“መረብ ምላሽ” ዝብል መጸውዒ ኣምሓርኛዶ ትግርኛ፧

  

ወልደሚካኤል ሰለሙን መስፍን ከምዘይነበረ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪበሉ ስለዝኾንኩ ክሰግሮ እየ። መስፍን ማለት፡ ብትግርኛ ናይ ኤርትራ፡ ጊላ ወኒኑ ኣብ መሬቱ ዘገብር ማለት እዩ። ቀንዲ መዐቀኒ ሃብቲ ብፍላይ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ መሬት እዩ ነይሩ። መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ናይ ዓዲ ሙሉእ መሬት ይውንኑ ስለዝነበሩ እዮም መስፍናውያን ተባሂሎም ዝግለጹ። ኤርትራ ክብል ከለኹ ምድረ ባሕሪ ዝነበረት ማለተይ እዩ።

ወልደሚካኤል ሰለሙን ራእሲ ባርያኡ ወኪል ንጉሰ ነግስተ ዮውሃንስ 4ይ ኣብ ምድረ ባሕሪ ኣብ ውግእ ኣስመራ ቀቲሉ ከም መግለጺ ጅግንነቱ ዝወሰዶ ሓውሲ ማዕርግ እዩ። ራእሲ፡ ቀኝ ኣዝማች ግራ ኣዝማች ካሎትን መጸውዒ ማዕርጋት ኣብ ምድረ ባሕሪ ንቡር ኣይኮነን። ድሓር ከኣ ብጀካ ራስ ናብ ራእሲ ዝተተርጎመት ገዲፍካ ኩሎም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣስማት መጸውዒ ማዕርጋት ብቋንቋ ኣምሓርኛ እዮም።

ከም ልምዲ ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዝቐተለ’ውን ሓውሲ መጸውዒ ማዕርግ ይወሃብ ነይሩ እዩ። ንኣብነት ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዘይቀተለ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ፋረ ተኸዲኑ ክድብል ንቡር ኣይነበርን።

ንወልደሚካኤል ሰለሙን ራእሲ ዝብል ማዕርግ ንጉሰ ነግስተ ዮውሃንስ 4ይ ከምዝሃቦ ተጋሩ ብሽፍንፍን ክገልጹ ከምዝፍትኑ ሃይክለሚካኤል ሃይለስላሴ፡ ሊንጎ ብዛዕባ ወልደሚካኤል ሰለሙን ኣብ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ኣሎ። ናይ ተጋሩ ዛንታ ብዛዕባ ወልደሚካኤል ሰለሙን ግጉይ እዩ። ቤተስብ ወደሚካኤል ሰለሙን እውን እንትዀኑ ገና ኣብ 3ይ ወለዶ እዮም ዘለው።

መጀመርያ መረብ ምላሽ መግለጺ መሬታዊ ትሕዝቶ ግዝኣት ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ’ዚ ኣስፊሐ ጽሒፈ ስለዝነበርኩ ክሰግሮ እየ። መምህር ገብረኪዳን እውን ኣብ መጽሓፎም ብዘይሕብእብእ ገሊጾሞ ኣለዉ። ። መረብ ምላሽ ዝብል ኣምር ብቐንዱ ቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ። መሳፍንቲ ትግራይን ኣቢስናውያን ደረት መሬታዊ ግዝኣቶም ዝገልጽሉ መጸውዒ ስም እዩ ነይሩ።

መረብ ምላሽ ዝብል መጸውዒ ካብ ከባቢ 12 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ከምዝነበረ መረዳእታ ኣሎ። ካብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ መረብ ምላሽ መሬታዊ ግዝኣት ብኢትዮጵያ ዝብል መጸውዒ ስም ከምዝተተኽአ’ውን ብተዘዋዋሪ ዝተጠቐሱ መረዳእታታት ኣለው። መረብ ምላሽ ገላጺ መጸውዒ ስም ስለዝኾነ፡ መሬታዊ ክሊ ግዝኣት መረብ ምላሽ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ካብ መረብ ዝምልስ ስለዝነበረ እዮም ብኸምኡ ዝጽውዕዎ ነይሮም። መሬታዊ ግዝኣት መረብ ምላሽ ናብ ኢትዮጵያ ዝብል መጸውዒ ምቕያሩ ብዘይንጹር ኣገባባት ክግለጹ ጸኒሖም እዮም። ኣስማት እንዳኣጥበቕካ መሬታዊ ክሊ ግዝኣት ክትቅይር ምድላይ ቅቡል ኣይኰነን። ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ጸገም ዘእቱ ባብ ጥራይ እዩ ዘርሕው።

ትግራይ ትግሪኚ መዓስ ዝነበረ ስም እዩ፧ ዋላ ብልክዕ ክፍለጥ እንተዘይተኻእለ፡ ሓርፋፍ ገምጋም ግን ክህሉ ነይርዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ዘመን ከይፈለኻ ሓርፋፍ መሬታዊ ክሊ ግዝኣት ክትህብ ዝከኣል ኣይኮነን። ተቀባልነት’ውን የብሉን። ትግራይ ትግሪኚ ዝብል ኣምር ሓድሽ ምህዞ ናይ 1940ታት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ሓማሴን፣ ሰራየን ኣከለጉዛይን ቀንዲ ኣካል ምድረ ባሕሪ ናይ ሎሚ ኤርትራ እየን ነይረንን ዘለዋን። መረብ ምላሽ ኮይነን ኣይፈልጣን እየን። ብኣማሓርኛ መጸውዒ ስም ተጸውዔን ኣይፍልጣን እየን። መረብ ምላሽ ዝብል መጸውዒ ኮነ ተባሂሉ ክለግብ ተፈቲኑ ዝነበረ ስም ስለዝዀነ፡ ወግዓዊ መጣቐሲ ዝበሃል የብሉን።

5 1 vote
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
2 Comments
ዝጸንሐ
ዝሓደሰ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ
Inline Feedbacks
View all comments
Hazhaz
Hazhaz
October 10, 2022 8:29 pm

ብዛዕባ እዚ ዝተጻሕፈ ኣፍልጦ ስለዘይብለይ ፡ ነዚ ስምዒታዊ ድዩ ወይሲ ብጭብጢ ዝቐረበ እዩ ንምባል ኣይክእልን።። 
ብስምዒት ተደፋፊእካ ንታሪኽ ምኽላስ ፡ ኣብ ተጋሩን ኤርትራውያንን ዳርጋ ልሙድ ጸወታ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣቒጺሩ እዩ።  
እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ነቲ ደቡብ ካብ ወሽመጥ ዙላ ዘሎ ዓፋራዊ ባእታ ገዲፍካ ፡ ሓንሳብ ምድረ ባሕሪ ፣ ሃገረ ባሕረ ነጋሲ ወይ ሓማሴን ዝብል መጸውዒ ኔርዋ እዩ። 
እዚ መረብ ምላሽ ውን ብድሕሪ ምፍራስ ንግስነት ጎንደር ማለት ኣብ ግዜ ዘመነ መሳፍንቲ ግኑን መጸውዒ ኮይኑ ኔሩ እዩ። ኩነታት ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ፡ ብባዕዳዉ ወረራት ኣስላመ ዓረብን ኣውሮጳን ፣ ቀጠባዊ ቅልውላው ፣ እስላማዊ ጂሃድ ወዘተ ስለ እተጠቕዔ ፡ ብዙሕ ናይ ኣስማት ምልውዋጥ ክረኣዮ ንቡር ተርእዮ እዩ።

ደጊም
Admin
October 11, 2022 7:32 pm
Reply to  Hazhaz

ተጠቒሱ ዘሎ ውዱዕ ታሪኻዊ መረዳእታ ርድእ እመስለኒ። ፍሉይ መረዳእታ እንተሃልዩካ ወስ በለና።

ኣብ ኤርትራ መስፍንነት ኣይነበረን። እንተነይሩ ኣፍልጠና። መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ሸነኽ ግዝኣቶም ንምግላጽ ይጥቀሙሉ ነይሮም። ብኸመይ፣ መዓስን ስለምንታይን ለጊቡና ንጽር እዩ።