“ምትላል” ወተሃደራዊ ስልቲ’ዩ። ወያናይ ዶ/ር ሌ/ጀነራል ተኽለብርሃን ወልደኣረጋይ ጥሪ 2019

  

“ምትላል” ወተሃደራዊ ስልቲ’ዩ። ወያናይ ዶ/ር ሌ/ጀነራል ተኽለብርሃን ወልደኣረጋይ ጥሪ 2019። ደርጉሓሉ’ዩ ዘበኑ። መዝሙር ሰላም፡ ኣሓት ኣህዛብ፡ ወዘተ እንዳበልካ ዓንገረር ዝበሃለሉስ ናይ “ምትላል” ወተሃደራዊ ስልቲ ዶ ይኽውን፧ ሕጅ’ውን ‘ምትላል’ ቀንዲ መቃለሲ ስልቲ ክውሰድ ኣለዎ ማለት ዶ ይኸውን፧ ኣመት ንዳግማይ ጎበጣ ዶ ይኸውን፧ ዘኣገርም ዘኣድንቅ’ዩ።

ናብ ቀንዲ ኣርእስትና ክንምለስ።

ወራርን ስዕረትን ራእሲ ኣሉላ እንግዳ ኣብ ኤርትራ (ምድሪ ቀይሕ ባሕሪ)

ራእሲ ኣሉላ እንግዳ ወራሪ ክንሱ፡ ንልዕሊ 100 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓርበኛ ክቕበሎ ዘይተፈተነ ነገር ኣሎ ኢልካ ክትዝረብ ኣጸጋሚ’ዩ። ራእሲ ኣሉላ ብኢትዮጵያውያን ከም ሓርበኛን ሓደ ካብ ብሉጻት ጀነራላትን ኢትዮጵያን ክውደስ ከሎ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ግን ከምወራርን ኣብነት ጥልመትን’ዩ ዝግለጽ።

ሎሚ ላዕለዎት ጀነራላትን መራሕትን ወያነ፡ ራእሲ ኣሉላ ‘ምትላል’ ከም ወተሃደራዊ ስልቲ ይጥቀም ምንባሩ ከይሓፈሩ ንኢትዮጵያውያንን ተጋሩን መንእሰያት ኣስተምህሮ ክህቡ ክትሰምዕ ዘየሰንብድ ኣይኮነን። ራእሲ ኣሉላ ድሎ ብድሎ ዝሰኣኖ ወተሃደራዊ ዓወት ብምትላል ንወልደሚካኤል ሰለሙን ስለዘውደቖ፡ ሎሚ’ውን ብምትላል ወሳኒ ዓወት ዝርከበሉ መንገዲ ሃሰው ምባል ንርእሱ ወተሃደራዊ ስልቲ ከምዝኾነ ከይሓፈሩ ኣፎም ከፊቶም ኣብ ኣኼባ ምእማቶም ምስትውዓል የድሊ። ራእሲ ኣሉላ ስለምንታይ ኣብ ምታላል ከምዝወደቐን ዘጋጠምዎ ወተሃደራዊ ስዕረታትን ቁንጭል ኣቢልና ኣስዒብና ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ሃጸያት ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ራእሲ ኣሉላ እንግዳን ብሓገዝ ንግስነት እንግሊዝን መሬት ኤርትራ ወሪሮም ህዝቢ ኤርትራ ከገብሩ ብዝገበርዎ ፈተነ ንኣስታት 20 ዓመታት ማለት ካብ 1875 ክሳብ 1896 ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ደማዊ ኲናትን ህልኽን ጥሒሎም ንህዝቢ ኤርትራ መካራ ኣጽጊብሞ ምንባሮም ኣቐዲሙ “ምድረ ባሕሪ፡ ሕቶ ሉኣላውነት (950 – 1889)” ኣብ ዝብል ሓጺር ጽሑፍ ተጢቒሱ ኣሎ።

ንግስነት እንግሊዝ ፡ኣብ መሬት ሱዳን ገዛኢ ኣብዝነበረሉ እዋን፡ ኣንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ ዝቃለሱ ንዝነበሩ እስልማውያን ምሃዲሳውያን ንምድኻም፡ ምስ ሃጸያት ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዝምድናታት ብምግባር ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ይግብሩ ክምዝነበሩ ኬ ቪ ራም (2009) ብዛዕባ ዝምድናታት ንግስነት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ካብ 1869 ክሳብ 1906 ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ኤርትርውያን ሓርበኛታት ንዝመጾም ወራር ንምምካት ኣብ ከባቢና ምስዝነበሩ ሓይልታት ዝምድና ብምፍጣር ወተሃደራዊ ሓገዝ ክረኽቡ ናይ ግድን ስለዝነበረ፡ መጀመርያ ምስ ግብጺ ክልተኣዊ ዝምድና ብምፍጣር ብሓገዝ ንዋትን ሰራዊትን ንወረርቲ ሃጸያት ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ወልደሚካኤል ሰለሙን መጀመርያ ኣብ ዓይላ ጉንደት (ኣብ 1875 ዓመተ ምህረት ብውግእ ጉንዳት ዝፍለጥ)፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ጉራዕ (ኣብ 1876 ዓመተ ምህረት ብውግእ ጉራዕ ዝፍለጥ) ኲናት ኣክይዶም፡ ስለዘይሰለጦም ኣንሳሒቦም ንደጀን ከባቢ ቦጎስ ተመሊሶም።

ርስትኻን ባይቶ ዓድኻን ተዘሚታካ ስለዘይድቀስ፡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ዳግመ ምውዳብ ጌሮም ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ከባቢ ኣስመራ (ኣብ 1878 ዓመተ ምህረት ብውግእ ኣስመራ ዝፍለጥ) ኲናት ገጢሞም ንወረርቲ ሃጸያት ኢትዮጵያ ብምስዓር ርስቶምን ባይቶ ዓዶምን ኣብ ኢድ ዋናታቱ የእተዉ። እዚ ታሪኽ እዚ ብኢትዮጵያውያን ተጠማዚዙ ስለዝንገር ከምዘይነበርና ብተኣምር ጥብ ዝበልና ህዝቢ ክሳብ ዝመስለና ከዐንዝዙና እንታይ ዘይፈተኑ። ብፍላይ ናይ 1878 ወሳኒ ውግእ ኣስመራ እሞ ፈጺሙ ኣብ ዝኾነ መጽሓፍ ናይ ታሪኽ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ማለት ዘበት። ኤርትራውያን ክሳብ ሓቀኛ ታሪኾም ብሰፊሕ ኣብ መጽሓፍ ዝጽሕፍዎ እቲ ጽልግልግ ፈጺሙ ክጠፍእ ከምዘይኮነ ምዝካር የድሊ።

ድሕሪ ውግእ ኣስመራ ኣብ 1879 ሃጸያት ኢትዮጵያ ኣታሊሎም ንወልደሚካኤል ሰለሙን ምስሓየርዎ፡ ብዘይ ውግእ ንህዝቢ ኤርትራ ከገብርዎ ፈቲኖም። ርስቱን ባይቶ ዓዱን መራሒኡን ተዘሚቱ፡ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ሰለም ከብል። ሓርበኛታት ኤርትራ ኣብ ከባቢ በጎስ ኣብ ምውድዳብ እንዳሃለው፡ ብራእሲ ኣሉላ ዝምራሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃንደበት ስለዝነጠብዎምን፡ ተገዲዶም ናብ ከባቢ ከሰላ እንዳኣዝለቑ ስለዘርከብዎምን ኣብ ኩፊት (ኣብ 1882 ዓመተ ምህረት ብውግእ ኩፊት ዝፍለጥ) ኲናት ገጢሞም፡ ኣይኮነሎምን። ኤርትራውያን ኣብ ውግእ ኩፊት ስለዝተሰዓሩ መሬቶም ዋና ከምዘይብሉ፡ ኣብ 1884 ብባርኾት ንግስነት እንግሊዝ ግዝኣት ሃጸያት ኢትዮጵያ ክሳብ ቦጎስ ሙዃኑ ብወግዒ ክፍለጠሎምን እንዳማቶም ርስቲ ከገብሩን ኣብ ሃነፍነፍ ኣተዉ።

ግብጺ ተዳኺማ ካብ ከባቢ ባጽዕ ምስ ጥልያን ተላዚባ ትወጽእ ስለዝነበረት፡ ኣይጸንሑን ሓርበኛታት ኤርትራ ምስ ጣልያን ክልተኣዊ ዝምድና ብምፍጣር፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ስለዝረኸቡ፡ ኣብ ሰሓጢትን (ኣብ 1887 ብውግእ ሰሓጢት ዝፍለጥ) ኣብ ዶጎሊን (ኣብ 1889 ብውግእ ዶጎሊ ዝፍለጥ) ንሰራዊት ሃጸያት ኢትዮጵያ ብምስዓር ክሳብ ዓድዋ ከምዘብጽሕዎም ታሪኽ ኣባሓጎታትና ግዳይ ኩናት ዓድዋ ምስክር’ዩ። ኣባሓጎታትናኳ ዘይናቶም ዝደልዩ ኣይነበሩን፡ ግን ምስ ጣልያን ብዝነበሮም ወተሃደራዊ ቃልኪዳንን ሕንሕነ ወልደሚካኤል ሰለሙንን ኣብ ዓድዋ ኣብ ጎኒ ጣልያን ተሰሊፎም ኣንጻር ሃጸያት ኢትዮጵያ ዘሚቶም እዮም። እዚ ታሪኽና ስለዝኾነ ኣይንሓፍረሉን ኢና፡ ኣብ እዋኑ ዓሙቕ መጽናዕቲ ምስተገበረሉ፡ ይቕረታ ክሕተተሉ እንተኣድልዩ፡ ዘይንሓተሉ ምኽንያት ኣይህሉን። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ዘርኣይዎ ጭካነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሙሩኻት ኲናት ዓድዋ ዝሃስስ በሰላ ኣይኮነን።

እዚ ኩሉ ደጊመ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ‘ምትላል’ ከም ወተሃደራዊ ስልቲ ብሊቃውንቲ ኢትዮጵያ ክግለጽ ክትሰምዕ ኣዝየ ስለዝደንጹ’ዩ። ንወልደሚካኤል ሰለሙን ኣታሊልካ ስለዝሓየርካን፡ ብዘይ ኲናት መሬት ኤርትራ ደጊምካ ከተገብር ስለዝፈተንካን ካን ምትላልሲ ወተሃደራዊ ስልቲ ኮይኑስ ኣብ መጻሕፍቲ ወተሃደራዊ ስነ ፍልጠት ክኣቱ ኢልካ ዘረባ ናይ ጥዕና ዶ ይብሃል።

ድሕሪ ስዕረት ውግእ ኣስመራ፡ ተጋሩ ስዕረቶም ተቐቢሎም ሰላም እንተዝገብሩ ኣብ ትሕቲ ኣምሓሩ ኣይምወደቑን፡ ግዳይ ድሕረትን ድኽነትን’ውን ኣይምኾኑን። ምስ ኤርትራውያን ኣብ ዘየድሊ ህልኽ ብምእታዎም ከቢድ ክሳራ ወሪድዎም ንኣስታት 100 ዓመታት ዝኣክል ከምዘይሰብ ኣብ ዝቑጸሩሉ ደረጃ በጺሖም ክሳብ 1991 ዓመተ ምህረት ከምዝቐጸሉ ናይ ትማሊ ተዝክሮ’ዩ። ሎሚ’ውን ታሪኽ ዝድገም ዘሎ እዩ ስመስል። ታሪኽ ምዝንባዕ፡ ዘየድሊ ዓዲ ዘየእቱ ምትህልላኽን ጓል መንገዲ ምድላይን ዋጋ ከምዘኽፍል እንዳተፈልጠ ጎቦጎቦ ምኻድ ፋይዳ የብሉን። እዛ ንሪኣ ዘለና እያ። ካብ’ዚኣ ከይከፍኣት ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ መንገዲ ቅንዕና ምኻድ ይምረጽ።

ወልደሚካኤል ሰለሙን ጅግና ስለዝኾነ ኣብ እዋኑ ኣብ ከባቢ ሰምበል ሓወልቲ ምስተሰርሓሉን ንሓቀኛ ምስሉን ንታሪኹን ዝገልጹ መጻሕፍቲ ምስ ተጸሓፉን፡ ተስፋ እገብር ኢትዮጵያውያን ኣሜን ኢሎም ንወልደሚካኤል ሰለሙን ብኽብሪ ክጠቕስዎን ክዝክርዎን። ጸላኢኻ ጀግና እንትኮይኑ፡ ጀግንነቱ ምኽሓድ መርኣያ ሕመቕ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ራእሲ ኣሉላ እንግዳ ብኢትዮጵያውያን ከም ጀግና ስለዝገልጽ፡ ኤርትራውያን ንራእሲ ኣሉላ እንግዳ ከነኣእሱ ኣይስምዑን፡ እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ናይ ከብዶም ኣብ ከብዶም ጌሮም ክንእዱን ከጸባብቑን እዮም ዝስምዑ።

ንምዝኽኻር ኢለ ዝጸሓፍክዎ ናይ ታህዋኽ እዩ። ይቕረታ ከስፍሖ ዘይምኽኣኣለይ።

መዋኸሲ
K. V. Ram (2009). Anglo-Ethiopian Relations 1869 to 1906፡ A Study of British Policy in Ethiopia. New Delhi፡ Concept Publishing Company.

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments