃውንቲ ኢትዮጵያውያንን ተጋሩን ክቕበልዎ ኣዝዮም ከምዝሽገሩ ንምፍላጥ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ ምግምጣል እኹል እዩ። ራሳይን ተራሳይን፡ ጎባጥን ተጎባጥን ዝብሃል ታሪኽ ከምዘይነብረ ጌርካ ምዝንታው ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን መዐቀኒ ሊቅነት ካብ ዝቑጸር ሓያለይ እዋን ሓሊፉ ኣሎ። ምጽብባቑ ኣይምተጸልአን፡ ከምዘይነበረ ክተምስል ምፍታን ግን መርኣያ ታሪኻዊ ሕንከት ጥራይ እዩ ዝቑጸር።

ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ዝስዓቦ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ህልው ታሪኽ ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ ስለዝኾነ ኣብ ዝርዝር ምእታው ነዚ ጽሑፍ ኣድላይነት የብሉን። ኣቕዲሙ ከምዝተጠቐሰ መስርሕ ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ከባቢ 200 ዓመት ከምዝወሰደ’ዩ ዝዝንቶ። ከም መስርሕ ዘይሕከኽ በሰላ ስለዝገደፈ፡ ብሊቃውንቲ ታሪኽ ጸሊም ዘመን ተባሂሉ ይጥቀስ። ጸሊም ዘበን ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ 1000 – 1200 ዓመተ ምህረት ይምጠጥ። ስለምንታይ መግማዕቲ፧ ስለምታይ ንግስነት ኣኽሱም ከምዘለዎ ምስ ሃጸያት ኣገው ዘይተጸንበረ፧ ዶብ መግማዕቲ ብኸምይ ረጊኡ፧ ዝብልን ካልእ ሕቶታትን ብዕምቆት ዘይተፈተሸ ሓድጊ ታሪኽ ስለዝኾነን ደፋእ ኢልካ ክርአ ስለዝግባእን፤ ንሕጂ ኣብ’ቲ ዝነበረ መግማዕትን ሳዕቤናቱን ጥራይ ብምትዃር አብ ሕቶ ልኡላውነት ምድሪ ባሕሪ ኣብ ውዱዕ መደምደምታ ምብጻሕ ዘጸግም ስለዘይኮነን። ኣብዚ ከይተጠቐሰ ክሕለፍ ዘይግብኦ ኣብ መስመር መግማዕቲ ዝነበረ ዓጋመን ከባቢኡን እዩ።ኣብ’ቲ ዝነበረ መስርሕ ብኸቢድ ዝተዳህከ ከባቢ ምንባሩ ይንገር፡ ሕጂ’ውን ገና ብኽልቲኡ ግማዓት ዝጽሎ ከባቢ ኮይኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ከምውጽኢት ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ክልተ በበይኑ ማሕበረሰብ ተፈጢሩ። ሓደ ግማዕ ንግስነት ኣኽሱም፡ መጀመርያ ብሃጸይነት ኣገው፡ ቀጺሉ ብኣቢሲንያ፡ ድሒሩ ብኢትዮጵያ ዝፍለጥ መስፍናዊ ማሕበረሰብ ፈጢሩ። ሎሚ ብትግራይ ዝልለ ከባቢ ከምውሁድን ዓብላልን ኣካል ናይ’እዚ ዝተጠቐሰ መስፍናዊ ማሕበረሰብ ኮይኑ ከምዝቐጸለ የውሃንስ 4ይ ንጉሰ ነገስት ናይ ኣቢሲንያ ተወላዲ ትግራይ ከምኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ገና መስርሑ ዘይወድአ ዘመናዊ ታሪኽ ትግራይ ምዕዛብ እውን ከምህያው ኣብነት ክውሰድ ይከኣል። ዝበዝሕ ኣስማት ሃጸያት ኣቢሲንያ ክርስትያናዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ብትምክሕቲ ዝጥቀስ ታሪኽ ኣቢሲንያ ካልእ ተወሳኺ ኣብንት እዩ። ኣመጻጽኣ ክርስትያናዊ  ጽልዋ ኣብ ኣቢሲንያ እንተ ርኢና ኣቢሲናውያን ክርስትና ካብ ግብጻውያን ክምዝተቀበልዎ ጌሮም ክእምኑ እዩም ዝፍትኑ። ከምዝፍለጥ ንግስነት ኣኽሱም ክርስትና ድሕሪ ምቕባሉ ንኣስታት 600 ዓመታት እዩ ከም ንግስነት ቀጺሉ። ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱምን ምጽንባሩ ምስ ሃጸያት ኣገውን እዩ ክርስትና ኣብ ኣቢሲንያ ዘተኣታተወን ዘስረጸን። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ብዘይ ናይ ሎሚ ትግራይን ላሊበላን ታሪኽ ኣቢሲንያ ዝብሃል ክህሉ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ከኣ’ዩ ንኣቢሲንያ ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ ከም ልኡላዊ ሕብረተሰብ ዘቐጸለ።

ካልኣይ ግማዕ ንግስነት ኣኽሱም፡ መጀምርያ ብምድሪ ባሕሪ ድሒሩ ብኤርትራ ዝፍለጥ ዴሳዊ ማሕበረሰብ ፈጢሩ። ምድሪ ባሕሪ ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ ገለ ክፋል መሬቱን ገማግም ባሕሩን ብገዛእቲ፡ መጀመርያ ብግብጻውያን ድሒሩ ብቱርካውያን ተወሪሩ ከምዝነበረ ኣሰራት ታሪኽ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘረጋገጾ እዩ፡፡ ቱርኪ ንግብጺ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ምስ የእተወታ’ያ ንቀይሕ ባሕሪ ግዝኣታ ዝገበረት። ገዛእቲ ግብጻውያንን ቱርካውያንን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተደሪቶም እዮም ዝነብሩ ኔሮም። ቱርካውያን ናብ ከበሳ ክድይቡ ፈቲኖም ተደፊኦም ዝተመለሱሉ እዋናት ኒሩ እዩ። ካብዚ እዋን እዚ ጀሚሩ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ኣብ ጎቦታት ከበሳ ሰፊሩ ብወራራትን ድክነትን እንዳተገርፈ፡ ክሳብ ምምጻእ መግዛእቲ ጣልያን ልኡላውነቱ ኣኽቢሩ ከምዝጸንሐ ዘረድእ ዝተሰነደ ታሪኽ ሒደት ኣይኮነን። ናይ 1878 ውግእ ኣስመራ ኣንጻር ኣቢሲንያ ምእንቲ ልኡላውነት ዝተገብረ ምውዳቕ ምዝካር ሓደ ኣብነት እዩ። ውግእ ኣስመራ ብመሪሕነት ወልደሚካኤል ሰለሙን ምክያዱ ምዝካር የድሊ። ከምዚ እንዳሃለወ ምድሪ ባሕሪ ልኡላዊ ግዝኣት ከምዝነበረ ክቕበሉ ዘሸግሮም ኢትዮጵያውን ተመራመርትን ጸሓፍትን ሓያለይ ከምዝኮኑ ምዝካር የድሊ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ኸኣ፡ ምድሪ ባሕሪ ኣካል ኣቢሲንያ ከምዝነበረ ጌርካ ካብ ናይ ምዑብላኽ ጥሙሕ ዝብገስ ስለዝኾነ ዕሽሽ ክበሃል ኣይግባእን።

ታሪኻዊ ሓቂ እንዳተባህለ ተደጋጊሙ ብኢትዮጵያውያን ተረኽትን ጸሓፍትን ዝግበር ጎስጓስ፡ ቀንዲ ሙርኩስ ጌሮም ከመሳኽርዎ ዝፍትኑ፡ ዝበዝሕ 200 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ታሪኻዊ ክውንነታት ጥራይ ሙዃኑ ብዙሕ መረዳእታት ኣሎ። ንኣብነት ኤርትራ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ እያ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ዝብል ብዙሕ ግዜ ዝደጋገም ዛንታ ክጥቀስ ይከኣል።ከም’ዚ እንዳሃወ ብዘደንጹ መንገዲ ኢትዮጵያውያን ተረኽትን ጸሓፍትን ብዛዕባ ማሕበረሰባዊ ኣቃውማ ምድሪ ባሕሪ ዝጠቅስ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ኣቅሪቦም ሞጊቶም ኣይፈልጡን። ብኣንጻሩ ኤርትርውያን ተረኽትን ጸሓፍትን፡ ብጀካ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ዘቐርብዎም ትርር ዝበሉ መከራኸሪ መዘክራት፡ በዳህቲ ትንተናታት ከቕርቡ ኣይርኣዩን። ኤርትርውያን ኣብ ከምዚ ዘውደቖም ብዙሕ ምኽንያታት ክጥቀስ ይከኣል እኳ እንተኾነ፡ ንግዚኡ ሰለስተ ክጠቅስ ክፍትን እየ።

ቀዳማይ ምክንያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ህሞት ስለዝጸንሐ፡ ምዝንታውን ምስናድን ታሪኹ ብጸኒሕ ብምሓዙ ክኸውን ይኽእል። ካልኣይን ብቀንዱን ክጥቀስ ዝክኣል ምኽንያት፡ ብሰንኪ ወራራትን መግዛእትን ዝሰዓበ ብርሰት እዩ። ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ንኣስታት 900 ዓመታት ካብቲ ቀንዲ መግለጺ መንነቱ ዝኾነ ባሕሪ፡ መጀመርያ ብግብጻውያን ድሒሩ ብቱርካውያን ተደፊኡ ኣብ ጎቦታት ከበሳ ክሰፍር ስለዝተገደደ ዝነበሮ መገለጺ ታሪኹ ዝኾነ ሰነዳት ካብ ከባቢታት ደብረቢዘን፡ ደብረሲናን ሳሕልን ምርሳዩን፤ ዝበዝሕ ሰነዳቱ ክርስትያናዊ ብምንባሩ ብወረርቲ ኣስላም ብምቅጻሉን መመሳኸሪ ስኢኑ ንነዊሕ እዋናት ክዉን ታሪኹ ከዘንቱ ስለዘይከኣለ ክኽውን ይኽእል።

እቲ ሳልሳይን መወዳእታን ምኽንያት፡ ምስ ስነልቦና ኤርትራውያን ዝተኣሳሰር እዩ። ንሱ ኸኣ ኤርትራውያን ታሪኾምን ታሪኽ ኣባሓጎታቶምን ብግብሪ ስለዝፈልጥዎ፡ ዝኮነ ይኹን ታሪኽ ክልጥፈሎም ዝፍትን ናይ ደገ ሓይሊ ተቐቢሎም ኣይፈልጡን። ከምዚ ኔርና፣ ጌርናን ደጊምናን እንዳበልካ እንታይነትካ ክትገልጽ ምፍታን ከም ነውሪ’ውን ስለዝቑጸር። ብዛዕብኦም ስለዝተዘንተወን ዝተጻሕፈን ከፊኡዎም ኣብ ናይ ጽሑፍ ይኹን ቃላት ንትርኽ ዝኣትዉ ዘይሙዃኖም’ውን ክኸውን ይኽእል። ከምውጽኢት በብእዋኑ ዝነበሩ ጎበጥቲ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ጎበጥኦም ንምንዋሕ ብዝጥዕሞም መንገዲ ንታሪኽ ምድሪ ባሕሪ ክገልጽዎ ጸኒሖም’ዮም፡፡ ገና ክገልጽዎ ይፍትኑ ከምዘለዉን ዝስሓት ኣይኮነን።

 

ኣዕኑድ ስርዓተ ክብርታት

ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱምን ምድኳን ልኡላውነት ምድሪ ባሕሪን ዘየማጉት ናይ ማእከላይ ዘመን ታሪኻዊ ፍጻመን ሓድግን ከምዝነበረ ብዝተመሳኸሩ ኣሰር ቅርስታት፣ ስነ መጎታዊ ትንታነታትን ምስክርነት ኣባሓጎታት ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ብምትርኣስ ልዒሉ ግምገማታት ቀሪቡ ኣሎ። ቀጺሉ ፍልስፍና ማሕበረሰባዊ ኣቃውማ ምድሪ ባሕሪ ብመንጽር ኣቢሲንያ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ግምገማታት ክቐርብ’ዩ። ከምዝፍለጥ ማህበረሰባዊ ኣቃውማ ኣህዛብ ኣብ ኣዕኑድ ስርዓተ ክብርታቶም’ዩ ዝምርኮስ። ኣዕኑድ መቆምያታት ስርዓተ ክብርታት ማሕበረሰባት ኣብ ክልተ ክጠቓለሉ ይኽእሉ። እቲ ቀዳማይ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰ እዩ።

ምስ እምነት ዝተኣሳሰር ዓንዲ ስርዓተ ክብሪ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ፡ ሕጊ ሙሴ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ምስ እምነት ተዋህዶ ዝሰጠመ ኦሪታዊ ስነ ሓሳብ እዩ። ኦሪታዊ ስነ ሓሳብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ውርሻታት ስልጣነ ንግስነት ኣኽሱም ኮይኑ ንኣነባብራ፡ ኣመጋግባ፡ ኣከዳድና፡ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ኣኽብሮት፡ ትሕትና፡ ሓልዮት፡ ምእዝዙነት፡ ቤተሰባውን ማሕበራውን ፍቕሪ፡ ትብዓት ወዘተ ዝኣመሰሉ ክብርታት ኣብ ሕብረተሰብ ዘስርጽ ስርዓት እዩ። ኦሪታዊ ስነ ሓሳብ ንምድረ ባሕርን ኣቢሲንያን ብማዕረ ዝብጽሖም ውርሻ ንግስነት ኣኽሱም እዩ። መሰረት እምነት ክልቲኦም ህዝብታት ተመሳሳሊ ኮይኑ ምጽንሑ ሓደ ኣብነት እዩ። እዚ’ውን ተወሳኺ ሳዕቤን ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም ከምዝኮነ ምዝካር የድሊ። እምነት መሰረት ዝገበረ መቖምያ ስርዓተ ክብርታት ናይ ክልቲኡ ማሕበረሰባት ተመሳሳሊ ብሙዃኑ ጥራይ፡ ኣቢሲናውያን ንልኡላውነት ምድሪ ባሕሪ ንዘይምቕባል መሸፋፈኒ ክጥቀሙሉ ከምዝጸንሑ ዘርኢ ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ። ዘይሓልፈላ ተመዛዚትን ዝውትርትን ‘ሓደ ኢና’ ትብል ሓረግ ከምኣብነት ምጥቀስ ይከኣል። ተጋኒኑ ዝቐርብ ንጣር ዝርአ መውስቦ’ውን ካልእ ኣብነት መሳበቢ’ዩ።

ምስ ሕጊ ዝተኣሳሰር ዓንዲ ስርዓተ ክብሪ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ፡ ኣካል ‘ሕጊ እንዳባ’ ኮይኑ: እቲ እንኮ ካብ ካልኦት ማሕበረሰባት ዝፈልዮ ዓንዲ ከምዝኾነ ክስመረሉ ይግባእ። ሕጊ እንዳባ ብወግዒ ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ከባቢ 1480ታት ከምዝተጻሕፈ ዝጠቕሱ ሰነዳት ኣለው። ተኸስተ ነጋሽ ዝብሃል ተመራማሪ ቋንቋታት ኣብ መበቆልን ምዕባለ ሕትመትን ቋንቋ ትግርኛ ዝብል መጽናዕታዊ ጹሑፉ ኣመሳኺሩ ኣቕሪብዎ’ሎ። ኮንቲ ሮሲኒ ዝብሃል ኢጣልያዊ ጸሓፊ’ውን ኣብ 1903 ዝጸሓፎ ውልቃዊ መዘክሩ ኣስፊርዎ ይርከብ። ሕጊ እንዳባ ኣብ ጽሑፍ ከይሰፈረ ንኽንደይ ግዜ ዝኣክል ማሕበረሰብ ምድሪ ባሕሪ ከምዝተገልገለሉ ዝፍለጥ ነገር የለን። ሓጺር እዋን ከምዘይነበረ ምግማቱ ግን ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ዶብ ግዝኣት ሃጸይነት ኣገውን ድሒሩ ዝመጸ ግዝኣት ኣቢስንያን ኣብ መረብ ምላሽ ሓጺሩ ዝዓገተ ቀንዲ ሓይሊ ሕጊ እንዳባ ከምዝነበረ ዝዝንቶ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። ንሱ ኸኣ ምእንቲ ቀጻልነት ባይቶ ዓድን ሕጊ እንዳባን ምብጃው ሓላልን ዘይተርፍ ዕጫን ምንባሩ’ዩ። ሕጊ እንዳባ ግዜ ዘይለወጦ፡ መግለጺ መንነትን፡ መሰረት ህላወን መጻእን ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ዝገበሮ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዓንዲ ሕቖ ስርዓተ ክብርታት ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ስለዝነበረ እዩ። ሕጊ እንዳባ፡ ንህዝቢ ምንጪ እቶት ከም መሬት፡ መንበሪን ካልኦት መሰላትን ብማዕረ ዘመቓርሕ፣ ጭቃ ዓድን ባሕረ ነግስትን ብድምጺ ብልጫ ቆጽሊ ናይ ምንባር ስልጣን ዝህብ፣ ኣረገውትን ጽጉማትን ናይ ምጥዋር ሓልፍነት ዘሰክም፣ ሕግን ስርዓትን ዘንግስ ዓንዲ ሕቖ ስርዓተ ክብሪ ምድሪ ባሕሪ ከምዝነበረን ብኸፊል ከምዘሎን ይፍለጥ። ብርትዕን ስርዓትን ዝመሓደር ከምዚ ዓይነት ኣቃውማ ዝውንን ማሕበረሰብ ‘ዴሳዊ’ ተባሂሉ ይግለጽ።

ዴስነትን ማሕበርነትን ዓይነታት ኣቃውማ ማሕበረሰባት ብዙሕ ግዜ ምድንጋር ስለዝፈጥሩ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣቃውማ ማሕበረሰባት ከምዝኮኑ ብኣብነት ምብርሁ ሓጋዚ እመስለኒ። ንኣብነት ዴስነት ንህዝቢ ማዕረ ዕድል ዝህብ፡ ርትዓዊ ምምቕራሕ ምንጪ እቶት ዘውሕስ፣ ውልቃዊ ሃብቲ ምኽዕባትን ምውናንን ዘተባብዕ፣ ዊንታ ውልቀሰባት ዘኽብር ዓይነት ማሕበረሰብ ክኸውን ከሎ። ብኣንጻሩ ማሕበርነት ንህዝቢ ማዕረ ዕድል ዘይህብ፣ ምንጪ እቶት ናይ ሓባር ዝገብር፣ ውልቃዊ ሃብቲ ምኽዕባትን ምውናን ዘየፍቕድ፣ ዊንታ ውልቀ ሰባት ዘየኽብር ዓይነት ማሕበረስብ እዩ።

ማሕበረሰብ ምድሪ ባሕሪ ዴሳዊ ከምዝነበረን ዘሎን ዝሰሓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕጊ እንዳባ ምድሪ ባሕሪ ከምዘለዎ ሕጊ እንዳባ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ይቕጽል ስለዘሎ። ብተመሳሳሊ ማህበረሰብ ኣቢሲንያ መስፍናዊ ከምዝነበረ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ቀዳማይ ኣብነት ክቕጽል ዝጸንሐ ንትኹል ዝዛዘወን ገና ተሃኑ ዘይወድአን ሕብረተሰባዊ ምትፍናን ሓድሕዳዊ ምቅትታልን ክኽውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ኣብነት፡ መሬት ብመሳፍንቲ ተባሒቱ ስለዝነበረ ኣብ 1974 ድሕሪ ምዕላው ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝወጸ፡ መሬት ንሓረስታይ ዝብል ኣዋጅ ክጥቀሱ ይኽእሉ። መዝማዝን ተመዝማዝን ዝዓብለሎ ማሕበረሰብ ኣብ ምትፍናን ክኣቱ ኣብ ታሪኽ ዓላምና ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ጊላ ምዃንን ምዝበዛ መሳፍንትን ስለዝመረሮ ኣብ 1974 ዓመተ ምህረት፡ ሰውራ ኣልዒሉ፡ መስፍንነት ደምሲሱ ወናኒ መሬት ክኸውን ዝኽኣለ። ቅድሚ ሰውራ ምልዓሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መሳፍንትን መሻርክቶም ሃጸያትን ጊላ ኮይኑ እዩ ዝነብር ኒሩ። ከምዝፍለጥ መስፍንነት ርትዕን ልዕልና ሕጊ ዝዕምጽጽን ንህዝቢ ኣብ መሬቱ ጊላ ዝገብርን ዓይነት ማሕበረሰብ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ማሕበረሰብ ህዝቢ ዝውንኖ ምንጪ እቶት ዝብሃል ኣይህልዎን፣ ንመራሕቱ ቆጽሊ ምውዳቕ ኣይምልከቶን፣ ህላዊኡ ከይተረፋ ኣብ ኢድ እቶም መሳፍንቲ እዩ ዝወድቕ።

ስለዚ ብዓይኒ ፍልስፍና ኣቃውማ ማህበረሰባት፡ ዴሳዊት ምድረ ባሕርን መስፍናዊት ኣቢሲንያን ክልተ ዝተፈላለያ ልኡላውያን ግዝኣታት ከምዝነበራ ምግንዛብ ዘሸግር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ክልተ መራኸቢ ዘይብሉ ማሕበረሰብኣዊ ስርዓታት ብውህደት ከም ሓደ ግዝኣት ንኽንድኡ ዝኣክል እዋናት ከቐጽሎ ዘኽእል ስነ ፍልጠታዊ ባይታ ኣይኮነን መሳጢ ልብ ወለዳዊ ዛንታ ክተቕርበሉ ስለዘጸግም።። ክብሃል ስለዝጸንሐ ጥራይ፡ ምድሪ ባሕሪ ኣካል ኣቢሲንያ ከምዝነበረት ጌርካ ምዝራብን፡ ንዘይነበረ ከምዝነበረ ክትቅይር ምፍታንን ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወድዓውነት ምቕባል፣ ልቦና ምዕባይን ኣርሒቕካ ምጥማትን ከድሊ’ዩ። ከምዚ ምግባር ማላት ሓባራዊ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ምቕዳም ማለት ስለዝኾነ።

መደምደምታ

 

ብኹሉ መለኪዒታት ኣብ’ቲ ውሽጢ 900 ዓመታት ዝነበሩ ፍሩያት ታሪኻዊ ፍጻሜታት ከም ሕጊ ምንጋስን ዴሳዊ ማሕበረሰብ ምምስራትን ዘረድእዎ ክውንነት እንተሃልዩ፡ ምድሪ ባሕሪ ልኡላዊ ግዝኣት ከምዝነበረ ኣጕሊሑ ዘርኢ’ዩ። ልኡላውነቱ፡ መንነቱን ዋንነቱን ዘርጥብ ኣብ 1484 ዓመተ ምህረት ንመጀመርያ ግዜ፡  ኣብ 1650 ዓመተ ምህረት ንካልኣይ ግዜ ዝተመሓየሸ፡ ኣብ 1892 ዓመተ ምህረት ንሳልሳይ ግዜ ዝተመሓየሸ ሕጊ እንዳባ ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሩ ዝተመሓደረ ገስጋሲ ምሕበረሰብ ምንባሩ ኣብ 1941 ዓመተ ምህረት ዝተሓትመ ሕጊ ለጎጭዋ የረድእ። ናቱ መመሓደሪ ሕጊ ዝነበሮ ማሕበረሰብ በየናይ ስነመጎት ልኡላዊ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።  ማህበረሰብ ምድሪ ባሕሪ ምስ ካልኦት ኣህዛብ ዝገብሮም ዝነበረ ናይ ደገ ዝምድናታትን ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ውዕላትን ተወሳኺ መርኣያ ልኡላውነቱ’ዩ። ብፍላይ ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ምስ ካልኦት ኣህዛብን ሓይልታትን ዝገብሮም ዝነበረ ናይ ምክልኻል ውዕላት፡ ብሉጽ ሓድጊ ታሪኽ ኣባሓጎታት ህዝቢ ምድሪ ባሕሪ ስለዝኾነ ብዕምቈት ክጽናዕን ክስነደን ይግባእ።

ብሕማቕ ኣጋጣሚታት ታሪኽ ተኸዊልካ ምድረ ብሕሪ ልኡላዊ ግዝኣት ምንባሩ ክትቅበል ዘይምድላይ ናይ ባህጊ ሕቶ ዝለዝኮነ ዘሰሓሕብ ኣይኮነን። ሓቂ ጎሲኻ ብታሪኽን ብፍልስፍና ማሕበረሰባዊ ኣቃውማን ምድሪ ባሕሪ ልኡላዊ ግዝኣት ኣይነበረን ምባል ማለት ግን ታሪኽ ንግስነት ኣክሱምን ኣቢሲንያን ኣይነበረን ማለት ስለዝኾነ፡ ብልዝብ ንዝነበረ ታሪኽ ከም’ቲዝነበሮ ንኽዝንቶ ዘኽእል ባይታ ንኽጣጣሕ ብጽምዶ ምጽዓት ይምከር።

መዋኸሲ

 

Berkeley, G.F. 1902. The Campaign of Adowa and the Rise of Menelik. California, A Constable press.

Butzer, K. W. 1981. Rise and Fall of Axum, Ethiopia: A Geo-Archaeological Interpretation.  American   Antiquity. Vol. 46, No. 3, pp.471-495.

Carlo, Conti Rossini. 1903. Ripcord di un soggiorno in Eritrea. Asmara, Stampato nella tipografia della mission suedaes.

Caulk, R. 1984. Bad Men of the Borders: Shum and Shefta in Northern Ethiopia in the 19th Century. The International Journal of African Historical Studies. Vol. 17, No. 2, pp. 201–227.

Murno-Hay, S. 1991. Aksum: An African Civilization of Late Antiquity. Edingurgh, Univeristy Press.

Negash, A. 2016. “The Origin and Development of Tigrinya Language Publications (1886 – 1991) Volume One”. University Library. Paper http://scholarcommons.scu.edu/library/131.

ሕጊ ሎጎጭዋ። ኣስመራ፡ ቤት ማሕተም ጵጥሮስ ሲላ፡ 1941።

ማኪያ ኤ. ካቫሌሪ። ሕጊ ሰሓርቲ ካርነሽመን ካሎትን። ኣስመራ፡ ብማሕበር ካቶሊካውያን፡ 1910።

ጥብቆ

መእተዊ፡ Introduction

መደምደምታ፡ Conclusion

መድግም፡ Review

መዋኸሲ፡ Bibliography

ዴስነት፡ Communism

ርእሰማልነት: Capitalism

ቅጥቃጥ፡ coin

ዴስነት፡ Welfare Capitalism

ጥራዝ: Volume

ማሕበርነት፡ Socialism

ገባቲ ርእሰማልነት፡ Neoliberalism

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments