ጉዳይ ዶብ ቀንዲ ዋኒን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝዀነ ዘይምዝንጋዕ

  

ብዛዕባ ትግራይ ክዛረብ ስለዝደለኹ ኣይኮንኩን ንክልላዊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ኣልዒለ መረዳእታይ ኣብ ጉዳይ ዶብ ክህብ ዝፈተንኩ። ከምቲ ደጋጊሚ ዝብሎ ጉዳይ ትግራይ ንትግራዎት ከምዝምልከት እፈልጥን፡ አኽብሮን ከኣ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘራኽበና ብቐንዱ ኣብ ምክባር ዝተመርኮሰ ጉርብትና’ዩ ኢለ ኸኣ እኣምን። እንተኾነ፡ መበገሲኡ ብዘየገድስ፡ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እልባት ዘይተገበረሉ ጉዳይ ዶብ ስለዘራኽበናን፣ መዘዙ ከኣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክጻወሮ ዝኽእል ንላዕሊ ሕሰም የምጽኣልና ስለዘሎን፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍታሕ ዘለዎ ዘየላቡ ዉራይ ኤርትራውያን ስለዝኾነን ንዝምልከቶም ኩሎም ምዝኽኻርን ድፍኢትን ምግባርን ግድን እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኩሎም ካብ መርሒነት መንግስቲ ኤርትራ ጀሚርካ ክሳብ ማእከላይ መንግሲቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንዝፈጥርዎም ምስምሳት ቅቡላት ከምዘይኮኑን ሳዕቤን ከምዝህልዎምን ምንጋር ሓላፍነት ናይ ከሉ ኤርትራዊ ሙኽኑ ዘይምዝንጋዕ። ክፍጠሩ ዝድለዩ ምስምሳትን፡ ሓሰብቶምን ኣተግበርቶምን ፈላሊኻ ኣብ እተረዳኣሉ፡ ግድን እዩ ሰብ ነገርካ ክጥቀሱ። ሕቶ ዶብ እልባት ከይተገብረሉ ክግበሩ ዝድለዩ ከይድታትን ሳዕቤናቶምን ተሓተቲ ወጠንቶምን ኣተግበርቶምን ጥራይ እዮም። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምታ ቃሎም ብዘይ ቅድመ ኩነት ብይን ዶብ ክትግበር እጃሞም ክገብሩ ዝሕተትሉ ፈታኒ እዋን ሕጂ እዩ። ምስምሳት መርሒነት መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግደፍ ጉዳይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጉዳይ ዶብ ኣብ እዋኑ እልባት ዘይምርካቡ ዝወርዶ ሕሰም፡ ውርደትን ጭፍጨፋን ነጋሪ ኣየድልዮን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘሓልፋ 20 ዓመታት ዝኸፈሎ ዋጋ ድሕሪ ምትግባር ብይን ዶብን ምትካል ቅዋማዊ መንግስቱን ምስ ኩሎም ሰብ ብርኪ ሕሰሙ ክተሓሳሰብ ስለዝኾነ ሕጂ ናብኡ ተመሊሱ ምኒን ዝብለሉ ኣብነት የብሉን። ንቕድሚት ብምጥማት ጉዳይ ዶብ እልባት ገይሩ ብናህሪ ናብ ዘቤታዊ ውራዩ ክኣቱ’ዩ ዝደሊ ዘሎ። ብምስምስ ግዜ ምብላዕ ዕዳ ምብዛሕ ጥራይ’ዩ ፋይድኡ።

ሕጂ ኣብ ኣተረጓግማ ሃገር ዝብል ኣምር ሀ ሁ ምባል ንዓና እዋኑ ኣይኮነን። ምሰእናይቕረትኡ።

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments