ሃገራውነት!

  

ሃገራውነት ሰፊሕ ትርጉም ዝውንን ኣምር ኮይኑ ዝበዝሑ ተመራመርቲ ብኣዎንታ ክጠቕስዎ ይስምዑ። ይኹን ደኣ’ንበር፡ ንፍሉይ ረብሓን ሕሳብ ንምውርራድን ተባሂሉ ሃገራውነት ብኣሉታ ክግለጸሉ ዝድለየሉ እዋናት ከምዘሎ ምስትውዓል የድሊ። ብደረጃ ዓለም’ውን፡ ደምበ ፈሊኻ ሸቝራሪ ትርጉም ክወሃቦ ይፍተን እዩ። እዚ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ብዕብሎኻን ሓይልን ጥቅሞም ንምሕላው ኮነ ኢሎም ዘዘውትርዎ ሜላ ሙዃኑ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብተደጋጋሚ ዝተረኣየ’ዩ።

ንኣብነት፡ ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ጀሚሮም፡ ምዝንባዕ ትርጉም ሃገራውነት ሜላ መዕገቢ ስሱዕ ሸውሃቶም ኮይኑ ምጽንሑ ምምስኻር ዘድልዮ ኣይመስለንን። ትርጉም ሃገራውነት ክዝንብዓሉ ዝድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ንዶብ ሰገር ዋኒናቶም ባይታ ንምጽራግን ዕዳጋ ዓለም ንምብሓትን ተባሂሉ ዝግበር መደናገሪ ሰበብ’ዩ። ዕዳጋ ክብሃል ከሎ፡ ዕዳጋ ናይ ንዋት ጥራይ ማለት ዘይሙዃኑ እግረ መንገደይ ክሕብር እደሊ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣህዛብ መንነቶም ኣብ ዝሕተትሉ እዋን፡ ብኩርዓት ስም ሃገሮም ጠእቒሶም ዝነግሩሉ ምኽንያት ስምዒት ሃገራውነት እንተዘይኮይኑ፡ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧

ስለዚ ሃገራውነት መግለጺ መንነት ካብ ኮነ፡ ሃገራውነትካ ምኽሓድ ማለት መንነትካ ምኽሓድ ማለት ከምዘስምዕ ተረዲእና ብምስትውዓል ምኻድ የድልየና። ሃገራውነት ከም ኣምርን ከም ስነሓሳብን ክልተ ዝተፈላልዪ ትርጉም ክወሃቦ ከምዝከኣል ቀጺልና ክንርኢ ኢና።

ሃገራውነት ከም ኣምር ብሰፊሑ ክረኣይ ከሎ ብዛዕባ ዋልታ ህዝብን ሃገርን ምዃን፣ ግብሪን ቀረጽን ምኽፋል፣ ግዝኣተ ሕጊ ምኽባር፣ ምስጉን ዜጋ ሙዃን፣ ብፍልጠትካን ሞያኻን ደረጃ ሕብረተስብካ ምብራኽ፣ ድኹማን ምጥዋር፣ ንዋይካ ኣብ ሕብረተሰብ ምውፋር፣ ዓለማዊ ምስሊ ሃገርካ ምምሕያሽ፣ ትሑትን ጻዕራምን ሙዃን ዘኣመሰሉ ክኸውን ይኽእል። ብሓጺሩ ሃገራውነት ከም ኣምር ንረብሓ፡ ልምዓትን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ዝከኣለካ ምግባር ተባሂሉ ክትርጎም ይከኣል።

ሃገራውነት ብስነሓሳብ ደረጃ ከም መግለጺ መንነት ናይ ሓደ ሃገር ህዝቢ ይውሰድ። ሃገራውነት ከም መግለጺ መንነት ኣብ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ፈተና ሓሊፉ ዝሰርጽ ኣምር ብምዃኑ ክተፍርሶ ወይ ክትቅይሮ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ክኸውን ከምዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን። መግለጺ መንነት ሓደ ህዝቢ ኣብ ባህሉን ክብርታቱን ቆተመርኲሱ ዝቖመ ስለዝኾነ፡ ማሕበረሰባዊ ባህሉን ክብርታቱን ከይቀየርካ ምግለጺ መንነቱ ክትቅይር ዝከኣል ስለዘይኮነ። ባህልን ክብርታትን ሕደ ማሕበረሰሰብ ኣብ ኣሽሓት ዓመታት ዝህነጽ ሙዃኑ ዝስሓት ኣይመስለንን።

ሃገራውነት መግለጺ መንነት ስለዝኾነ ህዝቢ መግለጺ መንነቱ ባዕሉ ንኽውስን ዕድል ክውሃቦ ኣለዎ ዝብል ብገለ ሓሰብቲ ዝቐርብ መጎት ዝንጸግ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ መግለጺ መንነቱ ባዕሉ ይወስን ዝብል መጎት ብግዛእቲ ሓይልታት ተቐባልነት ስለዝሰኣነን’ዩ ‘ኮ ብቕደሙ’ውን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኣተወ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ብዘሳትፍ መንገዲ ክግበር ይከኣል ስለዘይነበረ፡ ኣብ ሜዳ ተሓቛቚኑ ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም መግለጺ መንነት ኣስሪጹ። እዚ’ውን ክውን ክኸውን ዝኸኣለ፡ ንዘመናት ተሃኒጹ ዝጸንሐ ባህልን ስርዓተ ክብርታት ስለዝጸንሐ’ዩ። ከም ውጽኢት ህዝቢ ኤርትራውነቱ ብሓበን ኣብ ዝገልጽሉን ዝብጀወሉን ደረጃ በጺሑ። ዓለም’ውን ኤርትራውንት ከም መግለጺ መንነት ሃንጎፋይ ኢላ’ያ ተቐቢላቶ።

ስለምንታይ ሸንኮለል ይድለይ ኣሎ ንዝብል ሕቶ መልሲ ከይቀረብካ፡ ክቡር ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣንቋሺሽካ ንድሕሪት ክትምለስ ምድላይ ጣቋ ዘለዎ ኣይኮነን። ህዝቢ ካልእ መግለጺ መንነት ክፈጥር ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል መጎተ ጸገማቱ ከምዝዛይድ ምዝካር የድሊ። ዝፍጠር ሁከት ቀሊል ከምዘይከውን’ውን ዘይምዝንጋዕ። መግለጺ መንነት ጠፍጢፍካ ዘይኮነ ብሓዊ ተፈቲኑ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ዝፍጠር ስነሓሳባዊ ኣምር ስለዝኾነ ዋግኡ ቀሊል ኣይከውንን።

ንኣብነት በብእዋኑ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝነበሩ ገዛእትን ዝገጥሞም ዝነበረ ትቓውሞታትን እስከ ንርአ። መግዛእቲ ጣልያን እንተርኢና ክስዕብ ዝኽእል ጸገማት ተረዲኡዎም ባህልን መንነትን ህዝቢ ከይተንከፉ ወሰን ወሰን እንዳኸዱ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ብዙሕ ተጻብኦ ሓውሲ ክገዝኡ ክኽእሉ ከለዉ፣ ኢትዮጵያዉያን ገዛእቲ ብኣንጻሩ እግሮም ከይኣተወ ባህልን ክብርታትን ህዝቢ ክተናኽፉ ስለዝጀመሩ ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎም፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ከምዝሰገረ ናይ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራውነት ረብሓ፡ ልምዓትን ድሕነትን ህዝቢ ክተሰስን ምጽዓት ሓደ ነገር’ዩ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ሰሪጹ ዘሎ ኣገራውንት ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዳግማይ ብድሌት ህዝቢ ክሽመት ኣለዎ ምብል ኣብ’ኣዚ እዋን’ዚ ግን ካልእ ነገር እዩ። ኣበሃህላ ሒደት ዘይበሃሉ ሓሰብቲ ድሒሩ ተጠቂሱ ዘሎ ስለዘስምዕ፡ ብወገነይ ተቐባልነት የብሉን። እዚ ማለት ግን ርእይቶ ኣይሃሉኹም ማለት ከምዘይኮነ ብሩህ ክኸውን የዘኻኽር።

መበገሲ ስክፍታት ህዝቢ መንነቱ ባዕሉ ክውስን ዕድል ይወሃቦ በሃልቲ፡ ትርጉም ሃገራውንት ዘይኮነስ ብዛዕባ ሰሪጹ ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራውነት ከምዝኾነ ክትርዳእ ኣየጸግምን። እዚ ማለት ከኣ ሰሪጹ ዘሎ መግለጺ መንነት ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታውን ዘይምእታውን ስለዝኾነ፡ ውጽኢቱ ኣብ ዝተናውሐ ሓቢርካ ዝርአ ይኸውን።

ከምዚ ዓይነት ክልተ ዘይሳነ ጫፋትን ንሱ ዝፈጥሮ ኩነተ ኣእምሮን ሒዝካ ለውጢ ክትጸሉ ምሕሳብ ኣጸጋሚ ከምዝገብሮ ኣየጠራጥርን። ከምዚታት ዕንክሊል ፈጢርካ ለውጢ ክደናጐ ዝተኣልመ ከይከውን ምስትውዓል የድሊ።

5 1 vote
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments