ሓርነትን ናጽነትን

  

ሓርነትን ናጽነትን ተቐራራቢ ትርጉም ዘልዎም ኣምራት ኰይኖም መሰረታዊ ፍልልይ ከምዘለዎም ግን ክፍለጥ ይግባእ። መሰረታዊ ፍልልዮም ብምንጽጻር ምጥማቶም ሓጋዚ ዝለዝዀነ ብኡ መሰረት ኣስዒብና ክንርእዮም ክንፍትን ኢና።

ሓራ ዝብል ኣምር፡ ብዘይዝኾእነ ይኹን ክለክላ፣ ገደብ፣ ቀይዲ፣ ጸቕጥን ስክፍታን ብዊንታዊ ሕርያ ጥራይ ተደሪዀም ንዝኽሰቱ ህሞታትን ትግባረታትን ይገልጽ።

ነጻ ዝብል ኣምር ድማ፡ ብሕጋዊ ወይ ቅዋማዊ ወይ ማሕበራዊ ክልከላታት፣ ገደባት፣ ቀይድታትን ጸቕጥታትን ተጐልቢቦም ንዝኽሰቱ ድሌትካ ናይ ምግባር መሰላት ይገልጽ።

ሓርነት ናጽነት
ብተፈጥሮ ዝዕደል ዊንታኻ እትገብረሉን እትዀነሉን መሰል ኰይኑ ብሕጊ ተፈጥሮ ጥራይ ድማ ይጽለው። ብሕጊ ወይ ቅዋም ዝወሃብ ዊንታኻ እትገብረሉን እትዀነሉን መሰል ኰይኑ ብሕግን ቅዋምን ድማ ይጽለው።
ብሕጊ፣ ቅዋምን ማሕብራዊ ቀይድታትን ፈጺሞም ንዘይጽለው መሰላት ይገልጽ። ብሕጊ፣ ቅዋምን ማሕበራዊ ቀይድታትን ንዝጽለው መሰላት ይገልጽ።
ገዛኢ ውሽጣዊ ሓይሊ ዘለዎ ኰይኑ ንዊንታዊ ትግባረታት ሓላፍነት የሰክም።

 

ንሕጊ፣ ቅዋምን ማሕበራዊ ቀይድታትን ተገዛኢ ኰይኑ ንዊንታዊ ድሌታትካ ብዘይጸቕጢ ንኽተተግብር ዘፍቅድ መሰል ይህብ።

 

ብቐንዱ ናጽነት ሕጋዊ ወይ ቅዋማዊ ከለላ ብዘለዎ ኣገባብ ካብ ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ ነጻ ምዃን ክኸውን ከሎ፡ ሓርነት ግን ዊንታዊ ሕርያኻን ድላይካን ንምዃን ይገልጽ።

ሓርነት ኣዝዩ ገዚፍን ሰፉሕን ትርጉም ዘለዎ ኣምር ስለዝዀነ፡ ውልቀሰባት ብሓርነት ንዘተግብርዎም ዊንታዊ ድሌታቶም ሓላፍነት ክወስዱሎም ግድነት ይህልዎም። ንኣብነት ብሕርያኻ ንእትኣትዎም ማሕበራውን ትካላውን ውዕላት ሓላፍነት ክትወስደሎም ግድነት ይህልወካ።

ናጽነት ድሩት ትርጉም ሃልይዎ፡ ብሕግን ማሕበራዊ ውዕላትን ዝተቐየዱ መሰላት ይህበካ። ንኣብነት ብሕግን ማህበራዊ ውዕላትን ዝተኸለሉ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፣ ናጽነት ድላይካ ዓይነት ትምህርቲ ምምሃር፣ ናጽነት ኣምልኾ ወዘተ ይህበካ።

ዝተፈላልዩ መግለጺ ሓርነት ኣለው፦

ተፈጥሮኣዊ ሓርነት – መሰረታዊ ዓይነት ሓረነት ኰይኑ፡ ዊንታዊ ድሌትካ ንኽትገብርን ከምድላይካ ንኽትከውንን ንዝፈቅድ ሓርነት ይገልጽ፡

ውልቃዊ ሓርነት – ንሓርነት ዊንታዊ ድሌትካ ምትግባርን ድላይካ ምዃንን ይገልጽ፡

ማሕበራዊ ሓርነት – ብጥርኑፍ ዊንታዊ ድሌትካ ምትግባርን ድላይካ ምዃንን ይገልጽ፡

ቁጠባዊ ሓርነት – ሓርነት ምኽዕባት ሃብትን ምህላው ኣታዊታትን ኣፈጻማን ይገልጽ፡

ፖለቲካዊ ሓርነት – ኣብ ዝግበሩ ሃገራዊ ውሳነታት ናይ ምስታፍ ሓርነት ይገልጽ፡

ዘቤታዊ ሓርነት – ንሓርነት ማዕረነት ሰብኣይን ሰበይትን ይገልጽ፡

 

ዝተፈላለዩ መግለጺ ናጽነታት እውን ኣለው፦

ናጽነት ምምስራት ማሕበራት – ንናጽነት ፍሉጥ ሸቶ ዘለወን ማሕበራት ምምስራትን ንምጽንባረንን ይገልጽ፡

ናጽነት ናይ እምነት – ንናጽነት ኣምልኾ ይገልጽ፡

ናጽነት ናይ ሃይማኖት – ንዝመረጽካዮ እምነት ንኽትስዕብ ዘፍቅድ ናጽነት ይገልጽ፡

ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ – ሓሳብካ ንኽትገልጽን ንኽትጽሕፍን ዘፍቅድ ናጽነት ይገልጽ፡

ናጽነት ናይ ትምህርቲ – ዝመረጽካዮ ዓይነት ትምህርትን ሞያን ንኽትመሃር ዘፍቅድ ናጽነት ይገልጽ፡ (ትምህርቲ ምውፋር ግድን ኰይኑ ናጽነት ትመሃሮ ዓይነት ግን ይፈቅድ)።

ኣብ መወዳእታ፡ ተጠቒሶም ዘለው ሓርነታትን ናጽነታትን ንባዕሎም ኣዝዮም ሰፋሕትን ኣሟጐትን ስለዝዀኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ስነፍልጠት ማእከላይ ቦታ ዘለዎም ኣምራት እዮም። ኣብዚ ንስለ ምጥቃስ ጥራይ ተጠቒሶም ምህላዎም ምዝካር አድሊ።

5 2 votes
Article Rating
ተመዝገብ
ነጋሪ
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments