ቋንቋ ኣምልኾ ንኣምልኾ

  

ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ ምጉት ክለዓል ከሎ ስም ኣቦና ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ እንተስ ንናእዳ ወይ ንነቐፌታ ክለዓል ዘይተርፍ እዩ። ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ ብሂወት ምህላዎም ከም ዓቢ ጸጋ ከኣ ንቖጽሮ። ምክንያቱ፡ገና ንቅዋም ኤርትራ ዝምልከቱ ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለዘለዉና።

እግረ መንገደይ ኣቦና ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰን ብጾትካን ቅዋማዊት ሃገር ንኽትህልወና ንዝገበርኩሞ ኣበርክቶ የመስግነኩም። ብሂወት ንዘለኹም ደጊምኩም ሃገርኩምን ህዝብኹምን ብዓቕምኹም ተገልግሉ መዋእልን ጥዕናን ይምነየልኩም።

ቅዋም ኤርትራ ረቒቑ፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 1995 ዓ.ም. ንኽትዕ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ምስጀመረ ብዙሕ ኣካታዒ ሕቶታት ኣልዒሉ ከምዝነበረ እዝክር። ሓያለይ ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ዝነበሩ መዘኽራት ካብ ትጽቢት ሽማግለ ቅዋም ኤርትራ ወጻኢ ብምንባሮም ስክፍታት ይፍጠር ኔሩ። ምኽንያቱ ኣባላት ሽማግለ ቅዋም ኣብ መንጎ ክልተ መዲድ ተቐርቂሮም ምንባርም ካብ ዝህብዎ ዝነበሩ መብርሂታት ይስትብሃል ስለዝነበረ።

ንሎሚ ዶ/ር በረኸት ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ ንተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ መብርሂ ክህብ፡ እንተዘይተጋግየ መጋቢት 1996 ዓ.ም፡. መጺኡ ከሎ ሓንቲ ካብ ተላዒለን ዝነበራ ዘይተመለሳ ሕቶታት ንቋንቋ ትምልከት’ያ ኔራ። ምስ ብሙሉኡ ተመሃራይ ተራኺቡ ዶ ኔሩ፧ ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ኣነ ዝነበርክዋ ክፍሊ ንናይ ዶ/ር ሩት ስምኦን ምህሮ ተኪኡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ኣብ ኣዳራሽ “ብኦዲቶርየም” ዝፍለጥ መብርሂ ሂቡና። ምብርሂኡ ምስወድአ ካብ ዝቀረበሉ ብዙሕ ሕቶታት “ንሰለስተ” ምስ ግዜ ክመሓይሽ በዚ እንተተጀመረ ስለዝሓይሽ ኣይተጨንቁለይ ኣነ’ውን ፈትየ ኣይኮንኩን ዝዓይነቱ መልሲ ኣትንቢሁ ሕልፍ ምስበለን ካብ ትሒም ትሒም ኣይሓለፍናን።

ንሕጂ ሓንቲ ካብ’ተን ሕቶታት እዋናዊት ስለዝኾነት ደጊምካ ምልዓላ ጽቡቕ እመስለኒ። ንቋንቋ ትምልከት ሕቶ እያ ኔራ። “ስለምንታይ ዓረብ ማዕረ ትግርኛ ከም ናይ ስራሕ ቋንቋ ሃገረ ኤርትራ ክኸውን ተመሪጹ፧” ተባሂሉ ተሓቲቱ። ዶ/ር በረኸት ታሪኽ ሓምሳታት ተናኺፉ ደው ኣይበለን። ነታ ናይ ብሓቂ መልሲ “ኤርትራውያን ሰዓብቲ እምነት እስልምና ምስ እምነቶም ኣተሓሒዞም ስለዝርእይዎ ከይጓነዩ ተባሂሉ ከምዝተገበረ” ቶግ ኣቢልዋ።

ዶ/ር በረኸት ቶግ ምስ ኣበላ ስዒቦም ንዝቐረበትሉ ሕቶታት መልሲ ስለዘይነበሮ፡ ቃል ብቓላ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ኢሉ ዘዕግብ መልሲ ከይሃበና “ንሎሚ ኣብዚ ይኣኽለና ብምባል” ክፋነወና መሪጹ።

ዶ/ር በረኸት መልሲ ክህበለን ዘይመረጸ ሕቶታት፡

1. “ከምዚ እንተኾይኑ ቅዋም ኤርትራ ሃይማኖታዊ እምነት መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ክበሃል ይከኣል ዶ፧”

2. “ዝቐውም ቅዋማዊ መንግስቲ ሃይማኖታዊ መንፈስ ይህልዎ ኣሎ ማለት ዶ ኣይኮነን፧”

3. “ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ግእዝ ወግዓዊ ቋንቋ ይኹነልና ኣይብሉን ዶ ትብል፧” ዝብላ እየን ኔረን።

ዶ/ር በረኸት ኣብ መጋቢት 1996 ዓ.ም. ቶግ ዘበላ መልሲ፡ ዕለት 16 ሚይዝያ 2019 ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝግበሮ ቃለ መሕትት፡ ደጊሙ ቋንቋ ዓረብ ምስ መንፈሳውነት ኣተሓሒዙ ከጠዓዕማ ተሰሚዑ። ብጀካ ናብ ናይ ሓምሳታት ንመለስ ምባል ዶ/ር በረኸት ምኽንያታዊ መረዳእታ ኣየቕረበን። ንሰማዒ ግር ዘየብል ዘረባ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእትኡ ቅዋም ኤርትራ ንቋንቋታት ዝምልከት ሕቶ ንማዕርነት ቋንቋታት ኤርትራ ብምስማር፡ ብሸፈፍ ከምዝሓልፎ ተጌሩ። ምስ’ቲ ኣብ’ቲ እዋን ዝለዓል ዝነበረ ርሱን ህዝባዊ ክትዓት ከምኡ ዝተመረጸሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይመስለንን።

ቋንቋ ዓረብ ቋንቋ ኣምልኾ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ስለዝኾነ ኣብ መላእ ኤርትራ መረዳድኢ ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ ምባል፡ ዝቐውም ቅዋማዊ መንግስቲ ሃገረ ኤርትራ ሃይማኖታዊ እምነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ማለት ዶ ኣይኮነን፧ ምስምሳት ገዲፍካ ማለተይ’የ።

ኤርትራውያን ሰዓብቲ እምነት እስልምና’ውን እንተኾኑ ቋንቋ ኣደ እንዳሃለዎም፡ መንፈሳዊ ቋንቋ እምነት እስልምና ዓረብ ስለዝኾነ ግድን ብቋንቋ ዓረብ ክትዛረቡ ኣለኩም ክበሃሉ ፍትሓዊ ኣይመስለንን።

ከምዚ ክብል ከለኹ ኤርትራውያን ሰዓብቲ እምነት እስልምና ብቋንቋ ዓረብ ክጽልዩን ክመሃሩን ኣይደልዩን ማለተይ ኣይኮነን። ብዝኾነ ይኹን ኣካል ግድን ብቋንቋ ዓረብ ክትጽልዩ ኣለኩም ክበሃሉ ግን የብሎምን። ብቋንቍኦም ክጽልዩ ከልካሊ ከይህልዎምን፣ ኣደራዕ ከይወርዶምን ኣመቶም ምግባር የድሊ።

ቋንቋ ዓረብ ልክዕ ከም ቋንቋ እንግሊዝ፣ ቋንቋ ፈረንሳይ፣ ቋንቋ ጀርመንን ካልኦት ግዳማውያን ቋንቋታትን ባዕዳዊ’ዩ። ባዕዳዊ ቋንቋ ሃገራዊ ቋንቋና ዘይኮነ ምባል ኣይጣቋን። ከም ዝኾኑ ካልኦት ባዕዳውያን ቋንቋታት፡ ብዊንታ ቋንቋ ዓረብ ክመሃርን ክምህርን ንዝደሊ ፍቑድ ክኸውን ይግባእ።

 

0 0 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments