መልሲ ንሕቶታት ኣብ ፌስቡክ፡ “ምድሪ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምድሪ ባሕሪ፡ ኤርትራ”

  

መእምር ቦኽረ ስለዝተዛረቦ ስነመጎት ወይ መርትዖ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ትግርኛ ከም ቋንቋ ክምዕብል ዝጀመረሉ እዋን ዘረድእ ብልክዕ ስተሰነደ መጣቀሲ የለን። ኣብ መወዳእታ 10ይ ክፍለ ዘመን ማዕቢሉ ከምዝነበረ ዝጠቅስ ሰነዳት ግን ኣሎ። ትግራይ ዝብል ስም ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ከም መተካእታ መረብ ምላሽ ንዝብል ስም ንናይ ሎሚ ትግራይ ዝተወሃበ መጸውዒ እዩ። ምስ መበቆል ቁንቋ ትግርኛ ፈጺሙ ዘራኽብ የብሉን። ንተዛረብቲ ትግርኛ ከም ህዝቢ ተጋሩ ኢልካ ክትጽውዖም ጸገም እለን፡ እቲ ህዝቢ ክሳብ ዝተቐበሎ። እንተዘይተቐቢልዎ እዩ እቲ ጸገም ዝመጽእ። ብኣስገዳድ መጸዊዕኻ እዩ ምባል ግን ዝከኣል ኣይመስለንን።

ንኣብነት መእምር ቦኽረ ኣብ ዓለም ብቋንቍኡ ዝጽዋዕ ህዝቢ የለን ዝበሎ እንታይ ክብል ከምዝደለየ ኣይተረድኣንን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ዝበዝሑ ኣህዛብ ብቋንቍኦም ከምዝጽውዑ ኢና ንፈልጥ። ንኣብነት ደኒሽ ደኒሽ ይጽዋዕ፣ ፊኒሽ ፊኒሽ ይጽዋዕ፣ ፖሊሽ ፖሊሽ ይጽዋዕ። ኣስማት ብዙሓት ሃገራት ካብ’ቲ ኣብታ ሃገር ዝዝረብ ቋንቋ ከምዝቦቐለ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብዙሓት ሃገራት ከኣ ኣለዋ ቋንቍአንን ኣስማተንን። ንኣብነት ቻይና ክጥቀስ ይከኣል፡፡ ወግዓዊ ቋንቋ ቻይና ማንዳሪን ይበሃል። መበቆል ስም ሃገርን ቋንቋን በበይኑ እንተኾይኑ፡ ኣህዛብ ብመጸውዒ ሃገሮም ወኡ ክሊ መሬቶም እዮም ዝግለጹ። ካብዚ ልሙድ መግለጺ መንነት ኣሕዛብ ወጻኢ ሓንቲ ወይ ክልተ ሃገራት ብዘይንቡር ከምተወሳኪ እቲ ንቡር መግለጺ ዝግለጻ ኣለዋ። ንኣብነት ኣይስላንድ እንተርኢና ስም ሃገር ኣይስላንድ ክኸውን ከሎ፡ ቋንቍኦም ኣይስላንዲክ ይብልዎ። ህዝቢ ከኣ ብኣይስላንደር ወይ ብኣይስላንዲክ ይግለጽ። ህዝቢ ኣይስላንድ ብኣይስላንደር ምጽውዖም ዘይንቡርነት ክህሉ ከምዝኽእል ዘርእየና እኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት መግለጺ መንነት ዳርጋ ኣብ ኣይስላንድ ጥራይ ዝተከሰተ ክውንነት እዩ። ኣይስላንደር ተወሳኺ መጸውዒዖም ከምዝኾነ ክነስተብህለሉ ይግብኣና።

ስም ሃገር ናይ ግድን ኣይኮነን ካብ ቋንቋ እታ ሃገር ክቦቅል። እንተተድልየ’ውን ካብ ናይ እንዳማትካ ምጥማት ናትካ ምብልሓትን ታሪኽካ ተመሊስካ ምፍታሽን ይምረጽ። ባዕልና ዘይተረኽናዮ ታሪኽ ከም ናትና ጌርና ክንወስዶ ኣይግድን። ኣባሓጎታትና ምስቲ ድሩት ዓቅምታቶም ኣንጻር እዚ ሕጂ ናትና እዩ እንዳበልኩም ክተጉሱሙና ትህቅኑ ዘለኹም መኪቶም እዮም መንነት፣ ርስትን ሕግን ዘጽንሑልና። እዚ ትዛረቡሉ ዘለኹም ጉዳይ ብሕጊ እንዳባ ኣብ ባይቶ ዓዲ ቅሪቡ ከይተዘተየሉ ብኢደዋኒንካ ዝኸውን ኣይኮነን። ከም ባህልን ወግዕን ዘይምኻድ እዩ ኣብ’ዚ ሸንኮለል የእትዩና ዘሎ’ሞ፡ በጃኹም ሕግን ስርዓትን ኣባሓጎታትና’ሞ መጀመርያ ንምለስ፡ ብድሕሪኡ ብስም ኮነ ብመውስቦ ምሙጓት ደፋእ ኢልና ነርክበሉ። ሎሚ ጽልግልግ ምፍጣር ግን ስራሕ ክፋእ ደለቲ እከይ ኢልና ኢና ክንሓልፎ።

——-

ገሊኡ ሕቶታትካ ክንጽረለይ ኣይከኣለን ግን በቲ ዝተረደኣኒ ዓቕመይ ከብርህ ክፍትን።

1. ካብ ኣገላልጻይ ይኽውን ደኣ እምበር ከምኡ ማለተይ ኣይኮንኩን። ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ኣኽሱም ናብ ክልተ ስልዝተገማዐ፡ ብሓደ ከሎ ዝውንኖ ዝነበረ ስልጡን ባህሊ ሒዙ መመንገዱ ከምዝኽደደ ከረድእ እየ ፈቲነ። ስርዓተ ክብርታት ማሕበረሰባት ብውሑዱ ኣብ ክልተ ዓንድታት ክጠቓልል ይኽእል። ሓደ ኣብ እምነትን ወግዕን መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ሕግን ኣቃውማ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሓደ ዝገብሮም ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ማሕበረሰ ዝገብሮም እዩ። ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ሕቶታት ስለዝተላዕለ ሓንቲ ጽሕፍቲ ቀሪባ ኔራ። ሓጻር ቅዳሕ ኣብ ስቱር ሳንዱቅኻ ክልእከልካ እየ።

2. ብወገን ማሕበረሰብ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ኣብታ ዝልእከልካ ጽሕፍቲ ብከፊል ተገሊጹ ስለዘሎ ንግዚኡ ንዕዑ ምንባብ እኹል እመስለኒ። ብወገን ማሕበረሰብ ትግርኛ ናይ ትግራይ ብዙሕ ጥልቕ ኢለ ንስነልቦንኡ ዝምልከት ኣፍልጦ የብለይን። ስነልቦና ሕብረተስብ ክትርዳእ ብውሑዱ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተብ ኣቲኻ ኢኻ ገምጋምካ ክትህብ ዝክኣል።

3. ብዛዕባ ማእከላይ መንግስቲ ምንባሩን ዘይምንባሩን ኣልዒልካ፡ ኣብ ዓለም ዘመናዊ ሃገረ መንግስታት ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ዝዓሰለ ከቑማ ዝጀመራሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን። ገለ ውሑዳት ገዲፍካ ዳርጋ ናይ 150 ዓመታት ዕድመ እዩ ዘለዎ። ቅድሚኡን ገለ እዋናት ድሕሪኡን፡ ሉኣላውነት ብክሊ ትውንኖ መሬትን ግዝኣትን እዩ ዝድረት ኔሩ። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ተዛማዲ ማእከልነት ኔሩ እዩ፡ ዝበዝሕ ግዜ ማእከልነት ዝግለጸሉ ኩነታትን እዋናትን ኔርዎ። ንኣብነት ከቢድ ማሕበረሰባዊ ጸገም ከም ለበዳ ሕማማት፡ ድርቅን ወራርን ክመጽእ ከሎ ብነጋሪት ተማእኪሎም ጉዳዮም የፈጽሙ ኔሮም። ዝነበሩ ብዝሒ ውግኣትን ዝግበሩ ዝነበሩ ዝምድናታት ምስ ናይ ደገ ሓይልታትን ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ማእክልነትን ሉኣላውነትን ከምዝነበሮ ከትርዳእ ዘጸግም ኣይመስለንን።

4. ጉዳይ መሬት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሽሙ ኣብ ከባቢ ከተማታት እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ዝለወጦ ነገር ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣሸጋሪ እዩ። ብዝኣወጆ ኣዋጅ መሬት መሰረት ከትግብሮ ዝሓስቦ ዝነበረ ብዙሕ ጉዳያት ተቓውሞ ይግጥሞ ኔሩ’ዩ። ብዙሓት ደቂ መሬት’ውን ዋጋ ከፊሎም እዮም። እቲ መንግስቲ’ውን ክኸዶ ዝህቅን ዝነበረ ርሕቀት ገዲፉ ከይፈተወ ኣብ ልዝብን ብደቂ ዓዲ ብስም ጤሳ ካልእን መንገዲ እዩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣዋጅ ዝለዘየዋጽኦ። መላኺ ስለዝኾነ ሕይሊ ኣይተጠቀን ልዕሊ ሕጊ ዝኸይድ ኣገባባት ኣይወሰደን ማለት ግን ኣይኮነን። ህዝቢ’ውን ከምዝይተቐበሎ ስለዝፈልጥ ስክፍታትን ስግኣትን ኣይነበሮን ማለት’ውን ኣይኮነን። ከም ኩሎም ንማሕበረስብ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ብሰንኪ ዘቅርዕው ምሕደራ ገጢመሞ ዘለዉ እዋናውያን ብድሆታት ሕቶ መሬት ነባሪ መፍትሒ ዝጽበይ ጉዳይ ሙዃኑ ግን ዘይምርሳዕ። ከምዚ እንዳሃለወ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ መሬት ውሱን ኢድ እዩ ከእቱ ፈቲኑ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ጉዳያት ዝሓማዘቖ ኣብ ጉዳይ መሬት ከምኡ ኣይገበረን፡ ሳዕቤኑ ልዕሊ ማንም ስልዝተረድኣ።

5. ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ኣኽሱም ክልቲኡ ህዝብታት ተፈላልዩ ንኣስታት 1000 ዓመታት በበይኑ እዩ ቀጺሉ ዘሎ። ብዛዕ’ዚ ኣብቲ ዝልእከልካ ጽሑፍ ብሰፊሑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። 1000 ዓመታት ቀሊል እዋን ዝበሃል ኣይመስለንን።

——–

መጀመሪያ ትግራይ መጸውዒ ቦታ እዩ። ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ህዝቢ ዝዛረብዎ ቋንቋ ትግርኛ ስለዝኾነ መጸውዒ ስሞም ከም ዓለሞም ትግርኛ እዩ ክኸውን ዝግብኦ። ትግራዎት ወይ ተጋሩ ዝብል መግለጺ መንነት ካብ ትግራይ ዝብል መጸውዒ ቦታ ዝወጸ ስለዝኾነ፡ ብመጸውዒ ቦታ ምጽዋዕ እንተመሪጾም ናብኦም ዝግደፍ ጉዳይ እዩ። ህዝቢ ትግሪግኛ ናይ ኤርትራ ብመጸውዒ ትግራይ ዝብሃል ቦታ፡ ትግራዎት ወይ ተጋሩ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣለዎ ዝብል ስነመጎት ናብ ባይቶ ዓዲ ዝግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ እዋኑ ዋናታቱ ምስመጹ ይዛተይሉ።

ስርዓተ ክብርታት ንዝምልከት፡ ከምቲ ዝበልካዮ ክልቲኡ ህዝብታት ትግርኛ ባህልታቱ ሓደ ዓይነት እዩ፡ ምክንያቱ ክልቲኦም ካብ ንግስነት ኣኽሱም ዝወርስዎ ውርሻ ስለዝኾነ። ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ኣኽሱም ክልቲኡ ህዝብታት ትግርኛ ተፈላልዩ እዩ። ክልተ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ከኣ ኣቊሙ። ከምቲ ዝበልካዮ ምስ እምነትን ወግዕን ዝተኣሳሰር ስርዓተ ክብርታቶም ሓደ እዩ። ምስ ሕጊን ማሕበረሰባዊ ኣቃውማ ዝተኣሳሰር ስርዓተ ክብርታቶም ግን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ነዚ ዝምልከት ሓጺር ኣብ ስነፍልጠትን ስነመጎትን ዝተመርኮሰ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ስለዘሎ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን። ቅዳሕ እንተድሊኻ ሓብረኒ ክሰደልካ። ትግራይ ክሳብ 1974 ዓ.ም ምምጻእ ደርጊ ምስፍናዊ (feudalist) ማሕበረሰብ እዩ ኔሩ፡ ብኣንጻሩ ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ዴሳዊ (welfare capitalist) ኔሩን ኣሎን።

ውግኣት ጉንደት1875፣ ጉራዕ1876፣ ኣስመራ 1878፣ ቦጎስ 1885፣ ሰሃቲት 1886፣ ዶጎሊን 1887 ዓድዋን 1896፡ ከምቲ ብኢትዮጵያውያንን ተሓባበርቶም መዕራባውያንን ዝብልዎ ዘይኮነ፡ እቲ ሓቂ ውግእ ኣባሓጎታት ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ኣንጻር መጽፍንነት ትግራዎት ዝመርሕዎ ኣቢሲናውያን እዩ ኔሩ። እንተዘይከውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባሓጎታትና መሬቶም፣ መንነቶምን ስርዓተ ክብርታቶምን ንባዕዳውያን የሕሊፎም ክህቡ ስለዝደልዩ ኢሉ ዝሙጉት እንተሎ፡ ጓል መገዲ ዘረባ ከይወሰኸ ስነመጎት ጥራይ ምቕራብ እኹል እዩ። ኣባሓጎታትና ምስቲ ኩሉ ዝገጠሞም ተጻብኦታት ምስ ዝሕሾም መሪጾም፡ ተወዓዒሎምን መኪቶምን ዘይተጀለሐ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ መረበትን መንነትን ኣጽኒሖምን ኣቐጺሎምን ስለዝሓለፉ፡ ምእንቲ ክብሮም እታ ዘጽንሑልና እንተ ክኢልና ኣማዕቢልና እንተዘይከኣልና ከምታዘላታ ንውሉድና ክነሕልፋ ዓቅሚ ኣይኽልኣና።

——-

ትግራይ ዝብል ስም መበቆሉ ጸጽየ ዘይፈልጥክዎ ከም ኣርእሲቲ ኣልዒለ ተዛሪበሉ ኣይፈልጥን እየ።

ምሳኻ ዝተዛረብናዮ ንሕና ትግርኛ ስለንዛረብ ተጋሩ ኢና ንበሃል ምስበላካ። ጉጉይ ኣበሃህላ እዩ ኢለ መጒተካ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ኣህዛብ ብቋንቍኦም ወይ ብመጸውዒ ሃገሮም/ግዛቶም ስለዝጽውዑ። ስም ሃገሮምን ስም ቋንቍኦምን መበቆሉ ሓደ እንተኮይኑ ኣህዛብ ብስም ቋንቍኦም ጥራይ እዮም ክጽውዑ ዝኽእሉ። ንኣብነት ጀርመናውያን ቋንቍኦም ጀርመን ይበሃል፡ ህዝቢ ጀርመን ከኣ ተባሂሎም ይጽውዑ፣ ኮርያውያን ቋንቍኦም ኮርያ፡ ህዝቢ ኮርያ ተባሂሎም ይጽውዑ ወዘተ ክጥቀስ ይከኣል።

ስም ሃገሮምን ስም ቋንቍኦምን ብናይ ታሪኽ ክውንነት በበይኑ እንተኮኑ ኣህዛብ ብእኩብ ብመጸውዒ ሃገሮም ይጽውዑ። ንኣብነት ህዝቢ ቻይና ቻይናውያን፡ ህዝቢ ህንዲ ህንዳውያን ክበሃሉ ከለው፡ ናይ እዘን ክልተ ሃገራት ዓብላሊ ወይ ዕላዊ ቋንቋታት ግን ብቅድም ድሕር ማንዳሪንን ሂንዱን’ዩ ዝበሃል። ስለዚ ኣህዛብ ብመጸውዒ ሃገሮም ወይ ብመጸውዒ ቋንቍኦም ጥራይ እዮም ክጽውዑ ዝኽእሉ።

ትግራይ ከም መጸውዒ ቦታ ወይ ሃገር መጸውዒ ህዝቢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተጋሩ ተባሂሎም ክጽውዑ ንቡር ኣጸዋውዓ እዩ። ሕዝቢ ትግራይ ብስም ዓዶም ክጽውዑ ዝለዝመረጹ ኣብ ዓለም ተጋሩ ተባሂሎም ይፍለጡ።

ህዝቢ ትግራይ ብቋንቍኦም ክጽውዑ እንተመሪጾም ግን ህዝቢ ትግርኛ ተባሂሎም ጥራይ እዮም ክጽውዑ ዝኽእሉ።

ትግርኛ መጸውዒ ስም ቋንቋ ትግርኛ ስለዝኾነ፡ ተዛርብቲ ቋንቋ ትግርኛ ህዝቢ ትግርኛ ጥራይ እዮም ተባሂሎም ክጽውዑ ዝግብኦም። ብናይ ታሪኽ ክውንነት መበቆል መጸውዒ ስም ሃገራት ተዛርብቲ ትግርኛ ምስ ቋንቛ ትግርኛ ሓደ ስለዘይኮነ፡ ብመጸውዒ ሃገሮም ክጽውዑ ናይ ግድን ኮይኑ።

ሕቶይ ዝነበረ

ትግራይ ዝብል መጸውዒ ስም መበቆሉ ካበይ ሙዃኑ ዝገልጽ ጽሑፍ ሓቲትካ ክትሕብረኒ እንተክኢልካ ደስ ምበለኒ እዩ ኔሩ። ሕጂ’ውን እንተክኢልካ ደስ ይብለኒ።

ንሕጊ እንዳባ ዝምልከት

ደጅኣዝማች ሰባጋዲስ ወልዱ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ገዛኢ ስለዝኾነ፡ ብጌጋ 17 ክፍለ ዘመን ኢልካ ጠቂስካዮ ስለዘለኻ ደጊምካ ርኣዮ።

ሕጊ እንዳባ ኣብ ናይ ሎሚ ትግራይ ኔሩ እዩ ንዝብል ሙጉትካ ዘቕረብካዮ መካትዒ ነጥብታት ዘዕግብ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ናይ ብሓቂ እንተኔሩ ዝያዳ ድልድል ዝበለ መርትዖ እንተዝቐርብ ርድኢተይ ከመዓራሪ ሓጋዚ ምኾነ። ብወገነይ ነዚ ዝበልካዮ ኣብ መጽናዕቲ ዘድህቡ ሰባት ኣብ ዓዲ ግራትን መቐለን ተወኪሰ ስለዘለኹ ቀስ ኢልና ክነርክበሉ ኢና።

ብወገንካ ሓገዝቲ ትብሎም ጽሑፋት እንተሃልዮም እንተትሕብረኒ ጽቡቕ ኔሩ።

——–

ሚዐ መሓዛ ድሒሩ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ ስለዝኾነ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። በየን በየን ኣብኡ ከምዝበጽሐ’ውን ኣሟጓቲ እዩ። እታ ቀንዲ ምዒም መሓዛ ኣብ ቤት መቕደስ እንድማርያም ኣላ ኔራ ዝብል ዛንታ ጭብጢ ኣይቀረበን። እንትሎ ንገረና። ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ብኢድ ዝተጻሓፈ ሕጊ እንዳባ ሕዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ኣብ ናይ ፍራንስን ጣልያንን ቤተ መዘክራት ተሰኒዱ ኣሎ። ሕጊ እንዳባ ኣብ ጽሑፍ ከይሰፈረ ንኽንደይ ግዜ ዝኣክል እቲ ሕብረተስብ ተጠቂሙሉ ፍሉጥ እኳ እንተዘይኮነ ሓጺር ግዜ ከምዝይኮነ ምግማት ዘጸግም ኣይመስለንን። ሕጊ እንዳባ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሕትመት ዝኣተወ ሕጊ ለጎ ጭዋ ኮይኑ ኣብ 1935 እዩ። እዚ ሕጊ መጀመያ ብኢድ ኣብ 1484 ተጻሒፉ፡ ካልኣይ ግዜ ኣብ 1650 ተሓዲሱ፡ ኣብ 1892 ከኣ ንሳልሳይ ግዜ ተሓዲሱ። ከባቢ ዓጋመ ኣብ መስመር መግማዕቲ ንግስነት ኣኽሱም ስለዝነበረን ብኽልቲኡ ወገን ክጽለው ስለዝጸንሐን ፍልይ ዝበለ ውዱዕ መጽናዕቲ ከድልዮ እዩ። ግዜ ምስ ተመሓየሸ ታሪኹ ኣጸቢቑ ክፍተሽ ዝግብኦ ከባቢ ምዃኑ ኣብ ጽሑፋተይ ደጋጊም ዝገልጾ እዩ።

ወልደሚካኤል ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ከምቲ ዝበልኩኻ ኣንጻር ሃጸያት ኢትዮጵያን ትግራይን እዩ ዝዋጋእ ኔሩ። ኩሉ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ውግኣት ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣንጻር ሃጸያት ኢትዮጵያን ትግራይን እዩ ኔሩ። ብዛዕባ ጭካነ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉንባሕ ዛግራ በላ እዩ ነገሩ። ከምይ ኢልካ ግምጥል ኢልካ ወልደሚካኤል ኣብ ውግእ ዓድዋ ምስ ትግራዎት ኮይኑ ተውጊኡ ክትብል ጸኒሕካ ብዛዕባ ምኽንያት መሐየሪኡ ክተጸባብቕ ዝፈተንካ። ኣሻብካ ኣንቢብካ ኢለ’እየ። ተወሳኺ ምስካል እሰብ ኣደናጊርካኒ ከይትህሉ።

ወልደሚካኤል ተሓይሩ ተፈቲሑ፡ ታሪኽ ስለዝኾነ ነናትና ኣለና። ኣብ ኤርትራ ኣብ ማሕዩር ከምዝሞቱ እዩ ዝፍለጥ፡ ቤትሰቦም’ውን ዘረጋግጽዎ’ዩ። እዚ ብዙሕ ዘዛርበና ኣይኮነን።

ንስኻ ተንብቦን ንስኻ ትፈልጦን ጥራይ ከም ሓቂ ወሲድካ ሓሳዊ ዘብል ኣይኮነን። ፍጽም ዝበሃል ስለዘየለ ብስልጡን መንገዲ ክትእርመኒ ክትሙጉተኒ ትኽእል እንዳሀለኻ፡ እንታይ ኣለካ ሕማቕ ዘዛርብ። ስልጡን ባህሊ ምውናን ከመይ ድዩ ኮይኑ።

——

ብኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኣድኪሙና እዩ። ሕጊ እንዳባ እንተኔርዎም ይመሓደሩሉ ከምዝነበሩን ይመሓደሩሉ ከምዘለዉን ጭቡጥን ውድዓውን መጣቐሲ እንተሎ ንገረኒ ኣንቢበ መረዳእይታይ ክልውጥ። ናትካ ስነመጎታዊ ክርክር ወይ ፍሉጥ ነተሓሳስባኻ ከተተዓራሪ ዝደረኸካ ጽሑፋት እንተሎ ንገርኒ ኣነ’ውን ከማኻ ኣንቢበ ክተዓራረ። ካልኦት’ውን ከማይ ንነገራት ብኣዎንታ ምርኣይዎ መስለኒ። ንህዝብና’ውን ኣብ ጭቡጥን ክዉንን ነገራት ተመርኲስና ክነረድእን ዝንበቡ ጽሑፋት ክንሕብርን። ወልደሚካኤል ሰለሙን ድሕሪ ዓወት ውግእ ኣስመራ ኣብ 1879 ብምትላል ራእሲ ኣሉላ እንግዳ ንኽዝቲ ምስከደ ተሓይሩ እዩ ኔሩ ክሳብ ዕለተ ሞቱ 1906። ኣብርሃ ካሳ ትብሎ ዘልኻ ስለዘይፈለጥክዎ መዓልቲ ንቐይረሉ። ከየባዛሕካ ኣስማትን ብዝሕን ዝተወክስካዮ ጽሑፍ እንተትዛረብ ሓጋዚ ምኾነ።

——

ጓል መንገዲ ንግደፍ። ኣብ ስነመጎት ጥራይ ነተኩር። መንነተይ ክትፈልጥ እንተደሊኻ ጸገም የለን መረጋገጺ እንታይ ከምትደሊ ንገረኒ ከቕርበልካ። ብደገን ብውሽጥን ኣብ ጸገም ዝወደቐ ሕዝቢ ንምድሓን ተኸራኺርና መንገድና እንተኣቕናዕና ይምረጽ መስለኒ።

ኩሎም ዝጠቀስካዮም ውግኣት ከም’ቲ ዝበልካዮ ዳርጋ ኩሎም ባሉላ ዝተመርሑ እዮም፡ ብጀካ ውግእ ኣስመራ። ኣባሓጎታትና ኣብ ውግእ ጉንደትን ጉራዕን ኣብ ጎኒ ኣሉላ ኮይኖም ኣንጻር ግብጻውያን ተዋጊኦም ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ከኣ ኣብ ውግእ ኣስመራ ኣንጻር ትግራዎት ዝመርሕዋ መስፍናዊት ኣቢሲንያ ተዋጊኦም ማለትካ እንተኾይኑ ስለዘዕበየና በዚ ታሪኽ’ዚ እዝንና ጸሚሙ እዩ። ኣባሓጎታትናስ ኣብድታት ተረኪቦም ካብ ውግእ ናብ ውግእ ጸግዒ ክቕይሩ፡ በይናይ ስነመጎት። ዋላ ኽቅይሩ እንተደለዩ መን ክኣምኖም። ዘይቕየር ዕላማ ጥራይ እዩ ኣብ ውግእ ጎኒ ንጎኒ ከሰልፈካ ዝክእል።

ተረኽቲ ኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን ዝብልዎ እንዲኻ ትደግም ዘለኻ፡ ከም’ቲ ዝብልዎ እንተድኣ ኮይኑ ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ኣብ ውግኣት ሰሓጢት፡ ዶጎሊን ዓድዋን ኣንጻር ጣልያን ኣብ ጎኒ ሃጸያት ትግራይን ኢትዮጵያን ኒሩ’ዩ እቲ ዘረባ። ከምኡ እንተኔሩ ስለምታይ ጣልያን ዝበዝሑ ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ኣሰሊፉ ክዋጋእ መሪጹ። ከመይ ኢሉኸ ኣመኖም። ኣብ’ቲ ደማዊ ውግኣት ብዓወት ኣፍደገ ዓድዋ ኣይበጽሑን ድዩም። ልዕሊ 1500 ምሩኻት ኣባሓጎታትና ብሃጸያት ኢትዮጵያን ትግራዎትን ብዘስካሕክሕ ኩነታት ሓደ ኢዶምን ሓደ እግሮምን ኣሰኣኑን ድዮም። ኣባሓጎታትና ዘጽንሑልና መንነትን መረበትን መቸም ብኣጋጣሚ እዩ ኢልካ ኣይትሓስብን ትኸውን። ጥልያን ስለምታይ እዩ ንሱሳ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኤርትራ ተቐሚጡ ካልእ ይትረፍ ከባኣቢ ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት ከማን ሕልፍ ኢሉ ዝቐይሮ መንነት ወይ ስገበቶ መሬት ዘየለ። ከምታ ውዕሉ ኣብ ውሱናት ቦታታትን ባዕሉ ዝቖጥቖጦ ከባቢታትን ተደሪቱ ምስ ኣባሓጎታትና ተኸባቢሩ ዝነበረ። ውዕል ኣበይ ኣሎ ከይትብለኒ፡ መጽሓፍን መዘክርን ኮንቲ ሮስሲኒ ኣንብበን። ብጉርሑ መታን ከይመሃሩ። ኣባሓጎታትና ኣብ እዋኑ ንናብርኦም እኹል ፍልጠት ኔርዎም ኢለ እየ ዝኣምን።

——

መንነተይ ትግራዋይ እዩ በል፡ ኣይትለክመኒ። ናይ ምርጫ ሕቶ ስለዝኾነ። ሙሉእ ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ትግራዋይ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ቦታ የብሉን። ህዝቢ ክመርጽ ዕድል ከይተወሃቦ ዝኸውን ነገር ስለዘየለ።

ህዝቢ ትግራይ ንኣስታት 900 ሚእቲ ዓመታት ብፍታዉ መስፍናዊ ኮንይኑ እዩ ቀጺሉ። ታሪኽ ምልስ ኢልካ ምፍታሽ ሓጋዚ እዩ። ኣብ ድሌታትካ ተሞርኪስካ ብምጽብባቕ ዝቕየር ታሪኽ ዘሎ ኣይመስለንን። ህዝቢ ትግራይ ብፍታዉ መስፍናዊ ከምዘይነበረ ዘፍእም ጽሑፍ እንተሎ ሓብረኒ ኣንቢበ ርድኢተይ ከተዓራሪ።

ብዛዕባ ትርጉም ዴስነት ንነዊሕ እዋን ስለዘሰልከየኒ ተደናጊረ ኣይኮንኩን። socialism ብፍልመ ማሕበርነት ይግለጽ፡ Communism ብማሕበርነት። ኣብ ሜዳ ፍልመ ዴስነትን ዴስነትን ተባሂሉ ይግለጽ ከምዝነበረ ኣይሰሓትክዎን። ንሱ ተኣሪሙ welfare capitalism ብዴስነት፡ capitalism ርእሰማልነት neoliberalism ገባቲ ርእሰማልነት ይግለጹ ስለዘለዉ።

ህዝቢ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ብዴስነት ክመሓደር ከምዝጸንሐን ዘሎን መቸም ንሰማማዕ እመስለኒ። ዴስነት ቃል ብቃላ ኣብ ሕጊ እንዳባ ሰፊራ ስለዘላ።

መሬት ኣብ ንፍሲ ወከፍ 7 ዓመት ተደይሱ ንደቂ ዓዲ ብዋረዳ ይዕደል። 
ደቂ ዓዲ ጤሳ ንመንበሪ ቤት ይዕደሉ ብወፈራ ከኣ ይስራሓሎም። 
ኩሉ ወዲ ዓዲ ሓሪሱ ምሒሱ ውልቃዊ ሃብቲ ወይ ርእሰማል ከኻዕብት ከልካሊ የብሉን። ከማን ሃብሮም ተባሂሉ ይተባባዕን ይሙጎስን። ዝያዳ ሰቡ ንዓዲ የበርከት። ዝያዳ ዘእተወ ዝያዳ ክገብር ስለዝጥለብ። 
ኣረገውትን ጽጉማትን ብዓድን መቕርብን ይጥወሩ። 
ሕግን ስርዓትን ተማእዚዙ ይነባበር።

——–

ኣብ ስልጣኔ ሃጸይነት ኣገው ናይ ሎሚ ተጋሩ ዝዓበየ እጃም እዩ’ኮ ኔርዎም። ብሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ንሽሙ እዩ ኣገው ዝጽዋዕ፡ እምበር ዋናታቱ ናይ ሎሚ ተጋሩ እዮም ክኾኑ ዝግብኦም። ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጥታት ማእለያ የብሉን። ዛጊት ዋና ኣይረኸበን።

ሎሚ ኢትዮጵያ ትፈድዮም ዘላ ርኣዮ፡ እሞኸኣ ገና ሰራሕቱ ብሂወቶም ከለዉ። ካብ ናብ ኤርትራ ምቁማት፡ ንዝጸዓሩሉን ዝሰሑሉን ምቍማት መምሓረሎም ንሕናውን ከምቀደምና ምደገፍናዮም። እዚ ሎሚ ንኢትዮጵያ መዛረብን ኣብነትን ጌርዋ ዘሎ ቅልጡፍ ናይ ልምዓት ብራኸ ከም’ዚ ንርእዮ ዘለና ሰራሕቱ ብኣዎንታ ክጽውዑሉ ኣይስምዓን።

ከምዚ ሎሚ ዝሓልምዎ ዘለዉ እንተኔሩ ባህጎም፡ ንምንታይ ኩሉ ዓቅሞም ሕልሞም ኣብ ምግሃድ ዘየህለኽዎ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ሒዝካ ኤርትራ ምድቋስ ስርሐይ ኢሎም ተታሓሒዞሞ ከምዘይነበሩ፡ ምልስ ኢሎም ካልእ ገጽ ከርእዩና ከለዉ ዘየሰክፍ ኣይኮነን።

ድሕሪ ምውዳቕ ንግስነት ኣክሱም’ውን ልክዕ ክምዚኣ እያ ኔራ። ኣባሓጎታትና ዝወሰድዎ ውሳኔ ኣዝዩ ክድነቕ ዝግብኦ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ምግማዕ ንግስነት ኣኽሱም፡ ናይ ሎሚ ትግራዎት ደቡብ ጠሚቶም ላሊበላን ስልጣኔ ኣገውን ዶኪኖም። ብሽሞም ዘይጽዋዕ ስልጣኔ። ከም’ቲ ታሪኽ ባዕሉ ይደግም ዝብሃል፡ ታሪኾም ክደጋገም፡ ህዝቢ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብሰንኮም ክገማዳሕ መወዳእታ ተሳኢንዎ። ሓቂ መራር እያ ግን ክንቅበላን ክንመሃረላን ጥራይ እዩ ዘለና። ኣነ ኣባሓጎታትና ዝገብርዎ ዝነበሩ ክንገብር ዘይምኽኣልና ነብሰይ ይነቅፍ።

——–

ካብ ቀንዲ መበቆላዊ መረበቶምን ሕብረተስቦምን ርሒቖም ኣብ ዘይዓዶም ሰፊሮም ደኣ እዚ’ኳ ንሶም ኮይኖም። እንዳበዝሑ እንተከይዶም ምናልባሽ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና መንነቶም ብተዛማዲ ኣካቲቶም ዘየጥፍኡሉ ሃዋህው ክፍጠር ይከኣል ይኸውን። እዚ ማለት ግን ዝነብሩሉ ከባቢታት ብስደት ስለዝኸድዎ ብመበቆልን ብመንነትን ዝብጽሖም ኣይኮነን። ምስ ምንዋሕ ግዜ ከምቲ ዝበልካዮ ብመውስቦ ተደባሊቖም ካብዚ ዶ ካብቲ ዝመጻእና ኢና እንዳበሉ ዝሮምሮ ኣቲዎም እንዳማቶም መንነትን መረበትን ዋናታት ኢና ክብሉ ዘይጅምሩሉ ኣብነት ኣይክህሉን እዩ።

እቶም ቀንዲ ዋናታት ከኣ እንዳ ኣርመሞም ብሰብኣውነት ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ንታርኻዊ ክውንነት ክቕበሉ ይግደዱ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ ። እዚ ማለት ግን እቶም መበቆላውያን ዋናታት ከምሕብረተስብ ዘቐጽሎም ስቱር ትካላዊ መቆጻጸሪ ኣይገብሩን እዮም ማለት ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት መቆጻጸሪ ኣብ ታሪኽ ዓለና ዝተሰርሓሉን ዝስርሓሉ ዘሎን ቅቡል ኣገባብ እዩ። ኣብ ስልጡን ማሕበረሰብ ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ተጻዋርነት መበቆልውያን ማሕበረሰባት ደረት ኣልቦ ስለዝኾነ። ብኣንጻሩ ኣብ ድሑራት ማሕበረሰባት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ረጽምን ዓሌት ምጽናትን ዘምርሕሉ ሃዋህው ዘይፈጥር ኣይኮነን።

———

ካብ ቀንዲ መበቆላዊ መረበቶምን ሕብረተስቦምን ርሒቖም ኣብ ዘይዓዶም ሰፊሮም ደኣ እዚ’ኳ ንሶም ኮይኖም። እንዳበዝሑ እንተከይዶም ምናልባሽ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና መንነቶም ብተዛማዲ ኣካቲቶም ዘየጥፍኡሉ ሃዋህው ክፍጠር ይከኣል ይኸውን። እዚ ማለት ግን ዝነብሩሉ ከባቢታት ብስደት ስለዝኸድዎ ብመበቆልን ብመንነትን ዝብጽሖም ኣይኮነን። ምስ ምንዋሕ ግዜ ከምቲ ዝበልካዮ ብመውስቦ ተደባሊቖም ካብዚ ዶ ካብቲ ዝመጻእና ኢና እንዳበሉ ዝሮምሮ ኣቲዎም እንዳማቶም መንነትን መረበትን ዋናታት ኢና ክብሉ ዘይጅምሩሉ ኣብነት ኣይክህሉን እዩ።

እቶም ቀንዲ ዋናታት ከኣ እንዳ ኣርመሞም ብሰብኣውነት ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ንታርኻዊ ክውንነት ክቕበሉ ይግደዱ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ ። እዚ ማለት ግን እቶም መበቆላውያን ዋናታት ከምሕብረተስብ ዘቐጽሎም ስቱር ትካላዊ መቆጻጸሪ ኣይገብሩን እዮም ማለት ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት መቆጻጸሪ ኣብ ታሪኽ ዓለና ዝተሰርሓሉን ዝስርሓሉ ዘሎን ቅቡል ኣገባብ እዩ። ኣብ ስልጡን ማሕበረሰብ ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ተጻዋርነት መበቆልውያን ማሕበረሰባት ደረት ኣልቦ ስለዝኾነ። ብኣንጻሩ ኣብ ድሑራት ማሕበረሰባት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ረጽምን ዓሌት ምጽናትን ዘምርሕሉ ሃዋህው ዘይፈጥር ኣይኮነን።

——–

ኣብ ምድረ ባሕሪ ናይ ሎሚ ኤርትራ መስፍን ከምገዛኢ እምበር፡ ከም ቆጽሊ ዝተነበረሉ ሹም ተሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ። መስፍን ኣብ መስፍናዊ ማሕበረሰብ ጥራይ’ዩ ታሪኽ ክህልዎ ዝኽእል። ዝበዝሕ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዴሳዊ ማሕበረሰብ ስለዝነበረን ዘሎን ቆጽሊ ዘይተነበረሉ ሹም ኔርዎ ኣይፈልጥን እዩ። ከም’ቲ ትፈልጦ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ደጅኣዝማች ሱባጋዲስ ወልዱ ቅድሚ ምውላዶም ንልዕሊ 400 ዓመታት ብሕጊ ዝመሓደር ዝነበረ ማሕበረሰብ’ዩ ኔሩ። ብሕጊ ዝመሓደርን ክሊ መሬታዊ ግዝኣቱ ንዝፈልጥን ማሕበረስብ፡ ዘይነበረ ታሪኽ እንዳፈጠርካ ሓንሳብ ምስ ኣቢሲንያ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ፣ ሓንሳብ ምስ መረብ ምላሽ ናይ ሎሚ ትግራይ ውሁድ ማሕበረሰብ ከምዝነበረ ከእምኑን ከርዕሙን ዘይፈተኑ ኢትዮጵያውያንን ተጋሩን ጸሓፍትን ሓሰብትን ማእለያ የብሎምን። ተጋሩን ኣቢሲናውያንን ንልዕሊ 200 ዓመታት ካብ ናይ ሓሶት ትረኻ ሓሊፎም ብተደጋጋሚ ብበትሪ ፈቲኖም ክሰልጦም ኣይከኣለን። ኣብ ምዕቡል ዘመን ከይተረፈ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ዝተገደደ ህዝቢ ኤርትራ’ኮ ሓድሽ ታሪኽ ክፈጥር ኢሉ ኣይኮነን።

ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ መዋጥር ክኣቱ ከሎ ብየማንን ብጸጋምን ዝመጽእ ናይ ፈጠራ ታሪኽ ሓድሽ ስማዕ ኣይኮነን። እዚ ኣብ 1830ታት ኔሩ ዝበሃል ዘሎ ታሪኽ ትግራይ ትግሪኚ፡ ኣብ 1940ታት’ኮ ተደጊሙ እዩ። ናይ ፈጠራ ታሪኽ ስለዝነበረ ሃጢሙ ተሪፉ። ትግራይ ትግሪኚ ዘጋውሑ ዝነበሩ ኢዶምን እግሮምን ከምዝእርንቡ ዘይተገበረ ኣይኮነን። ትማሊ ኣባሓጎታትና ድሑራት እዮም እንዳተባህሉ ኣብ ዝግለጹሉ ዝነበሩ እዋናት ዘይሰርሐ ናይ ፈጠራ ታሪኽ፡ ሎሚ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ካን ከምዘይንሓስብ ኣብድታት ተቆጺርና፡ እዚ እዩ ታሪኽ ኣባሓጎታትኩም ተባሂሉ ክንገረና ኣዝዩ ዝገርም እዩ።

ሎሚ ኩሉ ኣብ ቃልዕ ስለዝወጸ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ጸላውን ተሰማዕን ክኸውን ብውሕዱ በብኡን በዲኡን ኣብ ኤርትራ 7 ወለዶ ዝቖጽር ሙዃኑ ብወግዓውያን ህዝባውያን ትካላት ክረጋገጽ ግድን ዝገብር ኣገባብ ኣብ መስርሕ ምትእትታው ስለዘሎ፡ ብዓቕሊ ምጽባይ። ኣብ ኤርትራ 7 ወለዶ ዘይቆጽር ኢዱ እንተ ኣከበ ጽቡቕ፡ ኣይፋለይ እንተበለ ከምዝእክብ ምግባሩ ግድን እንዳኾነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ኮለል ምንባር ይኣኽለና። ትግራዋይ ምዃን ዝመርጽ ሓውና መሪቕና ነፋንዎ፡ ግድን ምሳይ ትኸዱ ግን ኣይግድን።

ሕቶታት
1. መሬታዊ ክሊ ግዝኣት ትግራይ ትግሪኚ ካበይ ናበይ ይዝርጋሕ ኔሩ እዩ ዝብሃል፧ 
2. ትግራይ ትግሪኚ ዝብል መጸውዒ ስም ኣበየናይ እዋን’ዩ ኔሩ፧
3. ንሓደ መሬታዊ ክሊ ግዝኣት ኣስማት ኣይበዝሐን፡ መረብ ምላሽ፣ ትግራይ ትግሪኚ፣ ትግራይ፧ ምኽኑይ ድዩ፧

——

ወልደሚካኤል ሰለሙን መስፍን ከምዘይነበረ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪበሉ ስለዝኾንኩ ክሰግሮ እየ። መስፍን ማለት ብትግርኛ ናይ ኤርትራ ጊላ ወኒኑ ኣብ መሬቱ ዘገብር ማለት እዩ። ቀንዲ መዐቀኒ ሃብቲ ብፍላይ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ መሬት ዶ ኣይኮነን ኔሩ። መሳፍንቲ ተጋሩ ናይ ዓዲ ሙሉእ መሬት ይውንኑ ስለዝነበሩ እኮ እዮም መስፍናውያን ተባሂሎም ዝግለጹ። ኤርትራ ክብል ከለኹ ምድረ ባሕሪ ዝነበረት ማለተይ እዩ።

ወልደሚካኤል ሰለሙን ራእሲ ባርያኡ ወኪል ንጉሰ ነግስተ ዮውሃንስ 4ይ ኣብ ምድረ ባሕሪ ኣብ ውግእ ኣስመራ ቀቲሉ ከም መግለጺ ጅግንነቱ ዝወሰዶ ሓውሲ ማዕርግ እዩ። ራእሲ፡ ቀኝ ኣዝማች ግራ ኣዝማች ካሎትን መጸውዒ ማዕርጋት ኣብ ምድረ ባሕሪ ንቡር ኣይኮነን። ድሓር ከኣ ብጀካ ራስ ናብ ራእሲ ዝተተርጎመት ገዲፍካ ኩሉ ናይ ኣምሓሩ ኣስማት መጸውዒ ማዕርጋት እዩ።

ከም ልምዲ ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዝቐተለ’ውን ሓውሲ መጸውዒ ማዕርግ ይወሃብ ኔሩ እኮ እዩ። ንኣብነት ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዘይቀተለ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ፋረ ተኸዲኑ ክድብል ንቡር ኣይነበርን።

ንወልደሚካኤል ሰለሙን ራእሲ ዝብል ማዕርግ ንጉሰ ነግስተ ዮውሃንስ 4ይ ከምዝሃቦ ተጋሩ ብሽፍንፍን ክገልጹ ከምዝፍትኑ ሃይክለሚካኤል ሃይለስላሴ፡ ሊንጎ ብዛዕባ ወልደሚካኤል ሰለሙን ኣብ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ኣሎ። ናይ ተጋሩ ትረኻ ብዛዕባ ወልደሚካኤል ሰለሙን ግጉይ እዩ። ቤተስብ ወደሚካኤል ሰለሙን እኮ ገና ኣብ 3ይ ወለዶ እዮም ዘለው።

መጀመርያ መረብ ምላሽ መጸውዒ ስም ናይ ሎሚ ትግራይ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ኣስፊሐ ጽሒፈ ስለዝነበርኩ ክሰግሮ እየ። ንኽተረጋግጽ መጽሓፍ መምህር ገብረኪዳን ኣንብባ። መረብ ምላሽ እኮ ናይ ኣምሓርኛ ቃል እዩ። ተጋሩን ኣቢስናውያን ደረት መሬታዊ ግዝኣቶም ዝገልጽሉ መጸውዒ ስም እዩ።

መረብ ምላሽ ዝብል መጸውዒ ካብ ከባቢ 12 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ከምዝነበረ መረዳእታ ኣሎ። ካብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ መረብ ምላሽ ብትግራይ ዝብል መጸውዒ ስም ከምዝተተኽአ’ውን መረዳእታ ኣሎ። መረብ ምላሽ ገላጺ መጸውዒ ስም ስለዝኾነ፡ መሬታዊ ክሊ ግዝኣት መረብ ምላሽ ናይ ሎሚ ትግራይ ካብ መረብ ዝምልስ ስለዝነበረ እዮም ብኸምኡ ዝጽውዕዎ ኔሮም። መጸውዒ ስም መረብ ምላሽ ናብ ትግራይ ዝብል ስለዝተቐየረ መሬታዊ ክሊ ግዝኣት ይቕየር ማለት ኣይኮነን።

ትግራይ ትግሪኚ መዓስ ዝነበረ ስም እዩ፧ ዋላ ብልክዕ ክፍለጥ እንተዘይተኻእለ፡ ሓርፋፍ ገምጋም ግን ክህሉ ኔርዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ዘመን ከይፈለኻ ሓርፋፍ መሬታዊ ክሊ ግዝኣት ክትህብ ዝከኣል ኣይኮነን። ተቀባልነት’ውን የብሉን። ትግራይ ትግሪኚ ዝብል ኣምር ሓድሽ ምህዞ ናይ 1940ታት ከምዝኾነ ተጌሩ ስለዝግለጽ እየ።

ሓማሴን፣ ሰራየን ኣከለጉዛይን ቀንዲ ኣካል ምድረ ባሕሪ ናይ ሎሚ ኤርትራ እየን ኔረንን ዘለዋን። መረብ ምላሽ ኮይነን ኣይፈልጣን እየን። ብኣማሓርኛ መጸውዒ ስም ተጸውዔን ኣይፍልጣን እየን። ይርድኣኒ’ዩ መበገሲኡ፡ መረብ ምላሽ ዝብል መጸውዒ ኮነ ተባሂሉ ክለግብ ተፈቲኑ ዝነበረ ስም ስለዝኾነ።

 

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
1 Comment
ዝጸንሐ
ዝሓደሰ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ
Inline Feedbacks
View all comments
መዋእል
መዋእል
November 2, 2020 11:02 am

ጽቡቅ ስራሕ