ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ልዝብ ሜላ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ

  

ኣብ መጋቢት 2019 ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዳለወ ምሁራትን ክኢላታትን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ናይ ልዝባት መድረኽ፡ ንርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ብተዛማዲ ብዕምቆት ክዝተየሉ ተሰሚዑ። ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ’ውን ከም ውልቀሰብ ተሳቲፉ፡ ንሰንኮፍን ዘይትካላዊ ኣተሓሕዛ ጽምዶ ኤርታራን ኢትዮጵያን ርትዓዊ መዘክር ሂቡ። ኣስዒቡ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ኣገዳስነት ጎዶቦኣዊ ውህደት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ከይዲ ኣርባሒ ስለዝኾነ ብምእኩል ኣገባብ ክድፈኣሉ ተላብዩ። እንተኾነ ብዙሓት ኤርትራውያን ጎዶቦኣዊ ውህደት ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዚኡ ከምዘይኮነ ይምጉቱ። ብሑጋ ልኡላውነት ኤርትራ ንምግሃስ ዝተሃንደሰ ከይከውን ዝሰግኡ ኤርትራውያን’ውን ሒደት ኣይኮኑን።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣቶ ዓብዱል መሓመድ፡ ኣማኻሪ ፖለቲካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ፡ “ተሰማዕነትን ኣድድማዕነትን ኢትዮጵያ ኣብ ጎዶቦኣውያን፣ ኣህጉራውያንን ዓለም-ለኻውያን ትካላት ተጠቒምና ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝሕሎ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለና ኢሉ” ጸቒጡ ተዛሪቡሉ። እዚ ክኸውን ዘድልየሉ ምኽንያት ኣቶ ዓብዱል ክገለጽ ከሎ፡ “ኢትዮጵያ ኣካል ቀይሕ ባሕሪ ዝለዝኾነት እያ ኢሉ”። ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ከየልዓለቶ ምጽንሓ፡ ኣቶ ዓብዱል ከም ከም ዓቢ ክድገም ዘይብሉ ጌጋ ይገልጾ።

ሓደ ካብ ተላዘብቲ ኣምባሳደር ሑርይ ኣማኑኤል ዝበሃል’ውን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ጽምዶ ብምግባረን ባህ ዘይበለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣለዋ ንዝብል ምጉት መመሳመሲ ክህበሉ ፈቲኑ። ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል ኣብ መግለጺኡ፡ እኳደኣ ብኣንጻሩ ጎረባብቲ ባህ ክብለን ኣለዎ ኢሉ። ኣስዒቡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ኲናት ዶብን ድሕሪኡን ንጎረባብትን፡ ንትካል በይነ-መንግስታዊ በዓል መዚ ንልምዓትን ሓድነት ኣፍሪቃን ኣብ ጎና ኣሰለፋ ምንባራ ኣይከወለን። ኢትዮጵያ፡ የመን፣ ሱዳንን ጅቡትን ዝርከብኦ ብመድረኽ ሰንዓ ዝፍለጥ ሓባራዊ ትካል ከምዘቖመት’ውን ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል ኣይሓብአን። መድረኽ ሰንዓ ከም ትካል ከም’ቲ ዝበሃል ንኤርትራ ንምኽባብን ንምንጻልን ዝቖመ ከምዘይነበረ ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል ኣሉ ክብል ይስማዕ። ጽምዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ እዘን ዝተጠቐሳ ትካላትን ሃገራትን ዋላሓንቲ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል ከረድእ ፈቲኑ። ብኣንጻሩ ጽምዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝያዳ ምቅርራብን ሓባራዊ ስራሕ ከሰስን’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ይብል ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል።

ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል ዘረብኡ ብምቕጻል ምናልባሽ “ትካል በይነ-መንግስታዊ በዓል መዚ ንልምዓት ብኣሉታ ክጽሎ ይኽእል ይኸውን” ይብል። ምኽንያቱ “እቲ ትካል ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጸግዒ ወሲዱ ስለዝነበረን፡ ኤርትራ ተመሊሳ ኣባል ናይ ሙዃን መደብ ስለዘይብላን” ክብል ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል ንሻራነት በይነ-መንግስታዊ በዓል መዚ ንልምዓት ኣቃሊዑ። ዕጫ መድረኽ ሰንዓ እንታይ ከምዝኸውን ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ፡ ኣምባሳደር ሕሩይ ኣማኑኢል፡ ኩነታት የመን ከምኽንያት ኣቕሪቡ ምብቃዕ መድረኽ ሰንዓ ኣተንቢሁ።

ኢትዮጵያ ከም ጲላጦስ ኢዳ ኣብ ምጽራይን ብምስምስ ጎዶቦኣዊ ውህደትን ብጸቕጢ ኣህጉራውያንን ዓለም-ለኻውያን ትካላትን ብሑጓ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ትጓየ ከምዘላ ብዘይ ሕብእብእ ዓው ኢላ ትነግር ኣላ። ኢትዮጵያ ከምዚ ምግባራ ህዝቢ ኤርትራ የኽብሮን ይድግፎን ክሳብ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዘይገሃሰ።

4 2 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments