እንታይ ዓይነት ለውጢ፧

  

ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዓለምና ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜናዊ ክፋል ኣፍሪቓን ምልካውያን ስርዓታት ብድፍኢት ምንዕዓብ ህዝቢ በትረ ስልጣን ክምንዝዑ ዝተረኣየሉ እዋን እዩ። ኣንጻር ምልኪ ክኸዱ ዝጸንሑን ዝከዱ ዘለዉን ህዝባውያን ናዕብታት ብመልክዕ፣ ውዳበ፣ ዝደለ ውጽኢት፣ ረስኒን ሓይሊን ፍልልይ ትዕዘብ። እዚ ከኣ ብክውንነት ክምከት ዝተደለየ መላኺ ስርዓት ስለዝውሰን’ዩ።

ህዝባዊ ናዕቢ ንለውጢ ክልዓል ዝደፍኡ ሓይልታት ኮኑ ገባራውያን ማሕበራት ስለዝጎስጎሱ ጥራይ ዝለዓል ከምዘይኮነ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ዕዉት ህዝባዊ ናዕቢ ክለዓል እንተኾይኑ ብውሕዱ ክልተ ቅድመ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ። ቀድማይ ቅድመ ኩነት፡ ዓላማን ጥሙሕን ደፋእቲ ሓይልታትን ገባራውያን ማሕበራትን ንጹር፣ ክውነታውን ሓቛፍን ክኸውን የድሊ። እዚ ማለት ባህጊ ህዝቢ፣ ዝበዝሑ ኣካልት ሓይልታት ምክልኻልን ድሕነትን፣ ናይ ኩሎም ገባር (እንኮላይ ተጋደልቲ ነበር) ሰራሕተኛታት መንግስትን ሰብ ዋኒንን ዘማእክል ክኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ።

ኣህጉራውያን ተረባሕትን ግዳማውያን ኣውፈርትን ኣብቲ ክዕወት ዝድለይ ዘሎ ለውጢ ዝህልዎም እጃም ካልኣይ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት’ዩ። ስለዝኾነ ደፋእቲ ሓይልታትን ገባራውያን ማሕበራትን ብዘይ ሕብእብእ ምስ ህዝብን ዝምልከቶም ሰብ ብርክን ብግሉጽነት ክዝትይሉ ይግባእ። ከምዚ ምግባር ነቲ ድሕሪ ለውጢ ክፍጠር ዝድለይ ክውንነት ንጹር ስእሊ ክህብ ስለዝኽእል።

ኣብ ታሪኽ ዓለምና ሒደት ምልካውያን ስርዓታት ብሰንኪ ተፈሮኣዊ ሕልፈተ ሂወት ውልቀ መለኽቲ ብዘይጎነጽ ለውጥታት ክመጹ ክኢሎም እዮም። ንኣብነት ድሕሪ ሞት ማኦ ዥዶንግ ዕጫ ቻይናውያን፡ ድሕሪ ሞት ጆሰፍ ስታሊን ዕጫ ራሻውያን፡ ከምኡውን ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ ዕጫ ኢትዮጵያውያን ብኣወታ ክልወጡ ተራእዮም። እንተዘይኮኑ ዝበዝሑ ምልካውያን ስርዓታት ብጎነጽ ክእለዩ እዮም ዝረኣዩ። ጎነጻዊ ለውጥታት ብመንገዲ ዘቤታዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ዕልዋን ግዳማዊ ምትእትታውን ክኽሰቱ ይረኣዩ።

ዕልዋን ግዳማዊ ምትእትታውን እቶም ቀንዲን ዝውቱራትን ኣገባባት ከምዝኾኑ ብምዝኽኻር፡ ክልተ ካብ ወሰንቲ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ለውጥታት ጠቒስና ናብ ዛዕባና ክንምለስ። ቀዳማይ ናይ 1949 ዓ.ም. ምእላይ ሃገራዊ ሰልፊ ቻይና ካብ ስልጣን ብዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኣገዳሲ ኣብነት ለውጢ ብዘቤታዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክኸውን ከሎ። እቲ ካልኣይ ምእላይ ዓሌታዊ መንግስቲ ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምውህሃድ ዘቤታዊ ዕጥቃዊ ቃልስን ህዝባዊ ናዕብን እዩ። ምእላይ ዓሌታዊ መንግስቲ ኣፓርታይድ ብሱታፌ ህዝብን ብሰላማዊ መንገድን’ዩ ተፈጺሙ ዝብል መጎት ኣሎ። ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ዕጥቃዊ ቃልስን ህዝባዊ ናዕብን ዝመጸ ለውጢ፡ ብሱታፌን ሰላምን’ዩ ተረጋጊጹ ምባል ላግጺ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ብሰንኪ ተበላጽን ሰንኮፍን ዋዕላ ዕርቀ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቓ፡ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምሉእ ዋንነት ረኺቦም ክበሃል ዝከኣል’ውን ኣይኮነን።

ለውጢ ብህዝባዊ ናዕቢ ጀሚሩ ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ከምርሕ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብኣዝዩ ሓላፍፍነታዊ ኣገባብ ክምእዘን የድሊ። ግዳማዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝዕድም ከይከውን ግሉጽን ንጹርን ዓላማ ክህልዎ ይግባእ። ኣብ ሶርያን የመንን ዝተረኣየ ህዝባዊ ናዕብታትን ዝስዓበ ሞትን ዕንወትን ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ምርኣይ እኹል እዩ። ኢድ ደፋእቲ ሓይልታትን ገባራውያን ማሕበራትን ኣብ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሶርያን የመንን ዕዙዝ ከምዝነበረ ሓቢእካ ዝሕባእ ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ክፍለጥ ዘለዎ እቲ ኣገዳሲ ንለውጢ ምቅላስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጹርነት ብዛዕባ ክዕወት ዝድለይ ዘሎ ለውጢ’ዩ። ክዕወት ዝድለይ ዘሎ ለውጢ ምስ ኩሉ መሓውራቱ፣ ኣማእዘንቱ፣ ደገፍቱን መወልቱን ብንጹር እንተዘይተዋዲዱን ናብ ህዝቢ ቀሪቡን፡ ኩሎም ሰብ ብርኪ ክዓስልዎ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ይኸውን። ንመለኽቲ ከኣ መስተርሆት ይህብ። ናይ ዓቅሊ ጽበት ግሉጽነት ዝጎደሎ ለውጢ እንተመጸ’ውን፡ ንግዚኡ መፍቶ ጎሓላሉ ናይ ሙዃን ተኽእሉኡ ዝበረኸ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ናብ ዘየድሊ ረጽሚ ከእቱ ስለዝኽእል ሓርጎጽጎጽ ከይመጽእ ምስትውዓል የድሊ።

ሕሰም ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋናት ህዝቢ ለውጢ ክደልይን፡ ንለውጢ ክጽዕትን ንቡር መስርሕ ናይ ሂወት እዩ። ይኹን ደኣ’ንበር ሰብ ብርኪ ብግቡእ ከየዕሰልካ ተሃንዲድካ ኣብ ምረት ህዝቢ ጥራይ ተሞርኪስካ ሃንደራእ ምባል ኣብ ዘየድሊ ክሳራ፣ ዕንክሊልን ፍሽለትን ከእቱ ከምዝኽእል ዘይምርሳዕ። ንኣብነት ኣብ መወዳእታ 1980ታት ዝተረኣዩ ፍሽለታት ህልቂት ሜዳ ቲናመንን ኣብ ቻይናን ጭፍጨፋ በርማን ብሰራዊት በርማ ብምውካስ እኹል መረዳእታ ክርከብ ይከኣል።

ኩነታት ኤርትራ

ንለውጢ ዝድርኹ ኣለዉ ዝበሃሉ ቅድመ ኩነታት ዒቅ ኢሉ መሊኡሉ ኣብዘሎ እዋን “ስለምንታይ እዩ ንለውጢ ዝእንፍት ምንቅስቃሳት ኣብ ኤርትራ ብቅሉዕ ዘይረኣይ፧”። ኮነ ኢልካ ዝተሰርሓሎም ንለውጢ ዘይዕድሙ ግብረ እከያት ንጎኒ ገዲፋና፡ ጩራ ለውጢ ከምጽኡ ኣብ ዝኽእሉ ክውንነታት ምስ እነተኩር፡ ኣብ መበገስን ከይድን ንጹርነት ዘይምህላው ከይከውን ዝብል ኣመት ኣሎ። ኣብ ዘይትፈልጦ ጎላጉል መንገዲ ስሒትካ እንተኼድካ፡ መጀመርያ ኣብታ መንገዲ ዝሰሓትካላ ቦታ ምምላስ ንዝቕጽል ጐዕዞ ዝሓሸን ዘተኣማምንን ይገብሮ። ኣይፋለይ ካብ ዝምለስ ኣቛሪጸ ክኽይድ እሕሸኒ ምባል ኣብ ሸንኮለል ምእታው ስለዝኸውን። ሕጂ ከኣ ዝሓሸን መንገዲ ሰላምን፡ ናብ ናይ ቅድሚ 1998 ዓ.ም. ዝነበረ ኩነታት ተመሊስካ ጉዕዞ ምጅማር ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዘዕስል ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ገምጋም ኣሎ። ብዕምቆት ፈቲሽካ ብዘስርሕ መልክዑ ምርዓሙ ተመራጺ ይመስል።

ርግጽ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15 ኣብ ኤርትራ ብዘሕምም መልክዑ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ጽቡቕ ድሌት ኣይጸንሐን። እዚ ግን ዋላሓንቲ ከምዘይነበረን ዘየለን ጌርካ ዘውስድ ኣይኮነን። እኳ ድኣ ጉጅለ 15 ዋጋ ዝኸፈሉሉ ብዙሕ ኣበራትን ጉድለታትን ዝነበሮ ግን ዝሰርሕ መንግስታዊ ቅርጺ፡ ትካላትን እኹል መወከሲ ሰነዳትን ኔሩ እዩ። ማእሰርቶምን መስዋእቶምን ዘሕመና እንተኾይኑ፡ ነቲ ንሶም ኣብ ግብሪ ክውዕል ዋጋ ዝኸፈልሉ፡ ዝነበረ ሓውሲ ትካላዊ ኣሰራርሓን ሕጋውነትን ይረጋግጽ። ብምስዓብ ምስ እዋኑ ዝኸዱ ብሕጋውን ትካላውን ኣገባባት ምትዕርራያት ክግበር ዘይከኣል ኣይኮነን።

ዝነበረን ዋጋ ዝተኸፈሎን ጎሲኻን ዋጋ ዝኸፈሉ ብሂወት እንዳሃለዉን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምእምእን ዝሓይሸን ተባሂሉ ሓድሽ፡ ብሽም ምሰጋገሪ፡ ድሕሪ ለውጢ ዝኾነና እንዳበልካ ምሽብሻብ ጸገም ዝፈጥርን፡ ኣብ ዘየድሊ ኣነነት ዘእቱን ከይከውን መሰረት ዘለዎ ስግኣት ኣሎ። ብህዝቢ ዝድለይ ዘሎ ቅልጡፍ ገልጠምጠም ዘይብሉ ለውጢ ከይደናጔ ኣካይዳ ምጽባቕ የድሊ።

ኣብ ኤርትራ ብጀካ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ጽቡቕ ድሌታት፡ መበግስን መሰጋገርን ዝኸውን ምስ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዝኸይድ፡ ዝኣክል ዝተርፍ መወከሲ ሰነዳት ኣሎ። የለን ዝበሃል እንተኾይኑ፡ ምኒስተር ገንዘባዊ ምሕደራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣብ መጻሕፍቱ ዝዘርዘሮም ክውንነታት መልሲ ክወሃቦም ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ብርሃነ ኣብረሀ ዝዘርዘሮም ክውንነታት ናይ ብዙሓት ሰብ ብርክን ደፋእቲ ለውጥን መርገጺ ክኾኑ ስለዝኽእሉ። ምስ ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ከይተናበብካ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ሓደስቲ መወክሰሲ ሰነዳት ከርቕቕ እየ ምባል፡ ንለውጢ ትርጉም ምኽላእ ከይከውን ኣርሒቕካ ምሕሳብ ይምረጽ።

ብውሽጥን ግዳምን ተራጸምቲ ቅድመ ኩነታት ሒዝኻ ለውጢ ምሕላም ኣጸጋሚ እዩ። ድሕሪ ለውጢ’ውን ርግኣት ዝፈጥር ኣይኮነን። መበገሲ ሕንጻጻት፡ ብምትእኽኻባት ደረጃን፣ ብዓድን ግዳምን ኣቐዲሙ ክንጽር ኣለዎ። ንድሕሪ ለውጢ ዝኸውን ነናትካ መበገሲ ሕንጻጻት ምህላው ማለት ብዘየማትእ ዘመንገዲ ምልክን ቀይዲ በተኽነትን ክተንግስ ምድላይ ማለት እዩ። ናይ ሓባር ንጹር መበገሲ ዝኸውን ሕንጻጽ ከይሓዝካ ፍሒት ክበሃል ዝከኣል’ውን ኣይኮነን።

ይቕጽል…

እቛዕ ኣብ ትንሳኤኡ ኣብጽሓና።

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments