ኤርትራ፡ ራእያዊ ሓሳብን ክዉንነትን (500 ዓዓ – 100 ዓም)

  

(ቍንጫል ጽሑፍ)

መእተዊ

መበቆል መጸዊዒ ኣስማት ሃገራት ዉዱዕ ኣመጻጽኣ ኣለዎ ኢልካ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ሰለስተ ምኽንያታት ምጥቃስ ይከኣል። ቀዳማይ፡ መጸዉዒ ኣስማት ሃገራት ዝበዝሐ እዋን ከይተቐለበሉ ካብ ተደጋጋሚ ኣፋዊ ዛንታ ዝነቅል ስለዝዀነ ክኸውን ከሎ። እቲ ካልኣይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ዝተፈላለየ ሓድሽ ትርጉም ስለዝለብስ’ዩ። ሳልሳይ፡ ክሊ ግዝኣታዊ መሬቱ ስለዝቀያየርን ዉጽኢት ራእያዊ ሓሳብ ስለዝኾነን ዉዱዑነት ኣለዎ ክትብሎ ኣሰካፊ ይገብሮ። ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ካብ ’ዚ ዝፍለ ኣመጻጽኣ ክህልዎ ኣይሕሰብን።
 
ኤርትራ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ ቀይሕ ዝብል ሓፈሻዊ ከም ቅቡል ዝውሰድ ትርጉም ተዋሂብዎ ይርከብ። መንቀሊ ኤርትራ ወይ ቀይሕ ንዝብል መጸዉዒ ምርድዳእ ዝተበጸሓሉ፡ ፍጹም ዝኾነ ራእያዊ ሓሳብ ወይ ትንተናዊ መርትዖ ግን ዛጊት የለን። መንቀሊኡ ኣብ ምርድዳእ ስለዘይተበጸሓሉ፡ ከም መጸዉዒ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታዉ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ማሕበረሰባት ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ንመጸዉዒ ኣስማቶም እዋናዊ፡ ምስ ኩነታቶምን ከባቢኦምን እንዳኣተሓሓዙ፡ መንቀሊ ኢሎም ዝሓስብዎ ትርጉም ካብ ምሃብ ዓዲ ስለዘይዉዕሉ። እዚ ከኣ ንመንቀሊ መጸዉዒ ኣስማት ፍሉጥ መደምደምታ ክትገብረሎም ኣጸጋሚ ይገብሮ።
 
ብዛዕባ መንቀሊ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ብርግጽ ዝፍለጥ ነገር ዘይምህላዉ ፉሉይ ተረኽቦ ኣይከዉንን። እዚ ግን በብእዋኑ ዝተፈላልዩ ራእያዊ ሓሳብን ትንተናዊ መርትዖታትን ኣይተዋህበን ዘስምዕ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዝርካቦም ዝተመሳኸሩ ሰነዳት፡ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ራእያዊ ሓሳብን ትንተናዊ መርትዖታትን ዝተወሃበሎም መጸዉዒታት ሙዃኑ እዮም ዝእምቱ።
 
በቲ ካልእ ወገን እቶም ዝርካቦም ዝቀርቡ ዝተመሳኸሩ ሰነዳት፡ ኤርትራን ባሕሪ ኤርትራን ዝብሉ መጸዉዒታት ታሪኻዊ ምትእስሳር ከምዝነበሮም ጥራይ እዮም ዝእምቱ። ዝተመሳኸሩ ሰነዳት ታሪኽ ስለዝኾኑ ከኣ፡ ዘየማትእ ታሪኻዊ ሙጕት ንምቕራብ ወሰንቲ መርትዖታት ይገብሮም። እቲ ጸገም፡ ከም’ቶም ኩሎም ካልኦት ዝተመሳኸሩን ስኑዳትን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዉዎ ክዝንተዉ ዕድል ዘይምርካቦም ጥራይ እዩ።
 
ንሕጂ ምእንቲ ከይነውሓና ኤርትራን ባሕሪ ኤርትራን ዝብሉ መጸዉዒታት ጥቡቕ ታሪካዊ ምትእስሳር ከምዝነበሮም ከም ዉሁብ ወሲዳና፡ ስፍሕ ዝበለ መረዳእታ ክህልወና ስለዝሕግዝ ብመርትዖ ኣመሳኺርና ብተናጸል ክንርእዮም ክንፍትን ኢና። ።
ባሕሪ ኤርትራ
ባሕሪ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ካበይ ቦቖለ ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፡ ስኑድ ታሪኻዊ መርትዖታት መሰረት ብምግባር ነየናይ ክሊ ማያት ዝገልጽ መጸዉዒ ከምዝነበረ ምርኣይ የድሊ።
 
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብተጓዓዝን ነጋዳይን ተዛራቢ ቋንቋ ግሪኽ “ጉዕዞ ባሕሪ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ዝተመሳኸረ ህቡብ ብ“Periplus of the Erythraean Sea” ዝፍለጥ ታሪኻዊ ሰነድ ብንጹር ባሕሪ ኤርትራ ዝጽዋዕ ክሊ ማያት ከምዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊርዎ ይርከብ።[1] ክሊ ማያት ባሕሪ ኤርትራ ካበይ ናበይ ይዝርጋሕ ከምዝነበሮ ‘ውን ብሰፊሑ ኣብ’ቲ ሰነድ ሰፊሩ ምህላዉ፡ ክዉን ታሪኻዊ ምጉት ይገብሮ።
 
ዝርጋሐ ባሕሪ ኤርትራ እንበኣር ካብ ኣብ ግብጺ እትርከብ “ሙሱል” ትበሃል ማእከል ንግዲ ዝነበረት ወደባዊት ከተማ ጀሚሩ ክስብ ገማግም ወደባት ባሕሪ “ቲና” (ቻይና) ከምዝምጠጥ ብንጹር ኣብ ታሪኻዊ ሰነድ “ጉዕዞ ባሕሪ ኤርትራ” ሰፍሩ ይርከብ።[1፣ 1-64]
ኣዱሊስ ‘ውን፡ ሓንቲ ካብተን ዓበይትን ብልዕልና ሕጊ ትፍለጥን፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ትርከብ ወደባዊት ከተማ ከምዝነበረት ጸሓፊ ኣብ ሰንድ “ጉዕዞ ባሕሪ ኤርትራ” ኣስፊርዎ ኣሎ።[1፣ 4] ብተወሳኺ ካልእ ኣብ ከባቢ ኣዱሊስ ብጃልባ ትኽየድ ወደብ ዘይነበራ ማእከል ንግዲ ከምዝነበረት ’ውን ኣብ’ቲ ሰነድ ተጠቒሱ ይርከብ።[1፣ 5]
 
ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ ምስቲ ዝንበራ ጽልዋን ኣገዳስነትን ኣብ ስልጣኔ እቲ ከባቢ፡ ኣብ’ቲ እዋን ልዕለ ሓያላን ዝነበሩ ግሪኻዉያን ፍሉይ ኣተኩሮ ይገብሩላ ምንባሮም ክትርዳእ ኣየጸግምን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዘመን ስልጣኔ ኣዱሊስ እቲ ከባቢ ቋንቋ ግሪኽ ብዝዛረቡ ነጋውስ ይመሓደር ምንባሩን፡ ብዙሓት ግሪኻዉያንን ሮማዉያንን ነበርቲ ኣብ ንግስነት ኣዱሊስ ምንባሮምን ዘረድኡ ብርክት ዝበሉ ዝተመሳኸሩ ሰነዳት ምህላዎም ነቲ መረዳእታ ርጡብ ክገብሮ ከሎ።[2] ድሒሩ ነዚ ዘረጋግጽ ውጽኢት ምርምር ስነቅርሲ ምርካቡ ‘ውን ንዝነበረ መረዳእታ መሊሱ ዕምቈት ፈጢሩሉ ይርከብ።[2]
 
ንኣብነት ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዞስካለስ ዝበሃል ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረብ ንጉስ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ትርከብ ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስን ከባቢኣን ይገዝእ ከምዝነበረ ጸሓፊ “ጉዕዞ ባሕሪ ኤርትራ” ከም ታሪኻዊ ክውንነት ገሊጽዎ ይርከብ።[1፣ 3]
 
ብተወሳኺ፡ ደኒስ ፈርናንዶ ዝበሃል ተመራማሪ ታሪኽ ኣብ “ሎሚ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትማል ባሕሪ ኤርትራ” ዝብል መጽናዕታዊ ጽሑፉ ከምዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣስፊሩ ንረኽቦ። “ጽልዋ ህዝቢ ሓበሻ ኣዝዩ ዓቢ ስለዝነበረ፡ ንህንዳዊ ዉቅያኖስ ካብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ ባሕሪ ኤርትራ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ገይሮሞ ከምዝነበሩ ይጠቅስ።” ቀጺሉ ህዝቢ ሓበሻ ምስ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮም’ዉን መርትዖ ኣመሳኺሩ ኣተንቢሁ ኣሎ።[3]
 
ስለዚ ባሕሪ ኤርትራ መጸዉዒ ሎሚ ብቀይሕ ባሕርን ብህንዳዊ ውቅያኖስን ዝፍለጡ ክሊ ማያት ከምዝነበረ ጸሓፊ “ጉዕዞ ባሕሪ ኤርትራ” ብዘየወላዉል መንገዲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝሰነዶ ታሪኻዊ ጭብጢ ከም ንቡር መራትዒ ክውሰድ ይግባእ።
 
ስለምንታይን ኣበየናይ እዋንን፡ ክሊ ማያት ባሕሪ ኤርትራ ናብ ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ዉቅያኖስን ዝብሉ መጸዊዒታት፡ ተቐይሮም ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ዕላማ እዚ ጽሑፍ ሰልዘይኮነ ንጎኒ ገዲፍና። ኣብ ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽሑፍ ብምቱኳር፡ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ በየን ቦቚሉ ንዝብል ሕቶ ብመርትዖን ብታሪኻዊ ስነመጐትን ክንምልስ ክንፍትን ኢና። ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ መጎተታት መፈለምታ እንበር መፈጸምታ ከምዝይኮኑ ብኣግኡ ምርዳእ ድማ የድሊ።
ኤርትራ
ኤርትራ (Erythrae) ሓንቲ ካብተን ዓሰርተ ክልተ ከተማታት፡ ብኣናንያ ትፍለጥ ምዕራባዊ ግዝኣት ግሪኽ፡ ምንባራ ፖዘንያስ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ግሪኽ ጠቒስዎ ይርከብ።[4፣ 7. 3. 7] ኤርትራ ካብ ገማግም ባሕሪ ቁሩብ እትው ኢላ ዝተደኮነት ከተማ ምንባራ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢኣ ብወሽምጥ ኤርትራ ዝፍለጥ መጻብቦ ‘ውን ነይርዋ እዩ። ስእሊ (ሀ) ን (ለ)ን ምዕዛብ ይከኣል።

ሎሚ ጥንታዊት ከተማ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኢዝሚር ዝበሃል ኣካል ወደባዊት ከተማ ኢድሪ ኮይና፡ ኣብ ሃገረ ቱርኪ ኢያ ትርከብ።

 

ስእሊ ሀ፡ ጥንታዊ ስልጣነ ግሪኽ።                              ስእሊ ለ፡ ከተማታት ጥንታዊት ግሪኽ።

ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብፖዘንያስ ዝተጸሓፈ ሰፊሕ መዛግብቲ ታሪኽ ግሪኽ፡ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ካብ ንጉስ ኤሪትረስ ዝበሃል ንከተማ ኤርትራ ዝደኰነ ወዱ ንንጉስ ርሃማንቲስ ከምዝተወሰደ ይሕብር።[4፣ 7.3.7]
 
ርሃማንቲስ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባትን እሙናትን ነጋዉስ ምንባሩ ኣብ ብሂል ግሪኽ ብሰፊሑ ከምዝዝንቶ ጆን ደቪድሰን ገሊጽዎ ይርከብ። ንጉስ ርሃማንቲስ ርትዓዊ ጸሓፊ ሕጊን ንጉስ ደሴታዊት ግዝኣት ክረተን ምንባሩ ጆን ደቪድሰን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።[5]
 
ንጉስ ኤሪትረስ እንበኣር ካብ ክረተ ዝተበሃለት ደሴታዊት ግዝኣት ኣቡኡ ወጻኢ፡ ናብ ግዝኣት ኣናንያ ብምኻድ’ዩ ኤርትራ ትበሃል መበል ዓሰርተ ክልተ ከተማ ኣብ ኣናንያ ክድኩን ዝበቕዐ። ስሙ ድማ መጸዉዒ እታ ሓዳስ ከተማ ኰይኑ ከምዝቐጸለ ታሪኻዊ መረዳእታ ኣሎ። ከምኡ ‘ውን ብቋንቋ ግሪኽ ንጉስ ኤርትረስ ማለት ቀይሕ ንጉስ ዝብል ትርጉም ከምዘለዎ ዊልፈርድ ስኮፍ ኣብ “ስም ባሕሪ ኤርትራ” ዝብል መጽናዕታዊ ጽሑፉ ኣስፊርዎ ይርከብ።[6] ብኻልእ ኣበሃህላ ኤርትረስ ከም ቃል ቅይሕ ዝብል ትርጉም ይለብስ ኣሎ ማለት’ዩ። በዚ መሰረት ቀይሕ ባሕሪ ቃል ብቃሉ ካብ ባሕሪ ኤርትራ ዝተተርጎመ መጸውዒ ምዃኑ ብቐሊሉ ምግማት ይከኣል።
 
ከምዚ እንዳሃለወ፡ ሎሚ ብቀይሕ ባሕሪን ብህንዳዊ ውቅያኖስን ስፍለጡ ክሊ ማያት፡ ካብ መዓስ ክሳብ መዓስ ባሕሪ ኤርትራ ተባሂሎም ክጽዉዑ ከምዝነበሩ ዝጠቅስ ርጡብ ታሪኻዊ ሰነድ ዘይምህላዉ ኣብ ፍጹም ታሪኻዊ መደምደምታ ምብጻሕ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ከምዚ ይኹን ደኣ እንበር፡ ማእለያ ዘይብሎም ስኑዳት ታሪኻዊ ኣመታትን መረዳእታታትን ከምዘለዉ ግን ክፍለጥ ይግባእ። ዝስዕቡ ኣብነታት ከም ድልዱላት መጎተታ ምርኣይ ይከኣል።
 
ቀዳማይ፡ ግሪኻዉያን ምስ ህዝቢ መረዌ ካብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሮም ይራኸቡ ከምዝነበሩ ሄሮደተስ ዝበሃል ግሪኻዊ ተመራማሪ ታሪኽ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ግሪኽ ጠቒስዎ ይርከብ።[7] እዚ ርክብ ከም ሓደ መርኣያ ግሪኻውያን ዝነበሮም ጽልዋ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክውሰድ ይከኣል።
 
ካልኣይ፡ ግሪኻዉያን ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ ካብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሮም ይነብሩ ምንባሮምን፡ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ተዛራቢ ቋንቋ ግሪኽ ኣብ ኣዱሊስ ንጉስ ከምዝነበረን ኣቐዲምና ጠቒስናዮ ዝነበርና ከም ተወሳኺ ምጉት ክቐርብ ይኽእል።
 
ሳልሳይ፡ ክረተ ትበሃል መበቆላዊት ዓዲ ንጉስ ኤርትረስ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቐረበት ግዝኣት ግሪኽ ምንባራ ንሙግትና መሊሱ የትርሮ። ምኽንያቱ፡ ንጉስ ኤሪትረስ ሓዳስ ከተማ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ማእከላት ንግዲ ዝዀና ወደባት ዶኲኑ ክኸውን ስለዝኽእል።
 
ራብዓይን መወዳእታን፡ ኣብ ዘመነ ስልጣኔ ኣዱሊስ ኣብ ከባቢ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶትስ ቋንቋ ግሪኽ ናይ ስራሕ ቋንቋ ምንባሩ መዛግብቲ ታሪኽ ግሪኽ ይሕብሩ።[1] ብተወሳኺ ቋንቋ ግሪኽ ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ግእዝ ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮ ዘረድኡ ብዙሓት ጭብጥታት ኣለዉ። ብዓቢኡ ዝበዝሑ መጻሕፍቲ ክርስትና ካብ ቋንቋ ግሪኽ ናብ ቋንቋ ግእዝ ዝተተርጉሙ ምዃኖም ምፍላጥ ከም ድልዱል መጎተ ንዝነበረ ጽልዋ ግሪኻውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክውሰድ ይከኣል። ከምኡ ‘ውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ግእዝ ኣማኢት ቃላት ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝወረሶም ምህላዎም ኣንድረ ዘቦርስኪ ዝተበሃለ ግሪኻዊ ተመራማሪ ቋንቋ የረድእ።[8]
 
ስለዚ ዋላ ርጡብ ታሪኻዊ ጭብጢ እንተዝርከብ፡ ባሕሪ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ምስ ምምጻእ ግሪኻዉያን ናብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጸ ምንባሩ ካብ ምርግጋጽ ዝሓልፍ ኣይምዀነን ዝብል ምጉት ምቕራብ ከመይ ዘይከኣል፧ ብፍላጥ ዓይንኻ ዓሚትካ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጢታት ምኽሓድ እንተዘይኰይኑ።
 
እዚ እንዳተፈለጠ ባሕሪ ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ምስ መጸውዒ ጥንታዊት ከተማ ኤርትራ ዘራኽብ ከምዘይነበሮ ክተዘንቱ ምፍታን፡ ንዝነበሩ ታሪኻዊ ክውንነታት ፍጹም ምኽሓድ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።
 
ከምዝፍለጥ ግሪኻዉያን ኣባሓጎታት መጸዉዒ ኣስማት ጥራይ ዘይኰነ፡ ተሓሊቡ ዘይነጽፍ ስነፍልጠታዊ ምህዞታትን ፍልስፍናን ዘውረሱ ህዝቢ ምንባሮም ርዱእ እንዳሃለወ፡ ባሕሪ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ውጽኢት ሃዉሪ ገይርካ ምዝንታዉ ምስ ምንታይ ይቑጸር፧ ኮነ ኢልካ ዝነበረ ጽልዋ ግሪኻዉያን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርሓቕ እንተዘይተደልዩ፡ በየናይ መጐት መጸዉዒ ስም ባሕሪ ኤርትራ ስንብራት ግሪኻዉያን የብሉን ክበሃል ይከኣል፧ እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ስነመጐትን ታሪኽን ዘርእዮ እንተሃልዩ፡ ጽልዋ ግሪኻዉያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ገዚፍ ከምዝነበረ ጥራይ እዩ።
መደምደሚ
ኣብ ቀጻሊ ሰነዳት ታሪኽ ጥንታዊት ግሪኽ ብዛዕባ ባሕሪ ኤርትራ እንታይ ከም ዘዘንትዉ ብዕምቈት ፈቲሽካ ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ ዛጊት ኣብዚ ቁንጫል ጽሑፍ ቀሪቦም ብዘለዉ መረዳእታታት ግዝፊ ጽልዋ ጥንታዊት ግሪኽ ምግማት ኣየጸግምን።
 
ኣብ ስልጣኔ ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ እጃም ዝነበሮምን፣ ንባሕርን ዉቅያኖስን ብስሞም ከምዝጽዋዕ ዝገበሩ ባሕረኛታትን ነጋዶን ግሪኻዉያ፡ ክነብርሉ ንዝጀመሩ ክሊ መሬት ብስሞም ከምዝጽዋዕ ኣይገበሩን፡ በየናይ መጐት ክበሃል ይከኣል፧ ብኣንጻሩ መንበሪኦም ገይሮሞ ንዝነበሩሉ ከባቢ ብስሞም ከምዝጽዋዕ ገይሮሞ ነይሮም ኢልካ ክትሙጕት ይቐልል።
 
ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ካብ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ከባቢና ምንባሩ ዝተመሳኸረ ታሪኻዊ ክዉንነት ስለዝኾነ ከምዝነበረ ክንቅበሎ ግድን ይኸዉን። ከምኡ ‘ውን ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣዱሊስ ተዛራቢ ቋንቋ ግሪኽ ንጉስ ምንባሩን ነበርቲ ግሪኻዉያን ሮማዉያንን ምንባሮምን ስኑድ ስለዝኾነ ከሟጕት ኣይግባእን።
 
ከሟጕት ዝግብኦ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ብሃዉሪ ምስ ገዛእቲ ሓይልታት ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ከምዝመጸ ገይርካ ዝቐርብ ዛንታ ምህላዉ እዩ። ገዛእቲ ሓይልታት፡ ንኽገዝእዎ ዝወጠኑሉ ህዝብን ክሊ መሬትን ከየጽንዑ ሃንደራእ ኢሎም ዝኣትዉዎ መስርሕ ዘይምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣጽኒዖምን ተመሳሲሎምን ጥራይ እዮም፡ ንነዊሕ ዝዓለመ መግዛእታዊ መደባቶም ዘመቻችኡ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ እዮም ገዛእቲ ሓይልታት፡ ንኽገዝእዎም ናይ ዝወጠኑ ኣህዛብ ዛንታን መጸዉዒ ኣስማትን ካልእን ከጽንዑ ዝጽዕቱ። ንዉጽኢት መጽናዕቶም ንመግዛእታዊ መደባቶም ብዘሳልጥ መንገዲ ብምቕናይ እንበር ሓድሽ ዛንታን መጸዉዒ ኣስማትን ብምምሃዝ ኣይኮኑን ዝቕጽሉ።
 
ንምድሪ ባሕሪ ክገዝኡ ዝመጹ ገዛእቲ ሓይልታት ካብ’ተን ዝርካበን ኣስማት ኤርትራ ትብል መጸዉዒ ምሕራዮም ሓድሽ ምህዞ ኣነበረን። ተደጒሉ ዝነበረ መጸዉዒ ስም ኣብ ቅርዓት ኣውጺኦም ወግዓውነት ጥራይ እዮም ኣልቢሶሞ። ሓማሴን ወይ ምድሪ ባሕሪ ዝብል ጸዉዒ ክሓርዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣይደለይዎን።
 
እሞ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ሓድሽ ምህዞ ወይ ተሸሚቱ ዝመጸ ውርሻ ካብ ዘይኰነን፡ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ተመሳኺሩ ዝተሰነደ ካብ ኰነን፡ ጥሙሓትካ ንምርዋይ ዓይንኻ ዓሚትካ ኣይነበረን ምባል ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከኣል፧ ታሪኽ ጥሙሕ ከም ዘየሳሲ ፈሊጥና ኣብ ሸንኰለል ኣይንእቶ። እዋኑ እዋን ሓበሬታ ስለዝዀነ፡ ሎሚ ብጀካ ክውንነት ምቕባልን ምእንጋድን እንተዘይኰይኑ መሕብኢ ዝበሃል የለቦን። ።
 
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ኤርትራ ዝብል መጸዉዒ ንኤትራውያን ብታሪኻዊ ክዉንነትን ስነመጐትን ዝብጽሖም ሓድጊ ስለዝዀነ፡ ክንየቱሉን፡ ከም መግለጺ መንነቶም ክምክሑሉን ንቡር እዩ። ታሪኽን ክውንነትን ጎሲኻ ሸንኮለል ምባል ግን፡ ዓስቡ ከም’ቲ ኢሳቕ ያቆብ ወዱ ምስ ኣታለሎ፡ ከንቱ ጻመከ ኢሳዉ ዝበሎ፡ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

 

መወከሲታት

1Casson, L., ed. (1989), The Periplus Maris Erythraei: Text With     Introduction, Translation, and Commentary,     Princeton:   Princeton University Press, USA.

1Schoff, W. H., ed. (1912), The Periplus of the Erythraean Sea:   Travel and Trade in the Indian Ocean by a Merchant of the First   Century, New York: Longmans, Green, & Co., ISBN  978-81-215-   0699-1

2Gardner, J. W., 1977. “Blameless Ethiopians and Others.” Greece &   Rome, vol. 24, no. 2, pp. 185–193.

3Fernando, A. Denis N. 1988. “THE ERYTHRAEAN SEA Presently   Called THE INDIAN OCEAN Requires a New Identity Namely: THE   GONDWANIC OCEAN.” Journal of the Royal Asiatic Society of Sri   Lanka, vol. 33, pp. 21–47.

4Pausanias. Pausanias Description of Greece with an English   Translation by W.H.S. Jones and H.A. Ormerod, in 4 Volumes, 7. 3.   7. Harvard University Press; London, William Heinemann Ltd.   1918.

5Davidson John. Rhadamanthys and the Family of Herakles. In:   L’antiquité classique, Tome 68, 1999. pp. 247-252.

6Schoff, W. H., 1913. ““The Name of the Erythraean Sea.” Journal of   the American Oriental Society, Vol. 33, pp. 349-362.

7Herodotus (1949). Herodotus. Translated by Enoch Powell.   Oxford: Clarendon Press. pp. 121–122.

8Zaborski, A., 2014. “Greeg Loanwords in Geez”, in: Encyclopedia of   Ancient Greek Language and Linguistics, Managing Editors Online   Edition: First and Last. http://dx.doi.org/10.1163/2214-   448X_eagll_SIM_00000470

5 1 vote
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments