ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጽያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ወፍሪ ሸመተ ኤርትራ የማእዝን

  

ዶ/ር ኣቢይ ኣህመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዕለት 1 የካቲት 2019 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ዘተምብሆ ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለን ኣሰካፍን ዘረባ።

ኢትዮጵያ ክትበታተን’ያ ኢሎም ዝሓስቡ ንሳቶምን ሓሳባቶምን ተበታቲኖም ክተርፉ ከምዝኾኑ ኣርጊጸ ክነግረኩም ይፈቱ። ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለት ኢትዮጵያ ክትበታተን ኣይኮነን፡ ከይደን ‘ዘለዋ’፡ ምስ ዕቤትን ምሕያልን ኢትዮጵያ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ ምምላሰን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዕለት 1 የካቲት 2019።

ሓሳብ ሰብ ነገርካ ምውህላል እንታይ በሃሊ። ኤርትራውያን ኣብ ዘለውዎ ጉዳዮም ከይገብሩ ኮነ ኢልካ ብምኽሪ ኢሰያስ ኣብ ኮለል ንምእታዎም ዝግበር ዘሎ እንተዘይኮይኑ፡ ንኢትዮጵያውያን ኤርትራ ኣብ ሕልሞም’ውን ‘ኮ የላን። ዝሓቶ ዋጋ ኣዝዩ ክቡር ስለዝኾነ። ህልው ኩነታት ኢትዮጵያን ዓለምናን ኣብ ግመት ብምእትያው፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያውያን መራሕታን ከይፈተዉ ሕልሚ ናይ ኤርትራ ከምዘዋደቕዎን’ዩ ዝፍለጥ። ምናልባሽ ኢሰያስ ዘይዓግብ ሸውሃት መራሕትን ሊቃውንቲን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብምምዝማዝ ኣብ ሃለውለው ከምዘእተዎም በጨቅ ካብ ዘብልዎ ዘለዉ ዘይእዱብ ዘረባታት ምርዳእ ኣየጸግምን።

መራሕቲ ኢትዮጵያ በጨቕ ዘብልዎ ዘለዉ ዘረባታት ብመዐቀኒ ኣምር ዝምድናታት ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ብደረጃ ኢትዮጵያ፡ ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለ ኮይኑ ትረኽቦ። እዋን ምስተለወጠ፡ ዋናታት ምስመጹ፡ ኣዝዩ ዘሕፍርን ወግዓዊ ምልሲ ዘድልዮ ወስታ ከምዝኾነን ክስወጦም ምዝኽኻሮም ኣይጽላእን። ናይ’ዚ ኩሉ ሓንካሪ፡ ኢሰያስ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ንኢትዮጵያውያን ዘይጭበጥ ኣንፈት ኣሚቱ ኣብ ዘየድሊ ሃለውሎው ከእቱ ከሎ ንኤርትራውያን ከኣ ካልኣይ ግንባር ክኸፍተሎም’ዩ ሓሳቡ። እዚ ንኤርትራውያ ላግጺ’ዩ። በዝን ወዲ ከምዝን ኣንፈት ኤርትራውያን ክተለውጥ ምፍታን በቲ ሓደ ወገን መርኣያ ዕራርቦ ጸሓይ ምልኪ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ክሳብ ክንደይ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ቀሪቡ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ። እንዳፈለጠ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብክፍኣት ኢሰያስ ዝደናገር ኤርትራዊ ኣሎ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

እዚ ኹሉ ብህዝብን መራሕትን ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ግህሰት ሉኣላውነት ኤርትራ ብኢሰያስን ጉጅልኡን ዝተዋህቦም ዛዕባ ስለዝኾነ ገና ብጻዕቂ ክድፍኣሉ ሙዃኑ ዘይምርሳዕ። ኢሰያስን ጉጅልኡን ኤርትራውያን ጎቦ ልቦም ጌርካ ኣብ ስልጣን ምዅያጥ ጥራይ ስለዝኾነ ባህጎም። ከምኡ እንተዘይከውን ከምዚ ዓይነት ተደጋጋሚ ሃለውልው ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ፈጺሙ ኣይምተሰምዐን። እዚ ማለት ኢትዮጵያውያን ናብ ኤርትራ ዘማዕዱ ጥሙሕ የብሎምን ማለት ኣይኮነን፡ ብስቱር ከምዝጽሕትሩ’ውን ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዳርጋ የለን። ከምዚ ዓይነት በሰሮ ሃላውልውኩም ግን ሰብ ድለዩሉ ምባሉ።

ንኣሳሰይቲ’ውን ምስሉይ መገላበጢ ባይታ ክህብ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ስለዝኾነ ዘይምህማል። ኢሰያስን ጉጅልኡን ክሳብ ዘለዉ ከምዚ ዓይነትን ዝገደደን ወስታት መወዳእታ ስለዘይህልዎ ኣብ ኢሰያስን ጉጅልኡን ጥራይ ምድሃብ ኣማራጺ ዘይብሉ ዕማም ከምዝኾነ ነስተውዕል። ብዝመጸ ይምጻእ ብጓል መንግዲን መናውራታትን ዘይምድንጋር፡ እንተተኻኢሉ ኩለን የዒንቲ ናብ ሓንቲ ዕልማ፡ ኢሰያስን ጉጅልኡን።

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments