ሓድሽ ተዋስኦ ህወሓትን ጉዳይ ዶብን

  

ኣብ መዋጥር ክኣቱ ከሎን ምእንቲ ግዝያዊ ረብሓን፡ መሳርሒ ናይ ካልኦት ሓይልታት ምዃን ዘየሕንኾ ውድብ ከም ህወሓት ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ተፈጢሩ ነይሩ ኢልካ ክትኣምን ኣጸጋሚ’ዩ። ህወሓት ከምዝኾነ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወድብ፡ ንኣብመንግስታዊ ጽፍሕታት ዝጸንሑ ኣባላታ ኣብ ጋህዲ ዓለም ብሕጊ ንክሕተቱ የሕሊፋ ክትህብ ኣይኮነን፡ ሓሊማቶ ኣይትፈልጥን’ያ። ጀነራላትን ሰበ ስልጣን ነበርን ተኣሲሮም፡ ህወሓት ባዕላ ኣረኪባቶም ምስተሰምዐ ግር ክብልካ ግድን እዩ። እንተኾነ ንዘስተብሃለ ግሩም ተዋስኦ ብፕረዝደንት ኢሳያስ ዝተደረሰ ከምዝኾነ ይረኣየካ። ስለምንታይ እዚ ኩሉ ተዋስኦ ሕጂ ንዝብል ሕቶ ግን ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ክረአ ይክኣል።

እቲ ቀዳማይ ናብ ኢትዮጵያ ዘቋመተ ኰይኑ ኣዝዩ ኣንዊሑ ዝጠመተ ልዙብ ስልቲ ይመስል። ከምዝፍለጥ ጽልዋ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ስለዝነከየን ብዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ጽልኣት ስለዝተጠመቱን፣ ካብ ዓይኒ ተኸውሎም ዝዋስኡሉ መንገዲ ሃሰው ኣብ ዝብሉሉ እዋን፡ ንዶ/ር ኣቢይ በትረ ስልጣኑ ዘደልድለሉን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ባይታ ዝጸርገሉን መደናገሪ ተዋስኦ ክገብሩ ዝተወሃቦም ዕማም ወይ መኽደኒ ገጽ ከይኮነ ኣይተርፍን። ጀነራላትን ሰበ ስልጣን ነበርን ኣኪብካ ኣቃልቦ ብዝስሕብ መንገዲ ብስምምዕ ኣረኪብካ፡ ተገምጢልካ ህዝቢ ንምድንጋር ጠላሕ ዘይብለካ መግለጺታት ምውጻእ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብኡ ጠጠው ዝብል እውን ኣይኰነን። ክሳብ ክንድዚ ልቦና ህዝቢ ምፍታን ሃየንታ ኣለዎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ተደናጊሩ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት’ዩ፡ ለብሙ ክሳብ መዓስ መሳርሒ ክትኰኑ። ተመዓራሪኻን ተኸባቢርካን ምንባር’ውን እኮ ክብረት እዩ።

እቲ ካልኣይ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ኰይኑ፡ ሓሳር ኤርትራውያን ንምንዋሕ ዝተማህዘ ሸንኮለል ይመስል። ምኽንያቱ ጀነራላትን ዝተባረሩ ሰበ ስልጣን ህወሓትን ይእሰሩ ስለዘለዉ፡ ተኣሲሮም ምስተወድኡ ብዘይ ላዕልን ታሕትን ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ክረክብ እዩ እንዳተባህለ ካብ ቀንዲ ጉዳይ መህደሚ ክፍጠር ስለዝተደለየ፡ ተገዲዶም ዝኣተውዎ ጉዳይ’ዩ። ንከምዚኦም ዓይነት ውዲታት ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ይቕረ ከምዘይብለሎም ክተስተውዕሉ ይግባእ። ፕረዝደንት ኢሰያስ ንውሽጣዊ ሃልክታት ክጥቀመሉ ምድላዩ ንህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ኣይኮነን። ድሕሪ ምልዓል እገዳ መመሳመሲ እንዳወሓደ ስለዝመጸ፡ መላገሲ ምፍጣር ቀዳምነታት ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝዀነ።

ብኣንጻሩ ህወሓት ተደናገጽቲ ህዝቢ ኤርትራ እንዳመሰልኩም ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንኽናዋሕ ንእትገብርዎ ተንኮላት ብታሪኽ ዘሕትት በደል ከምዝኾነ ኣይትረስዑ። ኣብዚ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ’ውን ብግብሪ ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ። ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ገይሩ ኣይገይሩ ዝመጽእ ለውጢ የለን፡ ብዋጋ ስማዊ ምእሳር ጀነራላትን ሰበ ስልጣን ነበርን ክኸውን ግን ኣይምተገበአን። ምኽንያቱ፡ በቲ ሓደ ወገን ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣሕናኺ ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ኣተዓዛዛቢ ስለዝዀነ። ልሳንን ልብን ሓደ ይኹን። እንበር ህዝቢ ኤርትራስ በዝን ወዲ ከምዝን ዝደናገረሉ እዋን ቀደም ሓሊፉ እዩ።

ጉዳይ ዶብ ብሕጊ ዝተወድአ ክንሱ ስለምንታይ’ዩ ብወገን ህወሓትን፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ማዕልቦ ክረክብ ዘይጽዓት። ካብ ክፋእ ዶ ይኸውን፧ እንተዘይኮይኑ ድሕርሕር እንታይ ኣምጽኦ። መበገሲ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ዶብ ስለዝዀነ፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ እንተኰይንኩም ኮለል ገዲፍኩም ዶብ ክምልከት ደፊርኩም ጸዓቱ። ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ ዘለዎ ባድመ ውዒላ ሓዲራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እያ። ጸገም ህዝቢ ትግራይ ካብ’ዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይከረረ ከሎ፡ ከምጎረባብቲ ዘሰሓሐበና ጉዳይ ፈቲሕና ተደጋጊፍና ክንጓዓዝ ሃየ ግደኹም ኣልዕሉ። ሕጂ እያ እታ እዋን፡ ጸሊም ታሪኽ ኣይንግደፍ። ዘይሓልፍ ሕሰም የለን፡ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ’ውን ክሓልፍ’ዩ፡ ታሪኽ ምስክር ስለዝኾነ ኣስተውዕሉ።

5 1 vote
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments