ኣፈናዊ ድሕረ ባይታ ናዕቢ ተመሃሮን ቆጸራ ህዝቢ ዞባ ማእከልን 1999

  

ዝበዝሕ ምስ’ቲ ኣብ 1999 ተመዲቡ ዝነበረ ቆጸራ ህዝቢ ዝትሓሓዝ ዝርዝራት ተጠቓቒሶም ስለዝኾኑ ኣብ ቀጻሊ፡ እዋን ምስተረኽበ ብግቡእ ስዝነድሉ ኣጋጣሚ ክርከብ ተስፋ እገብር።

ኣብ’ዚ ተላዒሉ ዘሎ ገዚፍ ግን ከኣ ዘይተነገሩሉን ዘይዝከርን ጉዳይ ንኣንበብቲ ሓጺር ድሕረባይታ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢለ ዝሓሰብክዎ ከካፍል። ጉዳይ ቆጸራ ህዝቢ ዞባ ማእከል 1999 ንኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብ’ቲ እዋን ኣዝዩ ኣሰንቢድዎም ዝነበረ መስርሕ’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ብግዝፉ፣ ብኣወዳድብኡን ዋንነቱን ካብ ኢዶም ወጻኢ ንህዝቢ ዝምልከት፡ እሞ ኸኣ ብኣዲሞም ዝነበሩ ተመሃሮ ይግበር ስለዝነበረ’ዩ ከሰንብዶም ክኢሉ።

ብዙሓት ናይ መዓስ ኣድማ ከምትብሉ ኣይስሓትኩን። ሓይልታት ምክልኻል ኣብ የካቲት 1999 ካልኣይ ወራር ኣብ ገዛ ገረህላሰን እግሪ መኸልን ብዘጋጠሞም ምድፋእ ኢሰያስ መኻልፍ ኣጋጢሙ ኢሉ ኣብ ዘደናግረሉ ዝነበረ እዋን፡ ንመጀምርያ ግዜ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ፡ ምኽንያት መድፍኢ ሓይልታት ምኽልኻል ከይተነግረን ብናጻ ሽማግለ ከይተመርመርን ትምህርቲ ክቕጽል ከምዘይኮነን ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝወጹን ብደብዳቤ ብዕሊ ዘፍለጥሉ እዋን’ዩ ኔሩ። ኣብ’ቲ ግዜ ‘ቲ ማሕበር ተመሃሮ ዕዙዝ ተራ ይጻወት ኔሩ። ኣብ ውሽጢ ተመኣሮ ተላኢኾም ዕግርግር ክፈጥሩ ዝደናደኑ’ውን ኔሮም እዮም።

ኣብ’ዚ ፈታኒ እዋን መንግስቲ ንሕቶና ኣብ ዝተባህለ መዓልቲ መልሲ ከይሃበ ስለዘስቐጠ፡ ተመሃራይ ሰለማዊ ሰልፊ ክገብርን ትምህርቲ ከቛርጽን ኣብ ቀጽሪ ኣስመራ ዩኒቨርስት ተሰማሚዑ ክውድእ ክብልን ጸጥታ ብምትሕብባር ሉኡኻቶም መጺኦም ከተሃዳድኡን ከፈራርሑን ክጅምሩን ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ዝተሓሰበ ኣድማ ካብ ቀጽሪ ከይወጸ ኣባላት ጸጥታ ጸገም ክፈጥሩ ምስጀመሩ፡ ምስ’ቲ ዝነበረ ኩነታት ህዝቢ መሊሱ ከይድሃልን ተመሃራይ ከይጉዳእን መዓልቲ ክንቅይር ወሲና። ብለባም ኣተኣላልያ ምስ ዝምልከቶም ብምዝርራብ፡ ብጽንኩር ሓለዋን ንውሑዳት ንጡፋት ኣባላት ማሕበር ተመሃሮ ብዘግለለ መንገዲ ድራማዊ ዕጽው ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ተፈቒዱ። ከምቲ ዝድለ’ኳ እንተዘይኮነ ሰለማዊ ሰልፊ ተጌሩ። ብመሰረት ኣቕሪብናዮ ዝነበርና ጠለባት፡ ኣባላት ማሕበር ተመሃሮ ዝርከብዎም ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ ዞባታት ብስም ነጻ መርማሪት ሽማግለ ኣብ ግንባርት ምብጻሕ ክግበር ተኻኢሉ’ዩ።

ብድሕሪ’ዚ ተመሃሮ ሕቶና ከይተመለሰ ኣይንመሃርን ዝለዝበሉ፡ ትምህርቲ ሰሙናት ተቛሪጹ። ኣብ መንጎ’ዚ ከም’ቲ ዝተባህለ ጠርቛሽ ወተሃደራዊ ተዓሊም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ከም መፈራርሂ ንተመሃሮ ተዋሂቡ። ሃይለ ወልደትንሳኤ’ውን ብመንግስቲ ከተሃዳድእ ተላኢኹ መጺኡ ብዙሕ ናይ መደዓዓሲ ሓባባሊ ድሓን ዝኾነ ዘረባ ጌሩ ከይዱ።

ድሕሪ’ቲ ሽዑ ተላዒሉ ዝነበረ ምንዕዓብን ዝሰዓበ ዘይፍትሓዊ ስጉምትን፡ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲን ኢሰያስን ጉጅልኡን ከብድን ሕቆን እንዳኾኑ መጺዮም፡ ድሕሪ 2001 ኣብ ዕጹው ማዕጾ ስለዝበጽሑ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ክዕጾ ተወሲኑ። ኣብ ዝርዝር ከይኣተኹ እታ እንኮ ዩኒቨርስቲ ክትዕጾ ዝደረኹ ተወሰኽቲ ውልቃዊ ጥሙሓት ምንባሮም ከይጠቀስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ቀንዲ መንቀሊ ናይ’ዞም ጥሙሓት ድኽመት ኣተኣላልያ ናይ 2001 ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈታና ምንባሩ ኣተንቢሀ ናብ ቀንዲ ዛዕባና ክምለስ።

ብሰንኪ ፍትሓዊ ምንዕዓብ ተመሃሮን ዝሰዐበ ዘመተ ኢሰያስን ጉጅልኡን ኣንጻር ተመሃሮ፡ ትምህርቲ ቁሩብ ተጓቲቱ ግን ኣብ እዋኑ ክውዳእ ክኢሉ’ዩ። ኣብ ሞንጎ ‘ዚ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኔሩ’ዩ። ኣይንመሃርን ምስበልና ኢሰያስን ጉጅልኡን፡ ኣይንመሃርን ካብ በልኩም “ዕሉማት ተመሃሮን መማህራንን ናብ ግንባራት፡ ዘይተዓለምኩም ናብ ታዓሊም ክትከዱ ኣለኩም” ኢሎም ወሲኖም። ዕሉማት ተመሃሮን መማህራንን ናብ ግንባራት ተላኢኾም። ዝተረፉ ኩሎም ናብ ታዕሊም ምስተበሃለ፡ ለባማት ሰበስልጣን ኣገባብ ኣይኮነን ስለዝበሉ፡ ከም መደዓዓሲ ንኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ተዓሊምና ናብ ትምህርትና ክንምለስ ተሰማሚዖም። በዚ ምኽንያት’ዩ ከኣ ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሕሪ ታዓሊም መጺኡ ከዘራርበናን ከተሃዳድኣናን ዝፈተነ።

ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ናብ ግንባራት ዝኸዱ ተመሃሮ ኣዋርሕ ደንጐም ስለዝመጹ፡ ዳርጋ ምሉእ ክረምቲ ተማሂሮም እዮም ከርክቡ ክኢሎም። ኣብ’ዚ ክንርስዖ ዘይብላናን ወግዓዊ ኣፍልጦን ምስጋናን ዝግብኦን፡ ናይ መማህራን ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተወፋይነትን ሓልዮትን መዳርግቲ ዘይነበሮ ሙዃኑ እዩ። ተመረቕቲ 1999 ዝነበሩ መታን ናይ ምረቓ መዓልቲ ከይሓልፎም፡ ዘይንቡር ብሓባር ኣብ መስከረም 1999 ከምዝምረቑ ተጌሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለና ዕማም ቆጸራ ህዝቢ ዞባ ማእከል 1999 ብተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ክግበር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ። ኣብ’ዚ ማሕበር ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ንኽፍሊትን ንተመሃሮ ዝምልከቱ ካልኦት መሰላትን ኣብ ምሕላው ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ከምዝነበረ ምዝካሩ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ቆጸራ ህዝቢ ዞባ ማእከል 1999 ንምክያድ ከም’ቲ ዝተጠቐሰ ኩሉ ምስተዋደደ፡ ወግዓዊ ቆጸራ ህዝቢ ዝካየደሉ መዓልቲ ሰኑይ ክንሱ ሃንደበት ዓርቢ ንመጀምርያ ግዜ ብጉልባብ ዕቑር ሰራዊት ዝኾነ ካብ 40 ዕድመ ንላዕሊ ንሓጺር ተዓሊም ኢሎም ከካብ ስርሑ ከምዝኸይድ ተጌሩ። ቆጸራ ህዝቢ ኩሎም ኣባላት ስድራ ዘይብላን፡ ቀንዲ ተጸዋዒ ኣባል ስድራ ኣብ ዝቦኸረሉ ክካየድ ዝለዘይክእል ከምዝደናጐ ተጌሩ። ከም ኣገባብ ቀንዲ ተጸዋዒ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ቆጸራ ህዝቢ ክካየድ ብዓውዲ ስነህዝቢ ቅኑዕ ስለዘይኮነ ክሳብ ቀንዲ ተጸዋዕቲ ዝምለሱ ክደናጐ ተወሲኑ። ኣብ’ቲ ዝተባህለ እዋን ስለዘይተመለሱ፡ ቆጸራ ህዝቢ ዞባ ማእክል1999 ከም ኩሉ ካልእ ሃገራዊ ጉዳያት ክሳብ ሎሚ ከይተገብረ ተደናጉዩ ይርከብ።

እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ ተመሃሮ ምስ ሓፋሽ ከይራኸቡ፣ ቆጸራ ህዝቢ ንኢሰያስን ጉጅልኡን ስለዘስግእ፣ ሃገርን ህዝብን ብኡ ኣቢሉ ናብ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ከይኣቱን ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት ጽጹይ ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝቢ ንከይህልወን፡ ኮነ ኢልካ ዝተሰናኸለ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም ከምዝነበረ ምፍላጡ የድሊ። ካልእ ብሰንኪ ቆጸራ ብህዝቢ ክፍለጡን ክኽሽሑን ዝኽእሉ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ንግዚኡ ክዛረበሎም ዘይመረጽኩ፡ ከምዝነበሩ’ውን ጸኒሑ ክብጻሕ ተኻኢሉ’ዩ።

ኢሰያስን ጉጅልኡን ብተመሃሮ ተደፊርና ዝብል ቂም ቋጺሮም ስለዝነበሩ፡ ኣይጸንሑን ብኣዋጅ ነዛ ኹላ ተመሃራይ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ተጌሩ ብዘይፍለጥ መንገዲ፡ ብሽም ማእቶት ኣኪቦም፡ መጀመርያ ኣብ ጎልጎል ጉልጅ ብዘይ ተሓታትን መደብን ብማይን ቁርን ኣቐጥቂጦም፡ ድሕሪ ቁርብ ማዓልታት ናብ ዓሊግድር ኣስጊሮሞም። ኣብ ዓሊ ግድር ኮረኔል ደበሳይ ግደይ ከዘራርቦም መጺኡ፡ እንተኾነ ተመሃሮ ብባጫ ምስተቐበልዎ ተሰናቢዱ ከፈራርህ ፈቲኑ፡ መን እሞ ክሰምዖ። ኣይጸንሑን ንምስጦፋ ኑርሑሴን ሰዲዶም ብምምስሳል ከተሃዳድኡ ፈቲኖም፡ ተምሃሮ’ውን ደገፍ ስለዝሰኣኑ ቁሩብ ተዳኺሞም ኣብ ልዝብ ኣትዮም።

ኣብ ጉልጅን ዓሊግድርን ዋላ እንተዘይነበርኩ፡ ወኪል ማሕበር ተመርሃሮ ብኣካል ከይዱ ዘምጽኦ ጸብጻብ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ምንባሩ እዝክር። ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ብጽሒት ምስቶም ኣብ ኣስመራ ዝተረፉ ተሪፈ ብጉዳይ ተመሃሮ ምስ ሰበስልጣን ላዕልን ታሕትን ንበሃሃል ኔርና። ድሒርና ከምዝበጻሕናዮ ገለ ኣባላትና ብየማነ ገብረኣብ ክዝወሩ ስለዝጀመሩ ጉዳይ ተባላሽዩ። ብዛዕባ ሃለዋት ተመሃሮ ኣቐዲሙ ቀሪቡ ዝነበረ ጽብጻብን ብዓል የማነ ገብረኣብ ኢዶም ምስ የእተዉሉ ድሒሩ ዝቐረበ ጽብጻብን ንማሕበር ተመሃሮ ዘሕፍር ኔሩ።

ተመሃሮ ግዳይ ከይኮኑ ብዝኾነ ከምዝምለሱ ክንገብር ኣለና ተባሂሉ ብመንገዲ ወልደኣብ ኢሳቕን ሃይለ ወልደትንሳኤን መፍትሒ ተረኺቡ፡ መጀምርያ ተመረቕቲ ከምዘርክቡ ተጌሩ፡ ድሒሮም ብሙሉኦም ናብ ምህሮኦም ተመሊሶም። ብድሕሪ’ዚ ማሕበር ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ካብ ኢድ ተመሃሮ ከምዝወጽእ ተጌሩ። ድምጺ ተመሃራይ ዓቢስካ ስለዘይዕበስ ግን፡ ኣብ 2001 ዓመተ ምህረት ናይ ክልተ ተመሃሮ ሂወት ዝወሰደ ደጊሙ ዝተለዓለ ምንዕዓብ ተመሃሮ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ኣነ ዝርከቦም ኣስታት 120 ዝኾኑ ተመሃሮ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቃጽያ ሕነ ክፍደየናን መምሃሪ ክንከውንን ስለዝተደለየ፡ ናብ ሳዋ ተወሲድና ዓመት ተኸላቢትና፡ ሳልሳይ ወራር ንዓና ክብል መጺኡ ከቲትና፡ ሳልሳይ ወራር ምስተዛዘመ ጉዳይና ተሸፋፊኑ ተሓሊፉ። ሳልሳይ ወራር ንዓና ክብል መጺኡ ክብል ከለኹ ዘውረዶ ሳዕቤን ስለዝዘንጋዕኩ ዘይኮንኩስ፡ ክሳብ ክንደይ ምረት ከምዝነበርና ክገልጽ ስለዝደለኹ ምዃነይ ክትርዱኡለይ ተስፋ እገብር። ካብ ኲናት ዝኸፍእ ሂወት ከምዝነበረና ክገልጽ’ውን ስለዝደለኹ እየ። ከም ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሕቶ ኣብ እዋኑ ምልዓሉ ስለዘይተርፎ ንሕጂ ህሉው ኩነታትና ኣብ ግምት የእቲኻ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን።

5 1 vote
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments