ጽልዋ ስርዓተ ክብርታት ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት

  

5. ቁጠባዊ መሰረት ኤርትራ እንታይ እዩ፧ ምስ በዓልመንን ብኸመይን በዚጉዳይ ኤርትራ ክትመሓዞ ይግባእ፧

ቀንድን ዝዓበየን ምንጪ ቁጠባ ኤርትራ ሰብኣዊ ዓቅማ ምዃኑ ኣብ ግብሪ ዝተረኣየ ስለዝኾነ ንሕጂ ብዙሕ ምግላጽ ዘድልዮ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ጥራይ እንተርኢና ኤርትራውያን ኣውፈርትን ተወፋሮን ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ዘመዝገብዎ ዝምስገን ኣበርክቶ ዕዙዝ ምስክር ስለዝዀነ። ካልእ ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ዓቅሞም ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዶም ልኣላውንት ሃገሮም ምውሓሶም ተወሳኺ መርኣያ ብቕዓት ዓቕሚ ኤርትራውያን ከም መርትዖ ክጥቀስ ይከኣል። ሰብኣዊ ዓቅሚ ርእሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ዓውዲ’ኳ እንተዀነ ምስ መባእታዊ ስነቁጠባን ማሕበረሰባዊ ክብርታትን ኣዛሚድካ እንታይ ከምዝመስል ምርኣዩ ሓጋዝን ልዑል ኣገዳስነትን ስለዘለዎ፡ ንዝያዳ ርድኢት ድማ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምርኣዩ ውጽኢታዊ እዩ።

ብመባእታዊ ስነቁጠባ ኣገላልጻ፡ ምንጪ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ብሰብኣዊ ዓቅሚ፣ ውህሉል ሃብትን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ተጠቓሊሉ ክግለጽ ይከኣል። ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ካብ ዝሕረስ መሬትን ዝስተ ማይን ጀሚርካ ክሳብ ዕደናታት ጥረ ነገራት፣ ክቡር ዕንቁታትን ነዳድን የጠቃልል። ውህሉል ሃብቲ፡ ዜጋታት ብጻዕሮም ንዘፍረይዎም ኩሎም ዓይነት ሃብቲ የጠቃልል። ዜጋታት ዘፍረይዎ እኩብ ሃብቲ ኣብ መመስርሒ ትካላት፣ ዓብይቲ ናውትን ህንጻታትን ኣዋፊሮምም ዘካዕብትዎ ሃብቲ ከም ዘይንቀሳቐስ ውህሉል ሃብቲ ክግለጽ ከሎ። ዜጋታት ብጥረ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝሓዝዎን፡ ዝውንንዎም ዝተፈላላዩ ብርክታትን ኣባትርን ከም ተንቀሳቃሲ ውህሉል ሃብቲ ይግለጽ።

ሰብኣዊ ዓቅሚ፡ ዝበዝሕ ግዜ ንተራ ጉልበትን ፍልጠትን ሰባት ጥራይ ከም ዘጠቃልል’ዩ ዝግለጽ። እዚ ኣገላልጻ ንሰብኣዊ ዓቅሚ ከም ምንጪ ቁጥባ ኣካታዒ ይገብሮ። ምኽንያቱ፡ ፍልጠትን ጉልበትን ስብኣዊ ዓቕሚ ናይ ገለ ሃገራት ብተዛማዲ ተመሳሳሊ ክንሱ ደረጃ ቁጠባዊ ዕቤተን ግን ኣዝዩ ገፊሕ ጋግ ከምዘለዎ ብቐሊሉ ክትዕዘብ ስለዘየጸግም። ትሕዝቶ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝፈጠሮ ፍልልይ ከይከውን ትብለሉ’ውን ኣይኰነን።

ንኣብነት ቻይናን ህንድን ኣዛሚድና እንተርኢና፡ ክልቲኤን ሃገራት ብሰብኣዊ ዓቕመን ተመሳሰልቲ ክኾና ከለዋ፡ ብትሕዝቶ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ’ውን ብዙሕ ፍልልይ ዘለወን ኣይኰናን። ክፍለ ዓለማዊ መቓምጦ እዘን ክልተ ሃገራት እንተርኢና’ውን ተመሳሳሊ’ዩ። እዘን ክልተ ሃገራት ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረን ደረጃ ቀጠባዊ ምዕባለ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ምንባሩ ብብዙሓት ተመራመርቲ ስነቁጠባ ብተደጋጋሚ ዝተገለጸ ስለዝዀነ ክውንነታዊ ምንጽጻር ንምግባር ሓጋዚ ይገብሮ። ነዘን ክልተ ሃገራት ንቅድሚት ሓሊፍና ህሉው ደረጃ ቁጠባዊ ምዕባሌአን ምስ እንርኢ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ገፊሕ ቀጠባዊ ጋግ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይመስለንን። ክልተ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ትሕዝቶን ደረጃን ቁጠባዊ ዕብየት ዝነበረን ሃገርት፡ ስለምንታይ’ዩ ብራኸ ዕብየተን ዝተፈላለየ ኮይኑ ንዝብል ሰፊሕ ሕቶ፡ ኣጽቢብና ካብ ኣርእስትና ከይወጻና ብዓይኒ ማሕበረሰባዊ ክብርታት እንታይ ከምዝመስል ገምጋም ምግባር፡ ከመርኣያ ንተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ዕብየት እዘን ክልተ ሃገራት፡ ኣገዳስነት ኣለዎ።። ይኹን ደኣ’በር ኣሃዛዊ ገምጋም ክንገብር ዘኽእለና ውዱዕ ዝተቐመረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዛጊት ዝለዘይቀረበ፡ ዝስዕብ ገመጋም መረዳእታና ዘስፍሕ ኣፈናዊ ትንተና ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

መንቀሊ ፍልልይ ዕቤት ቻይናን ህንድን ጽልዋ ስርዓተ ክብርታት ዘስዓቦ ፍልልይ ክኸውን’ዶ ይኽእል፧ ከምኡ እንተኾይኑ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ደረኽቲ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ዓቐን ጽልዋ ስርዓተ ክብርታት ኣብ ቁጠባዊ ብራኸ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል ዝብል ካልእ ዓቢ ሕቶ ክቕምርዎ ዝፈተኑ ተመራመርቲ ሒደት ኣይኰኑን። ገና ሓባራዊ መረዳእታ ዝተበጽሓሉ ዓውዲ’ውን ኣይኰነን። ይኹን ደኣንበር፡ ጽልዋ ስርዓተ ክብርታት ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ወሳኒ ምዃኑ ዘሟጉት ከምዘይኰነ ዘርኢ ርጡብ ኣመት ኣሎ። እዚ ግን ፍልልያት ደረጃ ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገራት ብስርዓተ ክብርታት ጥራይ’ዩ ዝግለጽ ማለት ኣይኮንን። ምኽንያቱ፡ ተመሳሳሊ ስርዓተ ክብርታት ሃልዩ፡ ብሰንኪ ግዳማዊ ጽልዋ ዘይንቡር ፍልልይ ደረጃ ዕቤት ክህሉ ሓድሽ ተርእዮ ስለዘይኰነ። ንኣብነት ደረጃ ቁጠባዊ ዕቤት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ እንተርኢና፡ ተራ ግዳማዊ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይኰነ ምዕዛብ ይከኣል። ስለዚ፡ ግዳማዊ ጽልዋታት ከም ውሁብ ወሲድና ነዛምድ ከምዘልና ምዝካር አድሊ።

ኣብ ምንጽጻር ክብርታት ቻይናን ህንድን ተመልሲና ምስ እንርኢ። ሓደ ካብቶም ወሰንቲ መዐቀኒ ስርዓተ ክብርታት ማሕበረሰብ ንውልቀሰባት ዝህቦ ኣፍልጦን ክብረትን’ዩ። ብመንጽር ቻይናን ህንድን ክንርእዮ ምስ እንፍትን፡ ኣብ ማሕበረሰብ ቻይና ውልቀሰባት ብጻዕሮም ዕብየትን ማሕበራዊ ክብረትን ንኽረኽቡ ዘተባብዕ ክኸውን እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ማሕበረሰብ ህንዲ ዕብየትን ማህበራዊ ክብረትን ብትውልዲ እንተዘይኰይኑ ውልቀሰባት ብዝገብርዎ ጻዕርን ኣበርክቶን ክኸውን ኣየፍቅድን። ከም ናይ ህንዲ ዓይነት ኣቃውማ ዘለዎም ማሕበረሰባት ንቁጠባዊ ዕቤት ዘተባብዕ ዘይምዃኑ ምርዳእ ኣየጸግምን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጻዕርን ኣበርክቶን ውልቀሰባት ዓቢ ክብሪ ስለዘለዎ ምስ ንቁጠባዊ ዕቤት ዘተባብዑ ማሕበረሰብ ክስራዕ ይከኣል።

ተወሰኽቲ መዐቀኒታት ስርዓተ ክብርታት ከም ምእዝዙነት፣ እሙን ምዃን፣ ኣኽብሮት ምሃብን እምነት ምህላውን ምስ እንርእይ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ከምዚኦም ዓይነት ክብርታት ንቁጠባዊ ዕቤት ብኣሉታ ከምዝጸልውዎ እዮም ዝሟገቱ። እዚ ስነመጐት ካብ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ዝተረኣየ ቁጠባዊ ዕብየት ምዕራብ ኤውሮጳ ዝነቐለ’ዩ። ምዕራብ ኤውሮጳውያን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ከምጽኡ ዝኸኣሉ ቅድሚ ዕብየቶም ዝነበሮም ክብርታት ስለዝደርብዩን ሓደስቲ ክብርታት ምእዙዝ ዘይምዃን፣ ጠላም ምዃን፣ ክብሪ ዘይምሃብ እምነት ዘይምህላውን ስለዘስረጹ’ዩ ዝብል ስነመጐት ክትቕበሎ ዝከኣል ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ቁጠባዊ ዕቤት ድዩ ለውጢ ኣብ ስርዓተ ክብርታት ዘምጽእ ወይስ ስርዓተ ክብርታት እዩም ቁጠባዊ ዕብየት ዝድርኹ ንዝብል ሕቶ ሓጺር መልሲ ክተቕርበሉ ስለዝኸብድ። ቁጠባዊ ዕብየትን ስርዓተ ክብርታትን ከምዝጸላለው ግን ዝኸሓድ ኣይኰነን።

ከምዚ ይኹን ደኣ’ንበር፡ ምዕራብ ኤውሮጳ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ከምጽኡ ዝደረኾም ስርዓተ ክብርታት ምእዙዝነት፣ እሙን ምዃን፣ ኽብሪ ምሃብ እምነት ምህላውን ከምዝነበረ ብዙሕ ቅርስታት ኣብ ባይታ ስለዘሎ ምጉት ዘድልዮ ኣይኰነን። ንኣብነት መሰረት እምነት ምዕራብ ኤውሮጳ ፈጺሙ ካብ ግዜ ንግስነት ሮማ ጀሚሩ ከይተቐየረ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ምዕራብ ኤውሮጳውያን፡ እምነት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ ክብርታቶም ምስቀየሩ እዮም ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ኣርእዮም ዝብል ብማክስ ወበር ተመራማሪ ስነማሕበረስብ ዝቐረበ ስነመጐት ክትቅበሎ ኣሸጋሪ’ዩ። ብኣንጻሩ ስርዓተ ክብርታት ምዕራብ ኤውሮጳ ምስ ምምጻእ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት እንዳተበለለ ክመጽእ ከምዝጸንሐ፡ ማሕበረስብ እተን ሃገራት ባዕሎም ዝእመኑሉ ሓቒ ስለዝዀነ ዘካትዕ ክኸውን ኣይክእልን። ገና መስርሕ ምብላል ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይቕጽል ምህላዉ’ውን ተወሳኺ መመሳኸሪ’ዩ። ከም’ቲ ስርዓተ ክብርታት ክህነጹ ነዊሕ ዘመናት ዘድልዮም ክብለሉ’ውን ክንድቲ ክህነጹ ከለዉ ዝወሰዶ ዘመናት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከምዘድልዮም ብዙሓት ተመራመርቲ ይሰማምዑ። ዝሰረጹ ልማዳት ብቐሊኢሉ ኣይገድፉን ዝብል ብሂል ኣበዋት’ውን ካልእ መራጎዲ ምጕት ክቅርብ ይኽእል።።

ኣብ ቻይና፣ ህንድን ካልኦት ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገራትን እንተርኢና’ውን ተመሳሳሊ ክውንነት ኢና ንዕዘብ። ምናልባሽ ዓይነት ኣምልኾ ክፈላለይ ይኽእል ይኸውን እንበር፡ እምነት ምህላው ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ ምርኣይ ዘጸግም ኣይኰነን። ንኣብነት፡ መሰረት እምነት ቻይና ኮንፊሾን ይብሃል። ፍቕርን ምትሕልላይን ዝዓብለሎም እወታዊ ስርዓተ ክብርታት ከም ምእዙዝነት፣ እሙን ምዃንን ክብሪ ምሃብን ከኣ የስርጽ። መሰረት እምነት ህንዲ ከኣ ሂንዱ ይበሃል። ግዝኣተ ሕልናን ስኒትን ዝዓብለሎ ስርዓተ ክብርታት ዘስርጽ ኮይኑ ፍንፉንን ዘይፍንፉንን ጉንዲ ወለዶ ስለዝጽብጽብ ግን እወታዊ ክትብሎ ኣጸጋሚ ይኸውን። እምነት ከይተረፈ ሕረግ ትውልዲ ፍንፉናትን ዘይፍንፉናትን ጸብጺብካ ስለዝዀነ፡ ህንዲ በዚ’ውን ኣይተሓገዘትን። ጉንዲ ትውልዲ ፍንፉንን ዘይፍንፉንን ኣብ ዝብል ኣምር መሰረት ዝገበረ ኣቃውማ ማሕበረሰብ ቅልጡፍ ቁጣባዊ ዕቤት ከምጽእ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ካብ ናይ ህንዲ ኣብነት ምምሃር ይከኣል።

ስርዓተ ክብሪ ኣብ ምርግጋጽ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ኢንገላርት ሮናልድን መሳርሕቱን ኣብ ናይ 1996 መጽናዕታዊ ጽሑፎም ብከፊል ገሊጾሞ ኣለዉ። ጉልበትን ፍልጠትን ሰብኣዊ ዓቅሚ ንበይኑ ብዘይ እወታዊ ድርኺት ስርዓተ ክብርታት ከምጽኦ ዝኽእል ቁጠባዊ ዕቤት ውሱንን ነዊሕ ግዜ በሊዑን ጥራይ’ዩ ክረጋገጽ ተኽእሎ ዝህልዎ። ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከም ኣብነት ክውሰድ ይከኣል። እዚ ግን ሓደ ስርዓተ ክብሪ ካብ’ቲ ክልእ ይበልጽ ማለት ከምዘይኰነ ክፍለጥ ይግባእ። ከምኡ’ውን ሓደ ስርዓተ ክብሪ ቁጠባዊ ዕቤት ከምጽእ እንከሎ፡ እቲ ካልእ ኣየምጽእን’ዩ ማለት ዘይምዃኑ ምርዳእ አድሊ። እንታይድኣ፡ ኣሉታዊ ድርኺት ዝፈጥር ስርዓተ ክብርታት ኣዝዩ ዘገምታዊ ለውጢ ከምጽእ ከሎ፡ እወታዊ ድርኺት ዝፈጥር ስርዓተ ክብርታት ድማ ቅልጡፍ ዕቤት ኣብ ምምጻእ ዕዙዝ ተራ ይጻወት ማለት ከምዘስምዕ ምዝካር አድሊ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣብ ዓለምና ኣብ ምርግጋጽ ቁጠባውን ባህላውን ዕብየት ምስ ተመሳሳሊ ስርዓተ ክብርታት ዘለወን ሃገራት ክመሓዘዋ እየን ዝረኣያ። እዚ ዝዀነሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን። እወታዊ ድርኺት ዘልዎ ስርዓተ ክብርትት ዘለዋ ሃገር ምስ ኣሉታዊ ድርኺት ዘለዎ ስርዓተ ክብርታት ዘለዋ ሃገር ክትመሓዞ ዝገብራ ዋላሓንቲ ምኽንያት ስለዘየለ’ዩ። ንኣብነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ኣብ ጐዶቦኣ ምስ ዘለዋ ሃገራት ዘይኮነት ትመሓዞ፡ ስግር ባሕሪ ከይዳ ምስ ናታ ስርዓተ ክብርታት ዝመሳሰል ስርዓተ ክብርታት ዘለወን ሃገራት ክትመሓዞ እያ ትመርጽ። እዚ ሃገራት ንዕዳጋ፣ ጥረ ነገራትን ዶብ ሰገር ዋኒናተን ክብላ ውሱን ንግዳዊ ርክብ ኣይገብራን እየን ማለት ኣይኰነን። ውሱን መዝማዚ ንግዳዊ ርክብ ገይረን ኢልካ ተመሓዝየን ክትብለን ዝከኣል ኣይኰነን። ምምሕዛው፡ ኣብ ክልተኣዊ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተመስረተ ድልዱል ሰረት ዘለዎ፡ ርክብ ምግብር ማለት ስለዝዀነ።

ኤርትራ ትገብሮ ምምሕዛው ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓቅታት መሰረት ዝገበረ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኰነን። ኣብ ንቡር ኩነታት ኤርትራ ብተዛማዲ ክትመሓዘወን ትኽእል ሃገራት ኣየኖት እየን ኢልና ምስ እንሓትት፡ መልሱ ኤርትራውያን ኣውፈርትን ተወፋሮን ብብዝሒ ዝኸድወን ሃገራት ብምርኣይ ዝያዳ ግብራዊ መልሲ ክርከብ ይከኣል።

መዋኸሲ
Beverlee B. Anderson, (2012) “Indian cultural values and economic development: an exploratory study”, World Journal of Entrepreneurship, Management and Sustainable Development, Vol. 8 Issue: 2/3, pp.194-201, https://doi.org/10.1108/20425961211247798

Granato, Jim. Inglehart, Ronald, and Leblang, David. 1996. “The Effect of Cultural Values on Economic Development: Theory, Hypotheses, and Some Empirical Tests.” American Journal of Political Science, Vol. 40, No. 3, pp. 607-631.

Lin, Justin Yifu. 2009. “Economic Growth and Chinese Cultural Revival,” published in the Journal of Peking University (Humanities and Social Sciences),46(3).

Weber, M. 1958. The Protestant Ethic and the Spirit of Capitalism. New York: Charles Scribner’s Sons.

5 1 vote
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments