ስለምንታይ ለውጢ ተጓቲቱ፧

  

ለውጢ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ተጓቲቱን ገና ይጓተትን ኣሎ። ስለምንታይ እንተተባህለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይስሙ ብምሃብ ይመኻነ። ብኣንጻሩ ትዕግስቱ ከመጉሶ’ዩ ዝግባእ። ትዕግስቱ ዋጋ ኣኽፊልዎ ዶ፧ እወ። ኣዝዩ ከቢድ። ብሕጂ’ውን ዝኸበደ ዋጋ ከይሕተት ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ዛጊት ካብ ስክፍታ ዘድሕኖ መሪሕ ውዳበ’ውን ኣይፈጠረን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ኩነታት እንዳሃለወ ብኸመይ ካብ’ዚ ተሸሚምዎ ዘሎ ኣደራዕ ክገላገል ይሕሰብ፧

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዝዓስልዎ መሪሕ ውዳበ ክውን ክኾነሉ ዝኽእል ምቹእ ባይታ ክፍጠር ይግባእ። ከምኡ ምዝኸውን ህዝብን ሃገርን ካብ ዘየድሊ ሓርጎጽጎጽ ምድሓነ። ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ንለውጢ ግን ከምኡ ኣንፈት ዘለዎ ኣይመስልን። ብጀካ ዝገበርካ ጌርካ ህግደፍ ምእላይ። ህግደፍ ምእላይ እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓሳብ ደረጃ ሓባራዊ መረዳእታ ኣሎ ኢልካ’ውን ክትዛረበሉ ኣይከላን። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ቅሳነትን መመሊሱ ይርሕቆ። መሪሕ ውዳበ ከይፈጥር ከኣ ተዓናቒፉ ኣብ ዕንክሊል ኣትዩ ይርከብ።

ቅልጡፍን ውሑስን ለውጢ ክረጋገጽ፡ ህግደፍ ምእላይ እንታይ ማለት ሙዃኑ ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዝሰማምዑሉን ዝዓስልዎን ሓሳብ ክፈስስን ኣብ ምርድዳእ ክብጻሓሉን ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ኣብ ሓደ ዘዕስል ትርጉም፡ ብምምስሳልን መትከላዊ ዘይኮነ ሕድገታት ብምግባርን ዝመጽእ ኣይኮነን። ኣብ ዘይክማህ መትከላት ደው ዝበለን ንዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዘማእከለን ምስዝኸውን ጥራይ’ዩ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከብጻሕ ዝኽእል። ሓባራዊ ምርድዳእ ተበጺሑ ማለት ከኣ መሪሕ ውዳበ ተፈጢሩ ኣሎ ማለት’ዩ።

ጎቦጎቦ እንዳኸድካ መሪሕ ውዳበ ክፍጠር ዝከኣል ኣይኮነን። እዞም ጎቦጎቦ እንዳኸድኩም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክተራጥጡ ትደልዩ፡ ተመዅሊኻ ኣብ ኮረሻ ስልታን ክትጸንሕ ምድላይን ክትድይብ ምምጥጥርን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ከምዝኾነ ዘኪርኩም ኣብ ልብኹም ተመለሱ። ንመሰጋገሪ እዋንን ንዋዕላ ዕርቀ ሰላምን ምድላዋት ክግበር ኣለዎ እንዳበልካ ብዘይ ባርኾት ዝርካቦም ሰብ ብርኪ ምሽብሻብ ድሓር ምእርናቡ ከይከፍኣና ስክፍታ ኣሎ።

እዚ ማለት ግሉጽነትን ተሓታትነት ዘለዎ ፍሉይ ውዳበን ንኾንደኾን ዝኸውን መወከሲ ሰነዳትን ኣይሃሉ ማለት ኣይኮነንን። እኳ ድኣ ከምዝህሉ ክግበር ኣለዎ። ግሉጽነትን ተሓታትነትን ሃሊዎ ብህዝቢ ዝውነንን ዝምእዘንን ክኸውን ግን ይግባእ። ብዝርካቦም ሰብ ብርኪ ውክልና ዘይብልካ ክንስኻ ብሽም ህዝብን ሃገርን ንኽትመሻጠር ዝዕድም ከይከውን ምጥንቓቕ የድሊ። ንሰብ ብርኪ ሸለል ምባል ዋጋ ከምዘኽፍል ዘይምዝንጋዕ፡ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ናትና ሕብረተሰብ። ብተወሳኺ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝምልከት መጽናዕታዊ ይኹን ህዝባዊ ዋዕላ ብቋንቋ ትግርኛ ወይ ሓደ ካብ መበቆላዊ ቋንቋ ኤርትራ ክኸውን ይግባእ። ሃገራዊ ዋዕላታት ብባዕዳዊ ቋንቋ ምክያድ ቀደም ኣይጠቐመና ብሕጂ’ውን ክጠቕመና ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

እሞ ብኸመይ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጻሕ ይከኣል ንዝብል ሕቶ ምልሱ ብውዲት ክሽራረፍ ጥራይ ስለዝጸንሐ፡ ምጥቅላሉ ህልኽ ኣወዳእን ኣድካም ከይኮነ ዝተርፍ ኣይመስልን። ህግደፍ ክእለይ ኣለዎ ኣብ ዝብል ጥቕሉል ኣረዳድኣ ስምረት ዘሎ ይመስል። ኣብ ትርጉም ህግደፍ ምእላይ እንታይ ማለት ሙኹኑ ግን ስምረት ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ምስ’ቲ ክኸይድ ዝጸንሐን ዝኸይድ ዘሎን ዕብሎኻታት፣ ግብረ ራዕድን መናውራታትን፡ ህግደፍ ምእላይ እንታይ ማለት ሙዃኑ ዝተፈላለየ ትርጉም ክወሃቦ ንቡር’ዩ። ትርጉም ምእላይ ህግደፍ ብዓይኒ ስሩዓት ህግደፍ ንጎኒ ገዲፍና፡ ብዓይኒ ደለይቲ ለውጢ እንታይ ከምስዝመስል ምርኣዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ትንክፍ ክነብሎ ኢና። ምእላይ ህግደፍ ብዓይኒ ደለይቲ ለውጢ ኣቕልል ኣቢልካ ምስ ዝርኣይ፡ ኣብ ክልተ ኣተረጓጕማ ክጠቓለል ይከኣል።

ብሓደ ወገን ምእላይ ህግደፍ ማለት መሪሕነት ኢሰያስን ጉጅልኡን ምስ ኩሉ ዘይሕጋዊ ማሓውራቱን ምእላይ ክኸውን ከሎ። እዚ ማለት ምእላይ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መጋበርያ ክፋእ ኢሰያስን፣ ድሕሪ 2000 ዓ.ም. ንኢሰያስን እኪት ተግባራቱን ከገልግሉ ተባሂሎም ዝተተለሙ ኣሰራርሓታትን ኣዋጃትን ከምኡውን ምእላይ ኣብ ዓፈና ዝተዋፈሩ ትካላትን የካትት።

በቲ ኻልእ ወገን ምእላይ ህግደፍ ማለት ኩሎም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰብ መዚ፣ ኣመሓደርቲ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓታትን ኣብ ግብሪ ዘይወዓሉን ዝወዓሉን መወከሲ ሰነዳትን ምእላይ የስምዕ። እዚ ማለት ንብሙሉኡ ምምሕዳራዊ ትካልት፣ ባይቶታት፣ መሳርዕ ሰራዊትን ህልዋት መወከሲ ሰነዳትን ኣሊኻ ብሓድሽ ወይ መሰጋገሪ ምትካእ ማለት’ዩ።

መሪሕ ውዳበ ክፍጠር ዘይተኻእለ እንበኣር ብሰንኪ ኣብ ዝርዝራት እዘን ክልተ ቀለልቲ ኣተረጓጕማታት ዘሎ ዘይቅርዑው መርገጺታት ደለይቲ ለውጢ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ክትንባህ ይስማዕ። ቅድም ዝቐረበ ኣተረጓጕማ እንተዝርዓም ለውጢ ምቐልጠፈ ዝብል ገምጋም ኣሎ። ድሕሪ ለውጢ ብትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ክመሓየሹን ክትክኡን ዝግብኦምን ዘይግብኦምን መሚኻ ክትከይድ ምፍታን ነዊሕ ርሕቀት ከኽይድ ምተኽኣለ ዝብል መጎተ’ውን ይቐርብ እዩ።

ሓደ ካብ’ቶም ዝቐርቡ መጎተታት ምብሓት ስልጣን ብኢሰያስን ጉጅልኡን ኮይኑ። ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ነዚ ኩሉ እኪት ክገብሮ ዝኸኣለ ሃገራዊ ባይቶ ከይእከብ ከልኺሉ፣ ሃብቲ ሃገር ብሒቱን ናቱ መጋበርያ ዝኾኑ ኣባላት ድሕነት ክምልምል ዕድል ስለዝረኸበን ጥራይ ሙዃኑ ብዙሕት ይሰማምዑ። ኣብ ኤርትራ ናይ ምውሳንን ምትግባርን ስልጣን ብኢሰያስን ጉጅልኡን ፍጹም ከምዝተባሕተ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣብ መጻሕፍቱ ብግሉጽ ኣስፊሩ፡ ነቲ ብደገ ደገ ዝሕመ ዝነበረ ብዕሊ ንህዝቢ ኣፍሊጡ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ደለይቲ ለውጢ ጓል መንገዲ ገዲፎም ኢሰያስን ጉጅልኡን ብምእላይ ነባሪ ለውጢ ዝምጽኣሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ከድህቡ ይምከር።

ኢሰያስን ጉጅልኡን ብጸቕጢ፣ ናይ ምግባር ዓቅሞም ብምድኻምን ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣመሓደርቲ፣ ሓለፍትን ሰብ መዝን ብምንጻልን፡ ካብ ኮረሽ ስልጣን ከምዝእለዩ ክግበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ነዚ ንምዕዋት ጽዑቕ ጎስጓስ ብምግባር ኣብ ምንጎ ሰበስልጣን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ምክብባርን ዝፍጠረሉ መንገዲ ምንዳይን ኩሉ ዓይነት ግዳማዊ ደገፍ ምውዳድን የድሊ። ከምዚ ክግበር እንተተኻኢሉ፡ ባይቶ ተኣኪቡ ንቡር ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ናብ ዝነበሮ ከምዝምለስ ብምግባር፡ ምስ ግዜ ከኣ ብዘገምታ ናብ ህዝባዊ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ከእትው ዘኽእል ባብ ምርሓው ምተኻእለ።

ካልእ ንሰብ ብርኪ ሞጎታዊ ጭብጥታት ብምቅራብ ንኢሰያስን ጉጅልኡን ከምዝንጸሉን ሰዓቢ ከምዝስእኑን ብምግባር ለውጢ ምቅልጣፍ ምተኻእለ። ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ብሰንኪ ድኹም ምምሕዳራዊ ዓቅሙ እቶት ህዝብን ሃገርን ከበርኽ ዘይምኽኣሉ ኣይመበኣሰን። ዘባትኽ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ፡ ብክፋእን እኪትን ተባዒጡ ህዝብን ኣገርን ከድኪ ከይደቀሰ ዝሓድር ጉጅለ እኪት ሙዃኑ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ጉጅለ እኪት፡ ኣይሰለጦን እንበር ንሃገን ህዝብን ይሓል’ዩ ክብሃል ዝኽእል ኣይኮነን። ብፍላይ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ክውንነት ስለዝኾነ። ነዚ ብህሎ ደጋጊምካ ብምግዋሕ ስሩዓት ህግደፍ ኢዶምን እግሮምን ከሕጽሩ ምቕሳብ።

ኢሰያስን ጉጅልኡን ተስፋ ቆሪጾምሉ ኣብ ዘለዉ እዋናት ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እንክሒራ ብንኣሽቱ ነገራት ዘየድሊ ምንቛትን ሕለፍያን ከይሳወር፡ ኢሂን ምሂን ምብህሃል ክጅመር ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ደጋጊምካ ክንገር ኣለዎ። ሰበ ስልጣን፣ ኣዝዝቲ ሰራዊት፣ ኣመሓደርትን ሰብ መዝን ከድህቡሎም ዘለዎም ኣሰከፍቲ ጉዳያት ናብ ጋህዲ ብምውጻእ ብዕቱብ ክዝተየሎም ከምዝጅምር ምግባር ሓላፍነት ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ስለዝኮነ፡ ኣተሓሕዛ ምጽባቕ የድሊ።

እንታይ እዮም እቶም ኣሰከፍቲ ጉዳያት፧

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments