ሓደ ሰሙን ተመላላእቲ መዓልትታት ስራሕን ዕረፍትን ዘካተተ ምዃኑ ኩላትና ንፈልጦ እዩ። ከምኡ’ውን መዓልትታት ስራሕን ዕረፍትን ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ሕጋዊ ከለላ ኣለዎ። በዚ መሰረት፡ትካላትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ብሕጊ ኣብ ሰሙን ዝዕጸውሉ መዓልትታት ወይ ሰዓታት ኣለዎም። እዚ ድማ ምስ ማሕበረ ቁጠባ፣ ባህልን ልምድን እንተን ሃገራት ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ብሕጊ ቀዳምን ሰንበትን ናይ ዕረፍቲ መዓልትታት እየን። እንተዀነ ሎሚ ምስ ምንጋስ ፍኑው ርእሰማላውነት፡ ብጀካ ንሰራሕተኛታት ህዝብውያን ትካልትን ተመሃሮን፡ ቀዳምን ሰንበትን ዳርጋ ናይ ስራሕ መዓልትታት እየን ተቐይረን ዘለዋ።
ስለምንታይ ቀዳምን ሰንበትን ኰይኑ ንዝብል ሕቶ ቀንዲ ጉዳይና ስለዝዀነ ብሓጺሩ ምርኣዩ ጠቓሚ እመስለኒ። ቀዳምን ሰንበትን ካብ መጀምርያ 20 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብሕጊ ከም ናይ ዕረፍቲ መዓልትታት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ክስረሓሉ ጀሚሩ። እዚ ምስ ምስሳን ኣፍረይቲ ትካላት ዝመጸ ኣተሓሳስባ’ዩ። እዘን ኣፍረይቲ ትካላት ሰራሕተኛታት ቆጺረን መጀመርያ 7 መዓልትታት እየን ዘስርሕኦም ነይረን። ሰራሕተኛታት ግን ንቤተሰቦምን ኣምኾን ዝኸውን ግዜ ስለዘድለዮም፡ ሰንበት ብሕጊ መዓልቲ ዕረፍቲ ከምትኾነሎም ገይሮም።
ሰንበት ድሕሪ ምዕራፍ ሰኑይ ስራሕ ደንጒኻ ምኻድን ምብዃርን ስለዝበዝሐ፡ ነዚ ዝተፈጥረ ጸግም ንምፍዋስ መጀምርያ ሰኑይ ተወሳኺት መዓልቲ ዕረፍቲ ንኽትከውን ብሕጊ ከምዝውሰን ኰይኑ። ድሕሪ ቁሩብ እዋናት ንሰኑይ መዓልቲ ስራሕ ብምግባር፡ ብቀዳም ከምትትኻእ ተገይሩ። ቀዳም መዓልቲ ዕረፍቲ ዝዀነት ብናይ ኣይሁዳውያን ሰራሕተኛታት ጸቕጢ’ዩ ዝብል ምጕት እውን ሓሓሊፉ ይግለጽ’ዩ። ምስ ብዝሕን ተሰማዕነታን ኣይሁዳዉያን ኣብቲ ግዜ’ቲ ብጠለብ ኣይሁዳውያን ዝተወሰነ ኢልካ ክትቅበሎ ኣሸጋሪ እኳ እንትዀነ፡ ተራ ኣይነበሮን ኢልካ ምድምዳም ግን ዝከኣል ኣይኰነን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ንዓርቢ ሳልሰይቲ ተወሳኺት መዓልቲ ዕረፍቲ ክግብርዋ ብመንግስቲ ደረጃ ድንዕ ክብሉ የረኣዩ እዮም። ብፍላይ፡ ስካንዲናቭያን ሃገራት ነዚ ሓሳብ ተግባራዊ ንምግባሩ ፈተነ ይገብራ ምህላወን መረዳእታ ኣሎ። እዘን ሃገራት፡ ከህልኽኦን ብርትዓዊ ዋጋ ክሸጥኦን ካብ ዝኽእላ ንላዕሊ የፍርያ ዝለዘለዋ፡ ብኽነት ንምጉዳል ኢለን ዘምጽእኦ መፍትሒ ሓሳብ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ብዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ እመነት ዝተጸለወ ከምዘይኰነ ምዝካር እውን ኣገዳስነት ኣለዎ።
ነዚ ብምዕራባውን ዘተኣታተወ መዓልትታት ዕረፍቲ ዝተዓዘባ ብእምነት እስልምና ዝዕብለላ ሃገራት፡ ድሒረን ንሓሙስን ዓርብን ብሕጊ መዓልትታት ዕረፍቲ ክገብርኦ እየን ወሲነን። እዚአን ሃገራት ንቀዳምን ሰንበትን ብዓይኒ እምነት ጥራይ ተጠሚተን መዓልትታት ዕረፍቲ ንኽዀና ዝተወሰና ገይረን ዝለዝወሰድኦ፡ ብተመሳሳሊ መዓቀኒ ሓሙስን ዓርብን መዓልትታት ዕረፍቲ ከምዝዀና ገይረን።
ሒደት ካብ’ዚአን ሃገራት ነዚ ኣብ እመነት ጥራይ ዝተመስረተ ምጕት ምኽንያታውን የእማንን ገይረን ስለዘይተቀበልኦ ንነዊሕ ኣይቀጸለን። ናብ ቀዳምን ሰንበትን እየን ተመሊሰን።
ካብ’ተን ዝተረፋ ብእምነት እስልምና ዝዕብለላ ሃገራት እውን እንተዀና ዓውለማውነት ተጎዝጒዘን ብሕጊ ንሓሙስ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብምግባር ንቀዳም መዓለቲ ዕረፍቲ ገይረንኦ ይርከባ ኣለዋ። ሎሚ ሓሙስን ዓርብን መዓልትታት ዕረፍተን ሃገራት ኢራንን ጅቡትን ጥራይ እየን።
ውድዓውነት ተሓሲምካ ዝይስነፍልጠታውን ዘይምኽንያታውን ኰንካ ክትቅጽል ኣጸጋሚ ስለዝዀነ፡ ውዒለን ሓዲረን ኩለን ሃገራት ተመሳሳሊ መዓልትታት እረፍትን ስራሕን ክህልወን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኰነን ዝብል እምነት ኣለኒ።
ድሮ ብዙሓት ብእመነት እስልምና ዝዕብለላ ሃገራት ቀዳምን ሰንበትን መዓልትታት ዕረፍቲ ገይረንኦ ይርከባ። ካብ ኣፍሪቓ ሰነጋል፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያን ማውሪታንያን፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ቱርኪ፡ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ድማ ፓኪስታን፣ ኢንዶነዥያን ማለዥያን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ስለዚ ውድዓውነት ዓለምና ተቐቢልና ብስነፍልጠትን ምኽንያታውነትን ክንጓዓዝ ደኣ ክንምዕድን ክንመክርን ኣለና እንበር፡ ተፈቲኑ ዝፈሸለ እምነት ጥራይ መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ ኣብ ዘብጸሓና የብሉን። ብፍላይ ንታሪኽ፣ ያታታትን ሕግታትን ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣተሓሳስባታት ወጊድ ንበሎ። እምነት ብሕታዊ ምርጫ ስለዝዀነ ኢና፡ እምነታት መልክዖም ክቐያይሩን ውልቀሰባት እምነቶም ክቕይሩን ንቡር ኰይኑ ንረኽቦ። ስለዚ እንተኽኢልና ካብ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንመለስ ንበል። እንተዘየለ፡ ካልኦት እንዳገደፍዎ ንሕና እንተዘይከድናዮ እንዳበልና ንምኽንያታውነት ቍልቍል ኣፉ ኣይንድፈኣዮ።