ሕቶታት ካብ ግዱሳት፡ ኤርትራ ካበይ ናበይ፧

  

ሕቶታት ካብ ግዱሳት

ትማሊ ምሸት ኢሰያስ ዓንደማርያም ዝበሃል ኣብ’ዘን ዝስዕባ ሕቶታት ዘለኒ ሕሳብ ከካፍሎ ብስቱር ሳንዱቕ ተወኪሱኒ። ኣብ’ተን
ቀዳሞት ኣርባዕተ ሕቶታት ሓሳበይ ከፍስስ ምስ ጀመርኩ ተዳኺመ። ገሊኡ ሕቶታት ናይ ምድርራብ ኣንፊ ስለዘለዎ ኣብ ሓደ
ክካተት ዝከኣል ይመስል። ብኾነ ዓቅምኹም ጌርኩም ንኢሰያስ ዓንደማርያም ‘ታግ’ ጌረዮ ኣለኹ ወስ በልዎ።

ሕቶታት

1. ህዝቢ ኤርትራ መን’ዩ፧
2. ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ሽግር እንታይ እዩ፧ (ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩም፧)
3. ናይ እቲ ሽግር መፍትሒ መንገዲ እንታይ እዩ፧
4. ረብሓ ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ እንታይ ይመስል፧ እንታይ ከ ክመስል ይግባእ፧
5. ቁጠባዊ መሰረት ኤርትራ እንታይ እዩ? ምስ በዓልመንን ብኸመይን በዚጉዳይ ኤርትራ ክትመሓዞ ይግባእ፧
6. ጂኦ-ፖለቲካዊ ሃዋህው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራ በኸመይ ይጸልዋ? እንታይ ዓይነት ምሕዝነት ምስ ብዓል መን የድልያ፧
7. ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ወሽመጥ ባሕሪ ዓረብ ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣዕራብ ዓድታትን ምስ ኤርትራ ዘለወን ዝምድና እንታይ
ይመስል፧ እንታይ ክመስል ከ ይግባእ፧
8. ሓያል ጎኒታት ህግደፍ እንታይ እዩም፧
9. ድኹም ጎንታት ህግደፍ (ዘይመለሶ ምሕቶታት) እንታይ እዩም፧
10. ህግደፍ ምስዘይህሉ ድኹም ጎንታት ህግደፍ ኣመሓይሹ (ሕቶታት መሊሱ)፣ ነእቶም ሓያላት ጎንታት ህግደፍ ከቕጽል ዝኽእል
ውድብ ኤርትራ ኣሎ ዶ፧
11. ኣወዳድባ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ እንታይ ይመስ፧
12. ኣብ ውሽጢ ዓዲ (ኤርትራ) ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ምዕራባውያን ዓድታት ዝነብሩ ኤርትራውያን
ናይ ተቓውሞ ቃልሲ እንታይ ይመስል፧ ተዋዲዶም ናይ ምስራሕ ኩነታቶም ከ እንታይ ይመስል፧
13. ደገፍቲ ናይ እዚ ቃልሲ ብዓል መን ክኾኑ ይኽእሉ፡ ንምንታይ፧
14. ተቓወምቲ ናይ እዚ ቃልሲ ብዓልመን ክኾኑ ይኽእሉ፡ ንምንታይ፧
15. ንጹር መስመር (ስትራተጂ) ቃልሲ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣሎ ዶ፧
16. ክንዮ ምልዋጥ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ እዚ ቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይረብሖ፧

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments