ህወሓት፡ ካብ ጸልማት ናብ ህጉም

  

እዚ ሎሚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍሉይ ክልል ትግራይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ሃንደበት ሓደ ወገን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ዝተወልዐ ጥራይ ዘይምዃኑ ዝእንፍቱ ብዙሓት ምልክታት ኣለው።

ካብ እቶም ምልክታት ሓደ፡ ብማእከላይ መንግስቲ ዝወሃቡ ዝነበሩ ምልክታት እዩ። ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግጉያት ምልክታት እንዳሃበ ንህውሓት ዘይንቡር ገይጋታት ንኽገብሩ ክቕስቦም ምጽንሑ እዩ።

ገሊኦም ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ዝነበሩ ምልክታት ንይምሰል ግዜ መሸመቲ ዝግበሩ እዮም ነይሮም፡፡ ከም መርኣዪ ክልተ ኣብነታት ምጥቃስ ድማ ይከኣል። ቀዳማይ ኣብነት፡ ህወሓት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንዳመርሑ ከለዉ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ጽልዋ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለዩ እውን ናይ ጸላውነት ስምዒቶም ንኸይጐድል ዝግበሩ ዝነበሩ መዳህለሊ ተግባራት ክኸውን ከሎ። ካልኣይ ኣብነት ድማ፡ ህወሓት ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፖለቲካውን ቁጠባውን መሓውራት ከለላ ገይሩ ረብሐኦም ብዋጋ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ከምዝሕለው ብምግባሩ እዩ።

እቶም ካልኦት ዝወሃቡ ዝነበሩ ምልክታት ድማ፡ ንመኸወሊ ድኻማት ብኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ዝግበሩ እዮም ነይሮም። ክልተ ኣብነታት ብምጥቃስ ምርኣዮም ድማ ይከኣል። ቀዳማይ ኣብነት፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገጥምዎ ዝተፈላላዩ ውሽጣዊ ተጻብኦታት፡ ህወሓት ናብ ስልጣን ንኽምለስ ዘሳዉሮ ዘሎ ተጻብኦ እዩ እንዳበለ ብምኽሳስ ንድኻማቱ መኸወሊ ክጥቀመሎም ምጽንሑ ክኸውን ከሎ። ከም ካልኣይ ኣብነት ድማ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ኣጀርስ ብዘይ ቅድመ ኹነት ምስተቐበሎን ናይ ሰላም ውዕል ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ተፈራረመን፡ ተግባራዊ ክኸዉን ዘይመኽኣሊኡ  ምኽንያት ንህወሓት ተወሳኺ መሳበቢ ምግባሩ ይጥቀስ።

ካብ ከምዚኦም ግጉያት ምልክታት ተበጊሶም እዮም እንበኣር ህወሓት ንነብሶም ገይጋ ግምት ክህብዋ ክኢሎም። ከም ሳዕቤን ድማ፡ ሎሚ ንህዝቢ ትግራይ ለኪሞም ኣብ ኣጽናቲ ውሽጣዊ ረጽሚ ተሸሚሞም ይርከቡ ኣለው። ህወሓት ተገዲዶም ስልጣን ድሕሪ ምርካቦም፡ ዕድል መጻእቲ ወለዶታት ኣብ ግምት የእትዮም ኣርሒቖም ክሓስቡ እዩ ነይሩ እቲ ትጽቢት። ኣይገበርዎን። ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ንኽገብሩ ብዙሕ ምኽርታት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ተለጊስሎም እዩ። ክሰምዑ ኣይመረጹን። ብፍላይ ምስ ጉዳይ ኤርትራ ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣቐዲሞም ምሕጽንትኦም ኣስሚዖም እዮም። ሰማዒ ክረኽቡ ግን ኣይከኣሉን። ብሰንኪ ምኽሪ ዘይምቕባሎም ሎሚ ኣብ ከምዚ ንሰብ ኣይኰነን ንተሃዳኒ ንእንስሳ ዘይትምነዮ ጽንኩር ኩነታት ወዲቖም ንርእዮም ዘለና። ከም ኤርትራዊ ከምዚ ክብል ከለኹ ብሰብኣውነት እንበር ብግብሮም ኣይኰንኩን።

እቲ ካልኣይ ካብ እቶም ምልክታት፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝወሃቡ ዝነበሩ ምልክታት እዩ። ዝበዝሑ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝወሃቡ ዝነበሩ ምልክታት ተኣሚኑሎም ህወሓት ኣብ ስልጣን ከሎ ጀሚሮም ዝወሃቡ ዝነብሩ ክዀኑ እንከለዉ። ህወሓት ካብ ስልጣን ምስተኣለየ እውን፡ ኣምሳያ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ምስግጋሮም፡ ካብ እቶም ዝወሃቡ ዝነበሩ ከይተለወጡ ዝቐጸለኡ ኣገደስቲ ምስ ግዳማዊ ርክባትን ወፍርን ዝተሓሓዙ ምልክታት ምንባሮም ክፍለጥ ይግባእ። ከምዚ ይኹን ደኣ እንበር፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝምጠውሎም ዝነበሩ ምልክታት ሰናይ ድሌት፡ ህወሃት ደረት ከምዘለዎም ብምዝንጋዕን፡ ብግጉይ መንገዲ ብምርዳእን ክምዝምዝዎም ምስ ጀመሩ ሰማዕቶምን ተደናገጽቶምን ብርኡይ ይጐድሉ ምንባሮም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ባዕሎም “ፈተውትና ይጠልሙና ኣለዉ” እንዳበሉ ክገልጽዎም ጸኒሖም እዩም። 

ብፍላይ ምስ መረጻ ክልል ትግራይ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ምስተለዓለ፡ ህወሓት ኣንጻር ውሳነ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ “ክልላዊ መረጻ ክነካይድ ኢና” ኢሎም ብምሕንጋዶምን፡ ምሕጽንታን ማዕዳን ምስማዕ ብምእባዮምን ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም እንኰላይ ቻይና፣ ሩስያ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮፓን ዝርከበአን ተደናገጽቶም ዝነበራ ሃገራት እዮም ከሲሮም። ከካይድዎ ዝውጥንዎ ንዝነበሩ መረጻ ብተደጋጋሚ ደው ከብልዎ፣ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ብልዝብ ክጐዓዙን ተጻብኦታት ካብ ምግባር ክቑጠቡን ተማዒዶም ክሰምዑ ኣይከኣሉን። ነዚ ድርቅና ህወሓት ዝተዓዘቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም ድማ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ተሃዋሲ ኩነታት ከይወደቐት ንኣቢይ ኣሕመድ ምኽኑይ ስጉምቲ ንኽወስድን፡ ኣብ ጎድኑ ደው ከምዝብሉን ዘተንብህሉ።

ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ ነዚ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተኣንፈተሉ ዕማም ከተግብረሉ ብዝኽእል መንገዲ ንመሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክለዋውጥ ምስጀመረ፡ ህወሓት ተሰናቢዶም ብግቡእ ምድላዋት ኣብ ዘይገበሩሉ መፈንጠራ ነብሶምን ህዝቢ ትግራይን የእትዮም ዘለው። እዚ ተወሊዑ ዘሎ ረጽሚ ክመጽእ ከምዝኽእል ህወሓት “ይፈልጡ ነይሮም”፡ “ግቡእ ምድላዋት ገይሮም ዝኣተውዎ እዩ” ክትብል ዘኽእል መርትዖ ክተቕርብ ኣጸጋሚ እዩ። ካብ “ዝተጸበይዎ ረጽሚ እዩ” ክትብሎ “ዘይተጸበይዎ ወደቓ እዩ” ነይሩ ኢልካ ክትገልጾ ይቐልል። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብወሃብዎም ዝነበሩ ምልክታት ብገይጋ ይርድእዎም ስለዝነበሩ ድማ እዮም ሎሚ ኣብ መውጽኢ ዘይብሉ ፈታኒ መጻብቦ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ብተወሳኺ፡ ህወሓት ብተደጋጋሚ “ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘርዩና” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ኣብዚ ህወሓት ክስሕትዎ ዘይግብኦም፡ ባዕላቶም ኣባጓይላ ኰይኖም ዝዋስኡላ ዝነበሩ ብረብሓን ድሕነትን እትዝወር ክውንነታዊት ዓለም ንነብር ምህላውና እዩ። ሎሚ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ክተሓባበር ፍቓድ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንኰላይ ንዋታዊ ደገፍ፣ ከለላ ካብ ኵነነን ምሕብሓብን ብማሕበረሰብ ዓለም ተገይሩሉ እዩ ኣብ ውሻጠኹም ኣትዩ ዘንቀላውጥ ዘሎ። ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ስቱር ወተሃደራዊ ጐንጺ ብዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ገጻት ከምዘለዎ ድሒርና ክንረዮ እኳ እንተዀና፡ እዚ ተወሊዑ ዘሎ ረጽሚ ኢሰያስን ኣቢይን “ወሲኖም ዝኣተውዎ ረጽሚ እዩ” ክትብሎ ግን ርትዓዊ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ከምዚ ዓይነት ኣዕናዉን ተኣፋፍን ረጽሚ ብዘይ ፍቓድን ድፍኢትን ማሕበረሰብ ዓለም ክኣትውዎ ዘኽእሎም ህዝባዊ ደገፍን ቁመናን ኣይጸንሖም።

ብመንጽር ድጉልን ዘይመላላእን ጥሙሓት ክልቲኦም እውን እንተሪእናዮ፡ ብማዕረ ተሃንጥዮም ዝህንደዱሉ ረጽሚ ኣይዀነን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ክልቲኦም፡ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ኣቢይ ኣሕመድን፡ ብማዕረ ተረባሕቲ ውጽኢት እዚ ረጽሚ ክዀኑ ዘለዎም ተኽእሎታት ኣዝዩ ጸቢብ ዝገብርዎ ብዙሓት ረቛሒታት ስለዘለዉ እዩ። እዚ ረጽሚ ኣብ መወዳእትኡ መበገሲ ዘይምርድዳእ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ንኸይከውን እውን ብወገን ማሕበረሰብ ዓለምን ህዝብታት ክልትኤን ሃገራትን ርኡይ ስክፍታ ኣሎ።

ምእላይ ህወሓት ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንኣቢይ ኣሕመድ ዝያዳ ተረባሒ ዝገብርዎ ብዙሓት ረቛሒታት ኣለዉ። ቀዳማይ፡ ንምምሕዳሩ ክገጥምዎ ዝጸንሑ ውሽጣዊ ተጻብኦታት ክጎድሉ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓብይ እዩ። ካልኣይ፡ ህቡብነቱን ተሰማዕነቱን ብህዝቢ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስታትን እንዳጎደለ ክመጽእ ስለዝጸንሐ፡ ድሕሪ ምእላይ ህወሓት ክብ ክብሉ ሰፉሕ ዕድል ኣሎ። ሳልሳይ፡ ሃገራዊ ምረጻ ኢትዮጵያ እንዳተቓረበ ይመጽእ ስለዘለሎ፡ ኣብቲ ዝግበር መረጻ ብዓብላሊ ድምጺ ንኽዕወት ሰፊሕ ዕድል ክኸፍተሉ ተኽእሎ ምህላዉን ካልኦትን ክጥቐሱ ይኽእሉ። እዚኦም ድማ፡ ንኣቢይ ኣሕመድ ስልጣኑ ከደልድልን ጸጥታ ኢትዮጵያ ከውሕስን ሓገዝ ከምዝዀንዎ ምግማት ኣየጸግምን።

ብኣንጻሩ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብምእላይ ህወሓት ካብ ዝረብሖ ዝኸስሮ ይዛይድ። ምኽንያቱ፡ ኢሰያስ ንህወሓት ንነዊሕ እዋናት ካብ ተሓታትነትን ምምሕዳራዊ ፍሽለቱን ዝሕባኣሎም ውድብ ገይሩ እዩ ክግልገለሎም ጸኢሑ። ድሕሪ ህወሓት መሕብኢ ዝዀኖ ከናዲ ግድን ክዀኖ እዩ። ብተወሳኺ፡ ካብ ግዳም ብመራኸቢታት ጥራይ ዝመጾ ዝነበረ “ስልጣን ንህዝቢ ኣረክብ” ዝብል ጸቕጥታት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብትሕዞ ክውሕዞ ስለዝጅምር፡ ኣብ መዋጥር ክወድቕ ዘለዎ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ምኽኑያት ብዝመስሉ ውሁባት ኩነታት፡ ከም ጉዳይ ዶብን ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ኣሳቢቦም ዝድግፍዎ ዝነበሩ ሃገራውያን ለውጢ ክሓቱ ስለዝጅምሩ፡ ዝነበሮ ደገፍን ተቐባልነትን ምጉዳል እውን ከም ተወሳኺ ኽሳራ ምጥቃስ ይከኣል። ኢሰያስ ድሕሪ ህወሓት ምእላዩ ንዝወርድዎ ክሳራታት መወራረዲ ተወሰኽቲ መሕብኢ፡ ከም ኢድ ምትእትታው ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ካብ ምግባር ዓዲ ዝውዕል ጕሒላ ዝይሙዃኑ ግን ክፍለጥ ይግባእ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ህውከት ብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ተዋሳእቲ ከምዘለውዎ ርኡይ ስለዝዀነ ምግማት ዘድልዮ ኣይኰነን። ምግማት ዘድልዮ፡ ነፍሲ ወከፍ ተዋሳኢ እዚ ረጽሚ ዝረኽቦ ረብሓን ዝወርዶ ክሳራን እዩ። ነቶም ቀንድን ፍሉጣትን ተዋሳእቲ ዝበሃሉ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ በብሓድ ምርኣዮም ኣገዳሲ ስለዝዀነ፡ ጽሙቕ ኣቢልና ክንድህስሶም ኢና።

ማሕበረሰብ ዓለም

ማሕበረሰብ ዓለም ክንብል ከለና ብዛዕባ ድሌት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትመርሐን ሃገራት ሕብረት ኤውሮፓ፣ ራሻን ቻይናን ንዛረብ ምህላውና ንስሕቶ ኣይብልን። ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተዋደደን ዝተባረኸን ህውከት ዋላ ምጽናት ዘርኢ እውን እንተዀነ ረዳኢ ኣይኰነን ሰማዒ ክረክብ ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ። ህወሓት ነዚ እዳፈለጡ ዝኣተውዎ ህጉም ተሓተቲ ባዕላቶም ጥራይ እዮም ክዀኑ ዝግባእ። ፈሊጠን ዝጸመማ ኣእዛን ማሕበረሰብ ዓለም ሎሚ ብፈንጠርጠርን ምጕቡዕባዕን ምኽፋት ዝከኣል ኣይኰነን። ድኻታት ሃገራት ኣይኰናን፡ እተን ርኹባት ሃገራት እውን እንተዀና ዝበዝሕ ውሽጣውን ግዳማውን ምስሕሓባተን፡ ረብሓን ድሕነትን ማሕበረሰብ ዓለም ብዝሕሉ መንገዲ፡ ብእንካን ሃባን እየን ሎሚ ዝፈትሓ ዘለዋ። ህወሓት ግን ነዚ ኣይመርጽዎን።

ህወሓት ውድቀቶም ካብ ማእከላይ መንግስቲ ክቕበሉን ምስ ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ተሳንዮም ንኽኸዱን፡ ዝወሃቦም ዝነበረ ምኽርን ተግጻጽን ማህበረሰብ ዓለም ዕሽሽ ብምባል፡ ሃናጺ ጽምዶ ገዲፎም ጎነጽ ብምምራጾም ብኣጋ ከሰተብህልሉ ዘይከኣሉ ተነጽሎ እዩ ኣምጺኡሎም። ማሕበረሰብ ዓለም ድማ፡ ብመንጽር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎም ወተሃደራውን ቁጠባውን ረብሓታት ስለዝርእይዎ፡ ዝዀነ ይኹን ንርግኣት ኢትዮጵያ ዝዘርግ ሓይሊ ኣይጻወሩን እዮም። ኤርትራ እውን ከምዚ ሎሚ ተማእዛዚት ከይኰነት ከላ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዋጋ ኣኽፊልዋ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ሎሚ ህወሓት ብጊደኣ ብህላወኣ ዋጋ ትኸፍለሉ ኣላ። ምኽንያቱ፡ ህላወ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከብቅዕ ኣለዎ ኢሉ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝኣመነ ዘሳወሮ ረጽሚ ምዃኑ ብቐሊሉ ምርዳእ ስለዝከኣል። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ እዩ፡ እዚ ኣጽናቲ ረጽሚ ካልእ ይትረፍ እቲ ንቡር ኣቓልቦ ክረክብ ዘይከኣለ። ኢሰያስ ኣፈወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ነዚ ንኸተግብሩ ተልእኾ ምስተወሃቦም፡ በብጥቕሞም ብክልተ የእዳዎም ሃንጎፋይ ኢሎም እዮም ተቐቢሎሞ። ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ጐደቦን እውን ኣብዚ ጉዳይ ክተሓባበራ ከምዝተሰማምዓ፡ ንኣቢይ ኣሕመድ ብዝህብኦ ብዘለዋ ደገፍ ምርዳእ ይከኣል። ምስ ማሕበረስብ ዓለም ተራጺምካ ዓወት ስለዘይርከብ፡ ህወሓት ተሪፍዎም ዘሎ ኣማራጺ ህዝብን ትሕተ ቅርጽን ትግራይ ኣብ ሓደጋ ከየወደቑ ንክውንነት ብትብዓት ምቕባል ጥራይ እዩ። ኣትዮማ ዘለው መጻወድያ መውጽኢታ ሓንትን መራርን እያ። ንሳ ድማ ስዕረትካ ብጸጋ ምቕባል እያ። ከምዚ ምስ እዝገብሩ ናይ 46 ዓመታት ታሪኾም ክዕቅብሉን ከዘንትውሉን ዝኽእልሉ ዕድል ክረኽቡ ተኽእሎ ኣሎ።

ኢትዮጵያ

ምእላይ ህወሓት ንምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዘርብሖ ኣቐዲምና ሪእናዮ ኢና። ሕጂ ድማ፡ ጽልዋ ምእላይ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሓይልታት ኢትዮጵያ እንታይ ከምዝመስል ክንርኢ ክንፍትን ኢና። ሓደ ግማዕ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህላወ ኢትዮጵያን ምእላይ ህወሓትን ክልተ ዘይነጻጸሉ ፍጻመታት ኢሎም ዝኣምኑ ስለዝዀኑ፡ ህወሓት ንምእላይ ብምሉእ ዓቕሞም ይዋስኡን ሂወት ይኸፍሉን ኣለዉ። ዝበዝሑ ካብዚኦም ህወሓት ዝተኸልዎም ዘርኢ መሰረት ዝገብሩ ክልላትን ምጉጅጃላትን ዝቃወሙ ኰይኖም፡ ቅዋም ኢትዮጵያ ክመሓየሽ ወይ ክልወጥ ዝጠልቡ እዮም። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ፡ ግድን ህወሓት ካብ ገጽ መሬት ኢትዮጵያ ክትጠፍእ ኣለዋ ኢሎም ዝኣምኑ ሓይልታት እዮም። ካልኦት ህወሓት ንምእላይ ዝዋስኡ፡ ህወሓት ኣብ ስልጣን ከለዉ ብዘውርዱሎም ዝነበሩ ግፍዕታት ዝተቐየሙ ኰይኖም፡  ብሕነ ምፍዳይ ዝጥምትዎ እዮም። ሓያለይ ካብዚኦም ተወለድቲ ትግራይ ህወሓት ንምእላይ ክቃለሱ ዝጸንሑ እዮም። ምምሕዳር ህወሓት ተኣልዩ ኣሳታፊ ህዝባዊ ምሕደራ ንክትከል ዝሓቱ ኰይኖም፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ሁመት ንኽዕወት ግድን ህወሓት ክትእለይ ኣለዋ ኢሎም ዝቃለሱ እዮም።

እቶም ዝተረፉ ግማዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምእላይ ህወሓት ብሙሉእ ልቦም ዘይድግፍ ኰይኖም፡ ህወሓት ንምድሓን ኰነ ንምድጋፍ ዝዀነ ዓይነት ተራ ክጻወቱ ኣይደልዩን እዮም። ዝበዝሑ ካብዚኦም ህወሓት ብቅዋም ደረጃ ዘረጋገጸትሎም ብሄራውን ክልላውን መሰሎም ክትንከፍ ስለዘይደልዩ፡ ህላወ ህወሓት ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ኢትዮጵያ ዝደልዩ እዮም። ህላወን ቀጻልነትን ህወሓት ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዘገድሶምን ዘርብሖምን ክንሱ፡ ንህወሓት ንምሕጋዝ ዋጋ ክኸፍሉ ግን ድልዋት ዘይኰኑ እዮም። ብተወሳኺ፡ ዳርጋ ኩሎም ህወሓት ኣብ ቅዋም ዘስፈርዎም መበቈል መሰረት ዝገበሩ ክልላትን ምጉጅጃላትን ከምዘለውዎ ክቕጽሉ ዝደልዩ ኰይኖም፡ ቅዋም ከይመሓየሽ ወይ ከይልወጥ ኣትሪሮም ዝቃወሙን ዝቃለሱን እዮም።

ኢትዮጵያ ብኸምዚ ዓይነት ዝተገማምዐ ህዝቢ ስለዘለዋ ድማ እዩ ቀጻልነታ ከም ሃገር ኣሰካፊ ዝገብሮ። ምስ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ኣዛሚድካ ክረኣይ ከሎ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ብምእላይ ህወሓት ተረባሒ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝተናውሐ ብዘይ ሓገዝ ማህበረሰብ ዓለምን ኤርትራን፡ ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ከቐጽላ ዘለዎ ዕድል ዝማህመነ እዩ። ኢትዮጵያ በዚ ዘላቶ ቁመና ኣሽንኳይዶ ንኤርትራ ክትወራ ክትመጣጠር፡ ብዘይ ናይ ኤርትራ ሓገዝ ከም ሃገር ክትቅጽል ትኽእል ኣይኰነትን። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ፡ ነዚ መዝሚዙ እዩ መሕብኢ ዝዀኖ መሽጐራጉር ዘዳልው ዘሎ። ድሕሪ ምእላይ ህወሓት ካብ ህዝቢ ኤርትራ መሕብኢ ክረክብ ድዩ ኣይረክብን ደፋእ ኢልና ንርእዮ ውሽጣዊ ጉዳይና ስለዝዀነ፡ ኣብ ቀጻሊ ብሰፊሑ ዝዝተየሉ ዛዕባ እዩ።

ኤርትራ

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ፡ እዚ ንህወሓት ንምእላይ ዝግበር ዘሎ ረጽሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝህልዎ ጽልዋ፡ ብክልተ ንሓድሕዶም ዘይመላልኡ ገጻት ክግለጽ ይከኣል። ከምዝፍለጥ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን፡ ከምኡ እውን ምምሕዳራውን ማሕበረ-ቁጠባዊ ንጥፈታቱን፡ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝኣክል ብምስምስ ዶብን ተጻብኦታት ህወሓትን ጅሆ ተታሒዙ እዩ  ጸኒሑ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንጉዳይ ዶብን ተጻብኦታት ህወሓትን ከም መሕብኢ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ኣገርን ኤርትራ ይቅረ ዘይበሃሎ ግፍዒ ኣውሪዱ እኳ እንተዀነ፡ ጉዳይ ዶብን ተጻብኦታት ህወሓትን ከም ውሁባት ኩነታት ፈጺሞም ኣይነበሩን ክበሃል ዝከኣል ግን ኣይኰነን። ነዚኦም ውሁባት ኩነታት ዝኣሊ ኣጋጣሚ ከምዚ ሎሚ ተፈጢርዎ ዘሎ ምስዝፍተር ድማ፡ ዕድሚኡን ጉልበቱን ኣብ ድፍዓት ምስ ጸላኢ ክጠማመት ዘህለኸ ሰራዊት ንዝረኸቦ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣብ ረብሕኡ ከውዕሎን መፍትሒ ሕሊኹ ሒዝዎ ንዝጸንሐ ሽግሩ ክገብሮን ግድን እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኢዱ ከምዘእተወ ዘረጋግጽ ጭብጢ ዛጊት የለን። ብስቱር ህወሓት ንምእላይ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ይሕግዞም እንትሃልዩን፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ነቲ ንዕስራ ዓመታት ሓሊዅ ሒዝዎ ዝጸንሐ ጉዳይ ክፈትሖ እንተሓሊኑን ግጉይ እዩ ክበሃል ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኰነን። “ካብቲ ዝነበርካዮ ኣይከፍኣካን እዩ፡ ከምቀደምካ ኢድካን እግርካን ኣኪብካ ኣብ ድፍዓትካ ተሓጺርካ ንበር” ዘስምዑ ዘይምኽኑያት ኣጋውላት እውን ይስምዑ እዮም። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ “ኢዱን እግሩን ክእክብ ኣለዎ” እዳበልካ፡ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ከውርድን ክዕወትን ምድላይ ከምይ ገይሩ ቅቡልን ሓላፍነታውን ክበሃል ይከኣል፧

እቶም ምስ ህወሓት ተዋድዮም ንነዊሕ እዋናት ንምምሕዳራዊ፣ ማሕበረ-ቁጠባውን ድሕነት ሃገረን ኤርትራ ክዕብልሉን ክቆጻጸሩን፡ ክሰርሑን ክሓልሙን ዝጽንሑ ውድባት፣ ተሓለቕትን ማዕከናት መራከቢታትን ከምኡ እንተበሉ ሰብ ዕላማ ስለዝነበሩ ርዱእ ምዀነ፡ እቲ ዘደንጹ እቶም ብዘይ ግዳማዊ ደገፍን ጽልዋን “ስልጣን ንህዝቢ እንተዘይኣረከብካ” ኢሎም ክቃለሱ ዝጸንሑ ከምኡ ምባሎም እዩ። ብወገነይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘየማእከለ ለውጢ ምጽዋዕን ምርግጋጽን ዝሕሰብን ዝከኣልን ኣይመስለንን። ኣብ ዓለም እውን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።

ብተወሳኺ፡ ልክዕ ከምቲ ንሕና ኤርትራውያን ህዝባዊ መንግስቲ ንኽንተክል ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንቃለሶ ዘለና፡ ከምኡ እውን ተጋሩ ኣብ ክልሎም ህዝባዊ መንግስቲ ንክተኽሉ ዝቃለሱ ከምዘለዉ ምዝካር ኣድላዪ እዩ። ህዝባዊ ምንግስቲ ንኽትተክል እንዳተቓለስካ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ከም ተጻባኢ ንዝርእይዎ ሓይሊ ምድንጋጽን ምሕላይን ንምንታይ ኣድለየ፧ ከምቲ ኢሰያስ ኣፈውርቂ “ህውሓት ይጻብኡና ኣለው፣ ዶብና ኣይተመልከተን፣ መሬትና ተወሪሩ፣ ማሕበረሰብ ዓለም የጓንይና ኣሎ” ወዘተ ዝኣመሰሉ መፈራርሂታት እንዳውስአ ዓመታት ስልጣን ክብሕትን ሃገርን ህዝብን ንቝልቍል ክነቍትን ዝጸንሖ፡ ሕጂ ድማ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣትዩ፣ ኣምሓሩ ክወሩና እዮም፣ ህወሓት እንተጠፊኣ ኢሰያስ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክሕውሳ እዩ” ወዘተ ምባል፡ ካብ ናይ ኢሰያስ ብህሎ ብምንታይ ይፍለይ፧

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምኡ እንተበለ ስልጣኑ ንምንዋሕን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ክበሃል ይከኣል። “ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸል” ኢሎም ዝቃለሱ ከምኡ መበሊኦም፡ ብጀካ ዓሎቕን ዘይስንኻ ሑጻ ክትቁርጥመሉ ምድላይን እንተዘይኮእይኑ፡ በየናይ መጐት ሓልዮት ንህዝቢ ኤርትራ ክትብሎ ትኽእል፧

እቲ ሕጂ ብዛዕባ ሓልዮትን ፍቕርን ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ዝውሳእ ዘሎ፡ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት፡ ህወሓት ኣብ ስልጣን ከለው እዚ ድምጺ ኣበይ ተሰዊሩ ነይሩ፧ ወይስ ንፍሉያት ደቂ ዓይኒ መዓር ጥራይ፡ ምእንቲ ካልኦት ከይሰምዑ፡ ኣብ እዝኖም ብሕሹኽ ዝምጠውሎም ዝነበሩ ፍቕርን ሓልዮትን እዮም ሕጂ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ዝዝንተው ዘለው፧

ሕውነት ዶ ሓልዮት እንዳበልካ ብስም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምሽቃጥ ደው ክብል ይግባእ። ሓይልታት ምክልኻል ኣብዲ ኣይኰነን ሃገርን ህዝብን ኣብ ዘየርብሕ ተጐሲሱ ዝኣትው። ንሃገርን ህዝብን ዘርብሑ ስርሒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ፡ ክድግፉን ክምጐስን ጥራይ እዩ ዝግባእ። ህወሓት ዝምርሖ መንግስቲ ብዋጋን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ንልእሊ ዕስራ ዓመታት ‘ኮ እዩ ኣሽካዕሊሉ። ሎሚ ንዘሽካዕልለልካ ዝነበረ ውድብን ሰዓብቱን ድንጋጸን ሓልዮትን ምርኣይ ማለት ካብ ክሕደት ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።

ድሕሪ ምእላይ ህወሓት፡ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ዝግበር ቃልሲ ሳልሳይ ወገን ኰነ ሓብሓቢ ዘድልዮ ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ብዓቅሚ ኤርትራውያን ጥራይ እዩ ክካየድን ክዕወትን ዝኽእል። ኤርትራውያን ነዚ ክውን ክገብሩ እኹል ብቕዓትን ዓቅምን ድማ ኣለዎም።

ከምቲ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንኢትዮጵያ ንመናፍሕን መሰናበድን ክትጥቀመላ ምፍታን መርኣያ ጥፍሽና ጥራይ እዩ ዝቑጸር። ሎሚ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ስግኣት ክትኰና ይትረፍ፡ ብዘይ ናይ ኤርትራ ሓገዝ ክትሰርር ዘይትኽእል ሃገር እያ ኰይና ዘላ።  

5 3 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments