1. ህዝቢ ኤርትራ መን’ዩ፧
መንነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ኣሽሓት ዓመታት ዝተሃንጸ መንነት’ዩ። ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ካብ ኣማኢት ዓመታት ዝነውሕ ስም ዘይክንሱ፡ ስለምንታይ’ዩ መንነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣሽሓት ዓመታት ከምዝተሃነጸ ዝግለጽ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ግዜ’ዩ ዝለዓል። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ “ኤርትራ” ዝብል መጸውዒ ካብ “ቀይሕ” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ ሙዃኑ’ዩ። ካብ መዓስ ከም ስም ጠቢቑ ዝብል ሕቶ ግን ዛጊት መዕለቢ ኣይረኸበን። ተሟገቲ፡ ብሓደ ወገን ምስ ምምጻእ ክርስትና ብፈለስቲ ግሪኻውያን ዝመጸ ስም እዩ ዝብል ሙግት ክቐርብ ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ምስ ምምሕዳር ጥልያን ዝመጸ’ዩ ዝብል ሙግት ዘቅርቡ ኣለው።
ብመሰረት ድሒሩ ዝቐረበ ሙግት፡ ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ምስ ምምጻእ ምምሕዳር ጣልያን ብፍሉይ ምጥባቑ ብዙሕ ጭብጥታት ስለዘሎ ዘዛርብ የብሉን። ብመሰረት ቀዲሙ ዝቐረበ ሙግት ማለት ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ምስ ምምጻእ ግሪኻውያን ፈለስቲ ዝመጸ’ዩ ዝብል ግን ንጹር ጭብጢ ዛጊት ኣይቀረበሉን። ይኩን ደኣ’ንበር ቀይሕ ባሕሪ ዝብል ስም ካብ ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ዝነቐለ ኢሎም ኣጣቒሶም ዝሙጉቱ ከምዘለዉ ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ከኣ፡ በቶም ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ምስ ክርስትና ብፈለስቲ ግሪኻውያን ዝመጸ’ዩ ኢሎም ዝሙጉቱ፡ ከም መርትዖ ተጠቒሱ ንረኽቦ።
ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ተመሳሳሊ እዋናት ብዝተፈላለዩ ዓመጽትን ጎበጥን በበይኑ መጸውዒ ይወሃባ ከምዝነበረ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ንኣብነት ኢትዮጵያውያን ጎበጢ ንዝነውሐ እዋናት ሓማሴን ኢሎም ክጽውዕዋ ከለዉ፡ ቱርካውያንን ግብጻውያንን ባሕረ ነግስታት ኢሎም ይጽውዕዋ ኔሮም። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ጎበጢ ኮነ ኢሎም ምእንቲ ረብሕኦም ክብሉ ዝጥዕሞም መጸውዒ፡ ከም ሳጓ ከልግቡላ ይፍትኑ ስለዝነበሩ’ዩ።
ምድንጋር መታን ከይፈጥር፡ ምድሪ ባሕሪ ዝብል መጸውዒ ካብ ምድሪ ቀይሕ ባሕሪ ዝብል ስም ዝሓጸረ ምዃኑ ምዝካር የድሊ። ንደቀባት፡ ምድሪ ባሕሪ ዝብል መጸውዒ መግለጺ መንነቶም ከምዝነበረ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ብሰፊሕ ጽሒፎሙሉ ስለዝኾኑ ምድጋሙ ኣገዳስነት የብሉን። ስለዝኮነ ምድሪ ባሕሪ ዝብል መጸዊዒ መግለጺ መንነት ናይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝነበረ ዘሟግት ኣይኮነን። “ኤርትራ” ዝብል መጸውዒ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ “ቀይሕ” ሙዃኑ’ውን ዘካትዕ ኣይኮነን። ዘካትዕ ምድሪ ቀይሕ ባሕሪ ጸኒሑ ብምድሪ ባሕሪ ኤርትራ ክግለጽ ዝጀመረ መጸውዒ መዓስን ብኸመይን ከምዝመጸ’ዩ። ሒደት ዘይበሃሉ ምስ ምምጻእ ክርስትናን ጥበብ ጽሕፈት ግእዝን ዝመጸ መጸውዒ ሙዃኑ መጻሕፍቲ ጠቒሶም ከረድኡ ዝፈተኑ ከም በዓል መብራህቱ ኣቶወብርሃን ክጥቀሱ ይኸሉ። ካልእ ዘካትዕ ምድረ ቀይሕ ባሕሪ (ምድሪ ባሕሪ ኤርትራ) ዝብል መጸውዒ ምምሕዳር ጣልያን ናብ “ኤርትራ” ዝብል ስም የሕጺርዎ ዝብል ስነሞገት’ዩ። እዞም ኣሟጓቲ ውርሻታት ደፋእ ኢልካ ዝፍተሹን መደምደምታ ዝብጽሓሎምን ስለዝኾኑ ንሕጂ ንጎኒ ገዲፍና ናብ ቀንዲ ሕቶ ክንምለስ።
እዚ ኹሉ ምዝራብ ዘድለየ ህዝቢ ኤርትራ መን’ዩ ክንብል እንተኾይና ኤርትራ ዝብል መጸውዕን ህዝቢ ዝብል ኣምርን በበይኑ ክንርእዮ ግድን ስለዝኾነ’ዩ። ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ካበይ መጺኡ ንዝብል ሕቶ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ተናኺፍናዮ ኣለና። ካብ መጸውዒ ስም ሙዃን ሓሊፉ ንበይኑ መዐቀኒ መንነት ህዝቢ ኽኸውን ዝኽእል ግን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣህዛብ መንነቶም ዝገልጽሉ ተወሰኽቲ ወሰንቲ ረቛሒታት ስለዘለዉ። እቶም ኣወሰንቲ ረቛሒታት ዝበሃሉ ከኣ መበቆል ትውልዲ፣ ቋንቋን ስርዓተ ክብርታትን ክኾኑ ከለው፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ቋንቋታት ወይ ክብርታት ኣብ ዝህልውሉ ኩነታት መስርሕ ምውሓጥ ፍጹም ክሳብ ዝኸውን ዓብላሊ ቋንቋ ወይ ክብሪ መግለጺ መንነት ኮይኑ ከምዝቕጽል ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ብተደጋጋሚ ዝተረኣየ ክውንነት ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ኤርትራዊ ዝበሃል እንበኣር ብትውልዱ ኣብ ክሊ መሬታዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝቦቐለ፣ ካብ መበቆላውያን ቋንቋታት ክሊ ግዝኣት ኤርትራ እንተወሓደ ሓንቲ ዝፍልጥን ወይ ካብ ዝፈልጡ ስድራ ዝተወለደን ብክብርታት ኣባሓጎታት ክሊ ግዝኣት ኤርትራ ዝተኾስኮሰን ይኸውን። ሰለስቲኤን ረቋሒታት ዘየማልእ ውልቀሰብ ብመበቆል ኤርትራዊ ክኸውን ኣይክእልን።
ተሰዲዱ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ዝመጸ፣ ንሃገርን ህዝብን ጽቡቕ ዝገበረን ብሰላም ንነዊሕ ግዜ ዝተቐመጠን ብነባርነት ኤርትራዊ ክኸውን ይኽእል። ከም ኣብ ኩለን ሃገራት ዝፍጸም፡ መሰረታዊ መሰሉ ዝተሓለወ ክኸውን ከሎ፡ ፍጹም ምሉእ መሰል ክረክብ ግን ኣይክእልን።
ዝለዚ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ብመቦቆልን ብነባርነትን ኤርትራውያን ናይ ዝኾኑ ህዝቢ መጸውዒ ስም’ዩ። ብጀካ ራሻይዳ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሒደት ተሰዲዶም ዝመጹን፡ ብነባርነት ኤርትራውያን ዝኾኑ ብቁጽሮም ውሑዳትን ኣብ ከተማታት ተሓጺሮም ዝነብሩን ገዲፍካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ዳርጋ ብመበቆል፣ ብቛንቋን ክብርታትን ኤርትራዊ ናይ ዝኾነ ህዝቢ መጸውዒ ስም’ዩ ክብሃል ይከኣል።
2. መሰረታዊ ሽግር ናይ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩ፧ (ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩም፧)
ብሕግን ስርዓትን ዝመሓደር ህዝቢ ክንሱ ንኣማኢት ዓመታት ናተይ ዝብሎ ማእከላይ መንግስቲ ኣይነበሮን። ምስ ዘዝመጸ ዓማጽን ጎባጥን ክቛራቐስ ዳርጋ ዘይምእኩል፣ ፋሕ ዝበለን ንምኽልካል ዝጥዕምን ጥበብ ምሕደራ ክጥቀም ዝጸንሐ ማሕበረሰብ’ዩ። ስለዝኾነ ናተይ ዝብሎ ብደቁ ማእከላይ መንግስቲ ምስተተኸለ ነቲ ዝዝምቢ ዝነበረ ድነ ብዙሕ ግዲ ክገብረሉ ኣይከኣለን። እቲ ንነዊሕ ዝጸንሖ ዘይምእኩል ጥበብ ምሕደራ’ውን ብዝስዕርር ዝነበረ ምልኪ ንነዊሕ ግዜ ዳርጋ ብዙሕ ስለዘይተተንከፈ፡ ሳዕቤን ምልኪ ደንጉዩ’ዩ ናብ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ በጺሑ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝበዝሕ ህዝቢ ነቲ ጸገም ገና ከየስተውዓለሉ ከሎ፡ መንግስቲ ዝነበረ ናብ ስቱር ምልካዊ ምሕደራ ኢሰያስን ጉጅልኡን ተቐይሩ። መጀምርያ ምስ ህወሓት ብዝተበጽሐ ዘይቕርዕው ስምምዕ መሰረት፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓውሲ ምትፍናን ፈጢርካ ናብ ትግባረ ዝኸይድ ዝነበረ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ሓንኲልካ ስልጣን ክትብሕት ምድላይን ዝሰዓበ ኣደራዕን ምርኣይ ይከኣል። ህወሓትን፡ ኢሰያስን ጉጅልኡን ስለዝተጎራርሑ፡ ጠርቈሽቈሽ ዝሓሰብዎ ምትፍናን ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ስለዝኸደ መምለሲ ክርከበሉ ኣይተኻእለን። ኢሰያስን ጉጅልኡን ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ህወሓት ዝመርሖ ሰራዊት ናብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ክኣትዉ ከምዝወሰኑ ፈጺሞም ይፈልጡ ኣይነበሩን። ምስኮነ ናበይ ከብሉ፡ ሰንቢዶም ኢሰያስን ጉጅልኡን ክነዝልቕ ኣለና ዝብል እማመ ኣቕሪቦም፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍትን ስለዘይተቐበልዎ፡ ካብ ኢድ ኢሰያስን ጉጅልኡን ወጻኢ፡ ሳላ ንሒን ሓቦን ሓይልታት ምክልኻልን ህዝቢ ኤርትራን፡ ህወሓት ዝመርሖ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተሓጺሩ ተሪፉ።
ማእከላይ ሽማግለ ህወሓት ኣይጸንሑን ንሃንደስትን መራሕትን ዳግማይ ጎበጣ ኤርትራ ተቐላጢፎም ካብ መዝነቶም ኣልዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዎም ተገዲዶም። ምኽንያቱ ሃንደስትን መራሕትን ዳግማይ ጎበጣ ኤርትራ ልክዕ ከም ኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብ ህልኽ ኣትዮም ገና ኲናት ክንቅጽል ኣለና ይብሉ ዝለዝነበሩ’ዩ። ህወሓት ብናይ ደገ ጸቕጥን ይኣኽለና ብምባልን ከይፈተዉ ሰላም ክመርጹ ከለዉ ኢሰያስን ጉጅልኡን ሓንጊዶም። ኣብ’ቲ እዋን እቲ ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር “ድሒሩ ብህግደፍ ዝተጨወየ” ቁሩብ ዘይተጸንቀቓ ዓቕሚ ስለዝነበርኦ ሃይለ ወልደትንሳኤ ዝመርሖ ልኡኽ ናይ ሰላም ውዕል ምስተሰማምዐ፡ ኢሰያስን ጉጅልኡን ብድምጺ ብልጫ ተሳዒሮም ከይፈተው ተፈሪሙ።
ኣብዚ ከይተጠቀሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ጥሙሕ ሃንደስትን መራሕትን ዳግማይ ጎቦጣ ኤርትራ’ዩ። ዕላምኦም ኣዝዩ ኣሰንባድን ርሑቅ ዝጠመትን ምንባሩ ድሒሩ’ዩ ክበርህ ጀሚሩ። ሕልሞም ንኤርትራ ዳግማይ ጎቢጥካ ዘድልየካ መሬትን ባሕርን ጨሪምካ ወሲድካ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ኣይትብላዕ ኣትስተ ጌርካ ምግዳፍ ከምዝነበረ ከይሓፈሩ ብጽሑፍን ብዘረባን ስለዝደርጉሑዎ ምድጋሙ ምስልቻው ከይከውን ክንሰግሮ።
ከም’ቲ ልዒሉ ዝተጠቐሰ ኢሰያስን ጉጅልኡን ዳርጋ ዕረ ዕንዳጥዓሞም’ዮም ነቲ ውዕል ሰላም ክቕበሉ ዝተገደዱ። በዚኣ ቂም ዝቛጸሩ ኢሰያስን ጉጅልኡን ሃገርን ህዝብን ከብርሱ ኣሃዱ ኢሎም ጀሚሮሞ። ኩሎም ዝኽየዱ ዝነበሩ ኣንፈታት ምሕያል ትካላዊ ኣሰራርሓን ምርቃቕ ዝተፈላለዩ ሕግታት፡ ብፍላይ ንምቛም ሰልፍታትን ምርጫን ዝምልከቱ ከምዝዕንቀጹ ተጌሩ። ካብኡ ሓሊፎም ስሩዕ ኣኼባታት ሃገራዊ ባይቶን ማእከላይ ሽማግለን ንኸይግበር ከደናጉዩን ክዕንቅጹን ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኔሩ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ደለይቲ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓን ደለይቲ ትእኪት ኢሰያስን ጉጅልኡን ዝነበረ ምትፍናን ብመንገዲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ ቅርዓት ምስወጸ ዘይተባህለን ዘይተደገመን ኣይነበረን። ኤርትራውነት ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን። ስለ ኤርትራ ዝተኸፈለ መዳርግቲ ኣልቦ ክቡር ዋጋ ክሳብ ክንደይ ምንጪ ሓበን ከምዝኾነ ዝተጋህደሉ ሁመት ኔሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን።
መሰረታዊ ጸገም ናይ ኤርትራ እምበኣር መበገሲኡ ዘይቅርዕው ውዲት ዝወልዶ ኮይኑ፡ ኢሰያስን ጉጅልኡን ዝሓልምዎ ዝነበሩ ብተዛማዲ ሓውሲ ርህውቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ክረኽብዋ ስለዘይከኣሉ ዝሰዓበ ውጽኢት ኣንፈቱ ዝሰሓተ ከይዲ’ዩ። ኢሰያስን ጉጅልኡን ንሶም ኣብ ዝበሓትዋ፡ ካብ ናይ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብዝገድድ መልክዑ ብዘይ ሕቶ ዝተባህለካ ጌርካ ዝተወሃበካ ተቐቢልካ ዝኽየደላ ኤርትራ ሓሊሞም ክኾነሎም ስለዘይከኣለ ዝሰዓበ መከራ’ዩ።
ኢሰያስን ጉጅልኡን ሕልሞም ክገሃድ ከምዘይክእል ኣረጋጊጾም ምስፈለጡ፡ ኣገርን ህዝብን ለኻኺምካ ምጥፋእ ዝብል መርገጺ ወሲዶም። ንግሩሃት ደለይቲ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝኾኑ ሃገራውያን ተመኵልዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ገበሩ። ኣስጋእቲ ንዝበሃሉ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ፡ ብሕማም ሞይቱ ዝብል ወረ እንዳነዝሑ ክመጹ ንዝኽእሉ ሕቶታት ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት ሓለፍትን ከምክኑ ተጓዮም፡ ተዓዊቶምሉ። ዝተረፉ ፈቲሕና ክንዘራረብ ኣብ ዘይንኽእለሉ ኩነታት ስለዝበጻሕና ቁርብ ተጸሚምና ጉዳይ ዶብ ወዲእና፡ ናብ ልዝብ ምእታው ይሓይሽ ዝብል ሽሕጥን ተጠቒሞም ንኹሎም ኣደናገርዎም። ጉዳይ ዶብ ከምዝፍለጥ ንልዕሊ 18 ዓመታት ተጓቲቱ ስለዝቐጸለ፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ተወንዚፉ ከምዝጸንሕ ተጌሩ። ሃገር ከኣ ድነ ጸላም ተጎልቢባ ተሪፋ።
ብተዛማዲ ርህውቲ ኤርትራን ምልኪ ኢሰያስን ጉጅልኡን ብሐደ ክኸይድ ከምዘይክእል ቀልጢፉ ዝተረድኦም ጉጅለ እኪት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ትንፋስ ዘርኡ። በዚ ፍናን ዝለዝረኸቡ፡ ኢሰያስን ጉጅልኡን ሃገርን ህዝብን ረሚስካ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ትሕዞኦም ኣትረሩ። ኩሉ ሜላ ራዕድን ሽበራን ክሳብ ብማሕበረሰብ ዓለም ማዕቀብ ዘንብር ኣበራት ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምግባር ስራሕና ኢሎም ተታሓሒዘሞ ከይሓነኹ ቀጸሉ። ሽግር ህዝብን ሃገርን ከፈር መሊኡ ዒቅ ኢሉ ፈሲሱ ክንሱ ያዕ ዝብል ኣይተረኸበን። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ’ዩ ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ሰማዒ ስኢኑ መላመድን መናገድን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ኮኑ ክተርፍ ዝተፈረደ።
ኩነታት ህወሓትን ኢትዮጵያን ሃንደበት ክቀያየር ስለጀመረ ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ኣቓልቦ ክረክብ ክኢሉ። እዚ ሓድሽ ክውንነት ጉጅለ እኪት ኣብ መጻብቦ ኣትዮም ከምዝቕርቐሩ ጌርዎም። ኢሰያስን ጉጅልኡን ከይፈተዉን ብገንዘብ ተጠቢሮምን እንዳየዕጠጠዩ ልዝብ ምስ ኢትዮጵያ ክቕበሉ ዝቕስብ ኩነታት ተፈጥረ። በዚ ከኣ ናይ ኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብ ስልጣን ተኾይጥካ ናይ ምጽናሕ ሕልሞም ቅሂሙ ከምዝተርፍ ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዳግማይ ነባሪ ቅሳነት ከምጽኣሉ ዝኽእል ዕድል ረኺቡ ኣሎ ክብሃል ይከኣል።
ብዙሕ ግዜ ምስ መንቀሊ መሰረታዊ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ተተሓሒዙ ዝለዓል ሕቶ ኣሎ። ንሱ ከኣ፡ ጉጅለ እኪት ነዚ ኩሉ ክገብሩ ዘኽእሎም ምንጪ ሓይሎም ካብይ ከምዝነቅል’ዩ። ብግዳም ካብ ፈተውትን ተጻባእትን ዝነቕሉ ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ ዘቤታዊ ጥራይ ምስ’ነተኩር ክልተ ዓበይቲ ምንጭታት ምርኣይ እኹል እመስለኒ። ቀዳምይ ምንጪ ሓይሎም ኩሉ ሃብቲ ሃገር ካብ ዓቅሚ ሰብ ጀሚርካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ስለዝገበሩ ዝብገስ ክኸውን ከሎ።
ክልኣይ ምንጪ ሓይሎም ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚንስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ዘይምትእምማን ብምፍጣርን፡ ዝነበሮም ግደን ተራን በብቑሩብ ብምብሑጓግ ኣልሚሶም ሞራሎም ተንኪፎም፣ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ነጺሎም፣ መስተማስልትን ተሰከምቲ ሕዱራት ሕማማት ጌሮም ከዳኽሞም ብምኽኣሎም ዝብገስ’ዩ።
ግዜ ዘይጋልሆ ሕቡእ ስለዘየለ፡ ግዜ ኣኺሉ ኢሰያስን ጉጅልኡን ሕብኡኒ ዝብሉሉ እዋን በጺሕና ኣለና። ተራ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ሉዑል ሙዃኑ ስለዘይስሕትዎ መወዳእታ ኢሰያስን ጉጅልኡን ደፋእ ኢልና ንጸበ። ከምቲ መጀምሪ ዘለዎ መወዳእታ ዘይብሉ ነገር ስለዘየለ፡ ዓቕሊ።