ሕንከት “ባህር ዳር”

  

ከምቲ ኣቀዲሙ ብብዙሓት ዝተባህለ ዝበዝሑ ተገዲዲም እንተዘይኮይኖም ብፍታዎም ከይዶም ኢልካ ምእማን ንግዚኡ ኣጸጋሚ’ዩ። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እዞም ስነጥበኣውያን ነድሩ ምግላጹ ኣዝዩ ወሳኒ መርኣያ ዘይቅየር መትከላዊ መርገጺኡ ዘስመረ፡ ኣቃሊልካ ክርአ ዘይብሉ ተሪር መዘኻኸሪ ሙዃኑ ክነስተብህለሉ ይግባእ።

ኢትዮጵያውያን ካብ ላዕለዎት መርሒነታቶም ጀሚርካ ብግሉጽን ስቱርን መንገዲ ሉኣላውነት ህዝቢ ኤርትራ ክግህሱ ወሪሖም ኣለዉ። መንቀሊ እዚ እከይ ተግባራቶም መቸም ዝሰሓት ኣይኮነን። ንውሽጣዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝግበር ግህሰት ሉኣላውነት ጎረቤት ሃገር ኣብ ዳግማይ ወጥሪ ከእቱ ከምዝኽእል ምዝኽኻሮም ኣይጽላእን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ፡ ተሪር ተግሳጽ ምግባሩ ዝሙገስ’ዩ። ዘየለና ዝመስሎም ዝሰዓበ ግብረ መልሲ ተዓዚቦም ሰኽኽ ክብሉን ክልተ ግዜ ክሓስቡን ምቕሳቦም ስሙር ድምጺ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ሙኹኑ ንዕዘብ።

ጽፍዒት ባህር ዳር ንህዝብን መንግስትን ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ትምህርቲ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ክብል ከለኹ ንኢሰያስን ጉጅልኡን ዝምልከት ኣይኮነን። ኢሰያስን ጉጅልኡን ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑሉ ግዜ ኣብቂዑ’ዩ። ካብ ኣባሓጎታትና ጀሚርካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝጸንሓናን ዘለናን ገምምጋምን ኣረኣእያን ብንጹር ከም ጸሓይ ቀትሪ ዘርኣየ እዋናዊ ህያብ ባህር ዳር ህንጎፋይ ኢልካ ምቕባል’ዩ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሖምን ዘለዎምን ገምጋምን ኣረኣእያን ምስ ግዜ ክቅየር ይኽእል’ዩ ኢልካ ምጽባይ መርኣያ የዋህነትን ነብሰ ምትላልን ካብ ሙዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። በትሪ እንተዘይሪኦም ልቦንኦም ዝድፈኑ ጎረቤት ዝለዝተዓደልና፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቀደምካ በትኻ ኣይትረስዕ። ብሕግን ስርዓትን እንተመጺኦም፡ ብሕግን ስርዓትን ከቢሮም ይሳሰዩ። ሰናይና ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ብግብሪ ኣስተማቒሮሞ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወዮ ድኣ ዘበን ግርንቢጥ ኮይኑና እንበር፡ ምስ’ቲ ብኢትዮጵያውያን ክግበር ዝቐነየ ተደጋጋሚ ግህሰት ሉኣላውነት ኤርትራ፡ ስነጥበበኛታትና ናብ ኢትዮጵያ ክኸዱ ኣይኮነን ወኪል ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክምለስ’ዩ ዝግብኦ። ዶባትና ብወጥሪን ሰራዊት ክዱርን ኢኻ ትጽበዮ። ኢትዮጵያውያን በትሪ ሃሰውሰው ጥራይ ስለዝርድኦም፡ መናውራ ብምግባር ክመጽእ ካብ ዝኽእል ደም ምፍሳስ ክትገላገል ምፍታን ዝጽላእ ኣይኮነን። ዘይተርፍ እንተኾይኑ፡ ኣበይ ክንኣቱ፡ ብሸለልትነትናን ስንፍናን ዘምጻእናዮ ስለዝኾነ።

ውርደትን ሕስረትን ስነጥበበኛታት ኤርትራ፡ ውርደትን ሕስረትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሙዃኑ ፈጺምና ክንዝንግዖ ከምዘይብልና ከዘኻኽር እፈቱ። ስነጥበበኛታት ኤርትራ መን ሙዃኖም ታሪኾም ስለዝምስክረሎም፡ ወዲቖም ኢልና ኣይነንገርግሮም። ንሶም’ውን ዝወርዶም ዘሎ መንደረጋሕ ምስረኣዩ ኢሕ ይብሉ ይህልዉ። ዝበዝሑ ኣማራጺ ስለዘይብሎምን መሲልዎምን ውዒሎሞ ስለዝኾኑ ከም መምሃርን መነደርን ህዝቢ ኤርትራ ክንጥቀመሉ ዝከኣለሉ መንገዲ ሃሰው ንበል። ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎም መርገጺ ተገዲዶም በትርን ጸዋግ ገጽን ከይረኣዩ ኣመዓራርዮም ማለት ዘበት።

ኢሰያስን ጉጅልኡን ንህዝቢ ኤርትራ ክገዛዝዕዎ ዓጢቖምሉ ስለዘለዉ፡ ንሶም ኣንፈት ሓፋሽ ክጥምዝዙ፡ ህዝቢ ግልጽ ምባል ክኣቢ፡ ፍሉጥ ሰዓሪ ዘለዎ ጥምጥም። ኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብ ገምገም ጸድፊ ስለዘለዉ መላገሲ እንተረኸቡ፡ ኣንፈት ሓፋሽ ንምጥምዛዝ እኪት ክጥጃኡ ድቃስ ስለዘይብሎም፡ ብርድኢት ንኺድ። ክንቀፍ ዘለዎ ከይንሓፍና፡ ኣዒንትና ናብ ኢሰያስን ጉጅልኡን። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስ ኢሰያስን ጉጅልኡን ናይ ስራሕን ካልእን ቅርበት ዘለኩም ኤርትራውያን በጃኹም ነብስኹም ግትኡ፡ መሳርሒ ኢሰያስን ጉጅልኡን እንዳኾንካ ክተመኻኒ ምፍታን ብዙሕ ይዕንቅፍ ስለዘሎ ንቑሓት ኹኑ።

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments